ወተሃደር ብሪጣንያ ኣብ ኬንያ ተቐቲሉ

ሜጀር ኬቪን ማክኩል ብሉጽ ወተሃደር ከም ዝነበረ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኬንያ ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, MOD

መግለጺ ስእሊ, ሜጀር ኬቪን ማክኩል ብሉጽ ወተሃደር ከም ዝነበረ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኬንያ ሓቢሩ
Published

ሓደ ወተሃደር ብሪጣንያ ኣብ ኬንያ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ዝተቐተለ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ወዲ 32 ዓመት ሜጀር ኬቪን ማክኩል ካብ ወተሃደራዊ መደበር ወጻኢ: ብሞተር ብሽክለታ እናተጓዓዘ እንከሎ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸሞ ቢቢሲ ክፈልጥ ክኢሉ ኣሎ።

ሰበስልጣን ሚኒስትሪ ምክልኻል ኬንያ፡ ሞት ሜጀር ኬቪን ንቐረባ ዘመዱ ከም ዝሓበሩ ኣረጋጊጾም፡ እንተዀነ ግን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ዝዀነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን።

ጸሓፊ ምክልኻል ግራንት ሻፕስ፡ "ዘሕዝን ክሳራ" ብምባል በሞት እቲ ሜጀር ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።

ወሲኹ ድማ፡ "ሜጀር ማክኩል ፍሉይ ሰብን ፍሉይ ወተሃደርን፡ ብማዕረ ዝፍቶን ዝኽበርን፡ ንሃገሩ ብኽብሪ ዘገልገለን ምንባሩ” ሓቢሩ።

ብመሰረት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኬንያ፡ ሜጀር ማክኩል ብ29 ሕዳር’ዩ ሞይቱ።

ኣብ ነሓሰ 2014 ናብ ኤውሮጳ፣ ማእከላይ ምብራቕ፣ ፎክላንድን ኣፍሪቃን ተዋፊሩ ነይሩ።

"ዘንጸባርቕ ንጥፈታት ስርሒት ዝሰርሐን፡ ኣብ ብዙሓት ካብቶም ዝኸበዱ ኮርሳት ሰራዊት'ውን ብሉጽ ውጽኢት ዝረኸበን" ክብል እቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ንኢዱ።

"ሓደ እዋን ንብምልእታ ቦጦሎኒ ኣብ ክልተ ማይልስ ጉያ ረቲዑ፡ ብቕዓቱ ፍሉይ እዩ ነይሩ፡ ከምኡ'ውን ጽንዓቱ። ኒሑ ተላባዒ'ዩ ነይሩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ሜጀር ማክኩል "ዓቢ ስድራቤታዊ ሰብ" ተባሂሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣዛዚኡ ድማ "ዝለዓለ ቅንዕና ዘለዎ" ሰብ ክብል ዘለዎ ክብሪ ጠቒሱ።

መራሒ ሰልፊ ዕዮ ሰር ኬር ስታርመር፡ "ንስድራቤት፡ ፈተውትን ብጾቱን” ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።

ሰራዊት እንግሊዝ ኣብ ኬንያ ኣብ ከባቢ ናንዩኪ ንጥፈት ልምምድ የካይድ (ፋይል)

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት እንግሊዝ ኣብ ኬንያ ኣብ ከባቢ ናንዩኪ ንጥፈት ልምምድ የካይድ (ፋይል)

ንነዊሕ ዓመታት ሰራዊት እንግሊዝ፡ ወተሃደራት ናብ ካልእ ቦታታት ዓለም ቅድሚ ምውፋሮም ስልጠና ዝወስዱሉ ኣብ ኬንያ ዝመደበሩ ኣሃዱ ነይርዎ።

ኣብ ናይሮቢ ንእሽቶ መደበር፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ንሰሜን 200 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ናንዩኪ ድማ ዝዓበየ ናይ ስልጠና ደገፍ ኣሃዱ ኣለዎ።

ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ሰራዊት እንግሊዝ፡ ኣብ ኬንያ ንሓጺር እዋን ስልጠና ክወስዱ ንዝመጹ 280 ኣባላት ዝሕግዙ ኣስታት 100 ቀወምቲ ሰራሕተኛታትን ኣለዎ።

ወተሃደራት ኬንያ’ውን ብፍላይ ኣብቲ ዞባ ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ንምሕጋዝ ስልጠና ይወስዱ’ዮም።

ብመሰረት ምስ መንግስቲ ኬንያ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ ሽዱሽተ ቦጦሎኒታት ኣጋር ሰራዊት ኣብ ኬንያ ንሸሞንተ ሰሙን ዝጸንሕ ልምምድ የካይድ።