መራሕተን ናብ ቤት ፍርዲ ዘቕረባ ሃገራት እንመን እየን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶናልድ ትራምፕ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቡ ናይዚ ሰሙን ዜና ነይሩ። ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ብገበን ዝተኸሰሰ ፈላማይ ፕረዚደንት እዩ።
ንምዃኑ እዚ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣጋጢሙ ይፈልጥ’ዶ?
ካብተን ኣብ ታሪኽ መራሕተን ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘቕረባ ዝፍለጣ ሃገራት እዘን ዝስዕባ ይርከባ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኢጣልያ፡ ሲልቪዮ በርልስኮኒ
ሲልቪዮ በርልስኮኒ ንኢጣልያ ብተደጋጋሚ መሪሑ’ዩ፤ ኣብ ዓለም ከምኡ ብተደጋጋሚ ዝተኸሰሰ መራሒ ድማ ከም ዘየለ ይንገር።
ኣብዚ እዋን ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕክምና ይርከብ።
በርሉስኮኒ ምዝንጋዕ ዝፈቱ፣ ዓርኪ መራሒ ሊብያ ነበር ሙዓመር ቓዛፊ'ውን ነይሩ።
በርሉስኮኒ ብውልቁ ኣብ ዘአንግዶም ድግሳት ኣዋልድ ዓዲሙ፡ ደቂ ደቁ ምስ ዝኣኽላ ኣዋልድ ይብዕልግ ነይሩ ተባሂሉ ይሕመ።
ኣብ 2013፡ ከኣ ምስ ትሕቲ ዕድመ ጓል ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ ተባሂሉ ተኸሲሱ። እዚ ብታሪኽ 'ቡንጋ ቡንጋ' ተባሂሉ ይፍለጥ።
እንተዀነ ኣብ 2015 ካብቲ ክሲ ነጻ ኰይኑ።
ኣብ 2012 ድማ ግብሪ ብምትላል ተኸሲሱ፡ ኣክንዲ ማእሰርቲ ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎት ክሰርሕ ተፈሪዱ።
ብድሕሪኡ ተለፎን መወዳድርቱ ብምጥላፍ፡ ምስጢሩ ናብ ጋዜጣ ኣቃሊዑ ብዝብል ንሓደ ዓመት ተፈሪዱ።
በርሉስኮኒ ሓንቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ - ኤሲ ሚላን - ሓዊሱ ሓያሎ ጋዜጣታት ይውንን ነይሩ።
እቲ ዝገርም ግን ነዚ ናይ ሓደ ዓመት ፍርዲ ኣይፈጸሞን፤ ኣሪጉ’ዩ ተባሂሉ ከይተኣሰረ ተሪፉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሆስፒታል ሚላኖ ሕክምና ይግበረሉ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብራዚል፡ ሉላ ዳ ሲልቫ
ሉላ ዳ ሲልቫ ፕረዚደንት ብራዚል ነይሩ። ተፈሪዱ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ’ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ተመሊሱ ፕረዚደንት ኰይኑ ኣሎ።
ሉላ ካብ ሓደ ኮንትራክተር ህንጻ ገንዘብ ብምቕባል እዩ ተኣሲሩ።
እቲ ሰራሕተኛ ሓጺን ዝነበረ ሉላ ሲልቫ፡ ን580 መዓልታት ተኣሲሩ’ዩ። ኣብ 2018 ድማ ኣብ መረጻ ከይሳተፍ ተኸልኪሉ።
“ብህይወት ከለኹ ክቐብሩኒ ፈቲኖም፤ ከም ገለ ኢለ ተንሲአ” ክብል ዳግማይ ፕረዚደንት ድሕሪ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቡብ ኮሪያ፡ ፓርክ ዮን ሄ
ፓርክ፡ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ እያ። እቲ ቀዳመይቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸትን ብብልሽውና ዕንደራ ካብ ስልጣና ዝተኣልየትን መራሒት እያ።
