ኣባላት ባይቶ ሌሱቱ ብዛዕባ ናትና ዝብልዎ ገለ ከባቢታት ደቡብ ኣፍሪቃ ይካትዑ

ባንዴራ ሌሱቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣባላት ፓርላማ ንግስነት ሌሱቱ ብዛዕባ'ቲ ናትና ዝብልዎ ገለ ከባቢታት ደቡብ ኣፍሪቃ ይካትዑ ኣለዉ።

ሓደ ተቓዋሚ ኣባል ባይቶ ንሓደ ምሉእ ኣውራጃን፡ ገለ ክፋላት ናይ ካልኦት ኣውራጃታትን ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ሌሱቱ ብምዃኑ ክምለስ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ'ሎ።

ንሎሚ ረቡዕ ዝተዳለወ ዝርዝር ዛዕባታት ፓርላማ ከምዘነጽሮ፡ "ብምልኡ [ኣውራጃ] ፍሪ ስቴት፡ ገለ ክፋል ሰሜናዊ ኬፕ፡ ገለ ክፋል ምብራቓዊ ኬፕ፡ ገለ ክፋል ምፑማላንጋ፡ ከምኡ'ውእን ክፋል ክዋዙሉ ናታል ኣካል ሌሱቱ ምዃኑ ክእወጅ ኣለዎ" ክብል እቲ ኣባል ባይቶ ጠሊቡ።

እቲ ናይ ምምላስ ሕቶ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ 1962 ዝሓለፈ ናይ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ውሳነ 1817 (XVII) ዝካየድ ምዃኑ እቲ ሰነድ ይጠቅስ።

እቲ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ዘይልሙድን ግር ዘብልን'ኳ እንተኾነ፡ ኣመሰራርታን ኣቋውማን ሌሱቱ'ውን ልሙድ ኣይኮነን።

ኣብ 1871፡ እታ ሽዑ 'ባሱቱላንድ' ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት ሌሱቱ፡ ኣካል ናይቲ ኬፕ ዝብሃል ዝነበረ ኣውራጃ እያ ነይራ።

ኣብ 1884 ግን፡ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ "ንግስነታዊት" ግዝኣት ብሪጣንያ ኮይና።

እቲ ሱቱ ተባሂሉ ዝፍለጥ እንኮ ዓሌት ህዝቢ እታ ሃገር ኣብተን ዝተጠቕሳ ዞባታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተዘርግሐ'ዩ ነይሩ።

ብሰንኪ ዝካየድ ዝነበረ ግጭታት ግን ናብዚ ሕጂ እታ ሃገር ተደኲናትሉ ዘላ በረኽቲ ቦታታት ግዒዞም ናይ ገዛእ ርእሶም ንግስነት ኣቚሞም፡ ድሕሪ ምውዳእ መግዛእቲ ብሪጣንያ ኸኣ ሃገር ኮይኖም ቀጺሎም።

ሌሱቱ፡ እታ እንኮ ኣብ ውሽጢ ዶባት ካልእ ሃገር እትርከብ እንኮ ሃገር እያ- ምሉእ ብምሉእ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸበበት'ያ።

ንጉስ ለጺ መበል 3ይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንጉስ ለጺ መበል 3ይ

እታ ኣስታት 30,355 ትርቢዒት ኪሜ ስፍሓት ዘለዋ ሃገር፡ ብዝሒ ህዝባ 2.2 ሚልዮን ይበጽሕ። ማሴሩ ድማ ርእሰከተማ እታ ሃገር'ያ።

ርእሰ-ሀገር ንጉስ ለጺ 3ይ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ድማ ሳም ማታካነ ይብሃል።

ብዙሓት ደቂ እታ ሃገር ኣብ ዕደናታትን ካልኦት ክፋላት ደቡብ ኣፍሪቃ ብምራሕ'ዮም መነባብርኦም ዝመርሑ።