እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህወሓት ዳግም ሕጋዊ ኣፍልጦ ክረክብ ዘኽእል መመሓየሺ ኣዋጅ ጸዲቝ ናብ ባይቶ ተመሪሑ
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ፈደራላዊ መንግስቲ፡ “ካብ ሕጋውን ሰላማዊን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወጻኢ” ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ዳግም ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምምዝጋብ ዘኽእል ድንጋገ ዝሓዘ መመሓየሺ ኣዋጅ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ልኢኹ።
እዚ፡ ነቲ ኣብቲ ኣብ ግብሪ ዘሎ “ኣዋጅ መረጻ ኢትዮጵያ፣ ምዝገባ ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ስነ ምግባር መረጻን ኢትዮጵያ፡ ዝተገብረ ምምሕያሽ፡ ህወሓት ዝስኣኖ ሕጋዊ ኣፍልጦ ሰልፊ መሊሱ ንኽረክብ ዘቕረቦ ሕጋዊ ሕቶ ዝምልስ ክኸውን’ዩ።
እቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት፡ ሎሚ ዓርቢ 31 ግንቦት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ነቲ ዝቐረበሉ ምምሕያሽ ኣዋጅ ተቐቢሉ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከም ዝለኣኾ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብ ኣርባዕተ ኣዋጃት ዘትዩ ውሳነ ከም ዘሕለፈ የመልክት።
እዚ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪበ ዘሎ እማመ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተረኽበ ገንዘብ ሕጋዊ መልክዕ ኣትሒዝካ ምቕራብን ንግብረ ሽበራ ብገንዘብ ናይ ምሕጋዝን ዝበሉ ገበናት ንምክልኻልን ንምቍጽጻርን ዝቐረበ ኣዋጅ’ውን ይርከቦ።
ብተወሳኺ፡ ኣዋጅ ምምላስ ንብረትን ስርዓት ዕድጊ ውጽኢታት ነዳድን ንምድንጋግ ዝቐረበ ኣዋጅ’ውን ናብቲ ባይቶ ክምራሕ ውሳነ ተዋሂቡዎ ኣሎ።
ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ቀዲሙ ዝተጠቕሰ ጉዳይ ኣዋጅ መረጻ፡ ምዝገባ ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ስነ ምግባር መረጻን ኢትዮጵያ ኰይኑ፡ እቲ ብ2012 ዓ.ም ዝወጽአ ሕጊ መረጻ፡ ኣፍልጦ ዝተኸልኡ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዳግም ክምዝገቡ ኣብ ምግባር ብዝተሓሓዝ ሃጓፋት ከም ዘለዎ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር የመልክት።
“ካብ ሕጋውን ሰላማውን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወጻኢ ኰይኖም ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ጕጅለታት ብሰላማዊ መገዲ ንምንቅስቓስ ድልየት ኣብ ዘርእይሉ እዋን፡ ኣብቲ ጽኑሕ ኣዋጅ እዞም ኣካላት ሕጋዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ ጌርካ ንምምዝጋብ ዘኽእል ስርዓት ኣይሰፈረን” ብምባል ኣብ ዙርያ እቲ ኣብ ግብሪ ዘሎ ኣዋጅ ዝተርኣየ ጕድለት ይገልጽ።
እቲ ሕጂ ባይቶ ሚኒስተራት ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ልኢኹዎ ዘሎ ምምሕያሽ፡ እቶም ፖለቲካዊ ጕጅለታት “ብሰላማዊ መገዲ ንምንቅስቓስን ንህንጸት ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን እጃሞም ንኸወፍዩ ድልየት ኣብ ዘርእይሉ ግዜ” ዳግም ንኽምዝገቡ ዘኽእል ስርዓት ክዝርግሕ ከም ዝኸውን ተሓቢሩ ኣሎ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ህወሓት ዳግም ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝረኽበሉ ኣሰራርሓ ብዝተሓሓዝ ወጥሪ ተፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ብ2013 ዓ.ም (ኣ.ግ) ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ስዒቡ “ኣብ ተግባር ዓመጽ ተዋፊሩ ነይሩ” ብዝብል ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ክስረዝ ከም ዝገበረ ይዝከር።
“ሓለፍቲ እቲ ውድብ፡ ብስም እቲ ውድብ ክንቀሳቐሱ ከም ዘይክእሉ” እውን ውሳነ ኣሕሊፉ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።