ዝሞተ መሲሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘምለጠ ገበነኛ ተታሒዙ

ታቦ ቤስቴር (የማን) ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝሞተ ተገሊጹ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, GALLO IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ታቦ ቤስቴር (የማን) ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝሞተ ተገሊጹ ነይሩ
Published

ብቕትለትን ዓመጽን ተኣሲሩ ዝነበረ ደቡብ ኣፍሪቃዊ፡ ከም ዝሞተ መሲሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምህዳሙ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ታንዛንያ ተታሒዙ።

እቲ ታቦ ቤስቴር ዝተባህለ ገበነኛ፡ ኣብቲ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ክፍሊ ቤት ማእሰርቲ ንነብሱ ብሓዊ ከም ዘቃጸለ ተሓሲቡ ነይሩ።

እንተዀነ፡ መርመራ ሬሳ፡ እቲ ኣብቲ ክፍሊ ቤት ማእሰርቲ ዝተረኽበ ሬሳ ናይ ቤስተር ከም ዘይኰነ ምስ ኣረጋገጸ፡ ነቲ ገበነኛ ንምሓዝ ዝግበር ጻዕሪ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ተጀሚሩ።

ቤስተር ቅድሚ ሒደት መዓልታት ምስ ኣፍቃሪቱን ካልእ ሳልሳይ ሰብን ኣብ ታንዛንያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወን ንደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝወሃብን ተገሊጹ ኣሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ፡ ሰለስቲኦም ናብ ጐረቤት ሃገር ኬንያ ክሃድሙ መደብ ነይርዎም።

ቤስተር "ናይ ፌስቡክ ዓማጺ" ብዝብል ሳጓ ይፍለጥ። እዚ ዝተባህለሉ ምኽንያት ነተን ዘጥቅዐን ደቂ ኣንስትዮ ብፌስቡክ ኣቢሉ ስለ ዝረኽበን እዩ።

ኣብ 2012 ንሞዴል ኣፍቃሪቱ ኖፉንዶ ታይሁሉ ብምቕታል ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ። ኣብ 2011 እውን ካልኦት ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጽን ብምዝማትን ገበነኛ ተባሂሉ’ዩ።

ቤስተር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት ኣብ ዝተኣሰረሉ ቤት ማእሰርቲ ንነብሱ ብሓዊ ከም ዘቃጸለ ተገሊጹ ነይሩ።

ይዅን'ምበር ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ንሞት ቤስቴር ኣብ ሕቶ ዘእትዉ ጸብጻባት ከውጽኣ ጀሚረን።

ኣብቲ ክፍሊ ዝተረኸበ ሬሳ ናይ ቤስተር ከምዘይኰነ ብመርመራ ሬሳ ምስ ተረጋገጸ፡ ፖሊስ ካልእ ናይ መርመራ ቅትለት ፋይል ከፊቱ።

መንነት ናይቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተቓጺሉ ዝተረኽበ ሰብ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን፤ እንተዀነ ግን፡ መርመራ ሬሳ ሰብ ኣብ ርእሱ ብዝበጽሖ መጕዳእቲ ከም ዝሞተ ኣረጋጊጹ።

ቤስተር ተኣሲሩሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ዝሕሉ ብሪጣንያዊ ጂ4ኤስ፡ ነቲ ገበነኛ ንኽሃድም ሓጊዙዎ ብዝብል ክሲ ክቐርበሉ እዩ።

ቢቢሲ ካብቲ ናይ ብሕቲ ኩባንያ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነታት ኣይሰመረን፡ እንተዀነ ግን ጂ4ኤስ ብሰንኪ እቲ ፍጻመ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ከም ዘባረረ ይገልጽ።

ቅድሚ ኣብ ታንዛንያ ምእሳሩ፡ ቤስቴር ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ሰፈር ሃብታማት ዓቢ ገዛ ተኻርዩ ይነብር ኣሎ ዝብሉ ጸብጻባት ክወጹ ጸኒሖም እዮም። ብተወሳኺ፡ ብግልጺ ኣብ ድኳናት ክነግድ ርኢና ዝብሉ ሰባት እውን ነይሮም።

ቤስቴር ካብ ቤት ማእሰርቲ ምህዳሙ፡ ኣብታ ብዙሕ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመላ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዑል ቁጥዐ ኣለዓዒሉ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።