ኣብ 2017 ስልጣና ተጠቒማ ሃብቲ ህዝቢ ንብልሽውና ኣቃሊዓ ተባሂላ ተኸሲሳ።
ፓርክ ንገለ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ይቕረ ተገይሩላ ኣብ 2021 ተፈቲሓ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፈረንሳይ፡ ኒኮላስ ሳርኮዚ
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኒኮላስ ሳርኮዚ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ክእሰር ዝተፈርደ ፈላማይ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ፈረንሳ እዩ።
ኣብ 2021 ንሓደ ዳኛ ጉቦ ክህብ ፈቲኑ ተባሂሉ ተኸሲሱ።
ክሳብ ሎሚ ግን እቲ ክሲ ኣይተዛዘመን። ዋላ'ኳ ንኽልተ ዓመት ተፈሪዱ እንተነበረ ይግባይ ብምባል እቲ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ፍርዲ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ፡ ናብ ቤት ምኽሪ ምርመራ ብልሽውና ብዘይምቕራቡ ን15 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ’ዩ።
ዙማ ንፖሊስ ኢዱ ቅድሚ ምሃቡ፡ ብናዕቢ ልዕሊ 300 ሰባት ሞይቶም።
ዙማ ካብዚ ብተወሳኺ ብምትላልን ብልሽውናን’ውን ተኸሲሱ ይርከብ።
ማሌዥያ፡ ናጂብ ራዛክ
ቀዳማይ ሚኒስተር ማሌዥያ ነበር፡ ሓያሎ ሚልዮናት ዶላራት ብምጥፍፋእ ን12 ዓመታት ተፈሪዱ።
ናጂብ፡ ኣማኻሪየይ ኣጋግዩኒ’ምበር ኣነ ንጹህ እየ ይብል። ናጂብ ይግባይ ምስተነጽገ ካብ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ።
ብተወሳኺ ካልኦት ክስታት’ውን ይጽበዮ ኣሎ።
እስራኤል፡ ኢሁድ ኦልመርት
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ነበር ኢሁድ ኦልመርት ብምትላል ን2 ዓመትን 3 ወርሕን ተፈሪዱ፡ ኣብ 2017 ድማ ፍርዱ ፈጺሙ።
ኦልመርት ድሒሩ ካብ ፖለቲካ ጡረታ'ኳ እንተወጸ፡ ስም ቤንጃሚን ናታንያሁ ብምጽላም ተኸሲሱ’ዩ።
ናታንያሁ ብጉቦ፡ ብእምነት ምጕዳልን ብብልሽውናን ገና ዘይተዛዘመ ክሲ ኣለዎ።
ናታንያሁ ንነዊሕ እዋን ንእስራኤል ብምምራሕ መወዳድርቲ የብሉን።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ታይላንድ፡ ዪንግላክ ሺናዋትራ
ሺናዋትራ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ታይላንድ ነበር እያ።
ብልሽውና ብዘይምዕጋት ሸለልትነትን ተኸሲሳ፡ ኣብ 2014 ካብ ስልጣን ተኣልያ። እቲ ክሲ ፖለቲካዊ ሕነ ምፍዳይ ምዃኑ ይንገር። ኣብ 2017 ካብ ሃገራ’ኳ እንተሃደመት፡ ኣብ ዘየላትሉ ንሓሙሽተ ዓመት ተፈሪዳ’ያ።
ቦሊቪያ፡ ጄኒን ኣንየዝ
ፕረዚደንት ቦሊቭያ ነበር ጀኒን፡ ነቲ ቅድሚኣ ዝነበረ ኢቮ ሞራለስ ንምውዳቕ ፈቲና ተባሂላ ን10 ዓመት ተፈሪዳ።
ሞራለስ ካብታ ሃገር ወጺኡ ኣብ ስደት ይርከብ።
ሞራለስ ድሕሪ ምኻዱ፡ ጃኒን ግዝያዊት ፕረዚደንት ኰይና።
ይዅን እምበር ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ ሰልፊ ሞራለስ ተዓዊቱ። መሳርሕቱ ሉዊስ ፕረዚደንት ኰይኑ ተመሪጹ።
ጀኒን ብሰንኪ ፖለቲካዊ ሕነ ምፍዳይ’የ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለኹ ትብል።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
