ሃገራት ኢጋድ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ህጹጽ ኣኼባ ከካይዳ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ጸዊዑ

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን

ምንጪ ስእሊ, @hawelti

Published

ፕረዚደንት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ትማሊ ናብ ሃገራት ኤርትራን ጅቡትን ምብጻሕ ብምክያድ ኣባላት ኢጋድ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ህጹጽ ኣኼባ ከካይዳ ጸዊዑ።

ኣልቡርሃን፡ ምስ ኣቦመንበር ኢጋድ ዝኾነ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማኢዒል ዖመር ገለ ብምርኻብ ምዛዕባ ቅልውላው ሃገሩ ተዘራሪቡ።

"ኣብቲ ንጉዳይ ሱዳን ንምዝታይ ዝካየድ ዋዕላ ኢጋድ ክዕወትን ንቅልውላው ሱዳን ፍታሕ ክረክብን ተስፋ ኣለና" ክብል ጀነራል ኣል-ቡርሃን ከምዝተዛረበ ኣግልሎት ዜና ሱዳን ጠቒሱ።

ብዘይካ'ዚ እቲ ጀነራል ትማሊ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ናብ ጅቡቲ ብምኻድ ምስ ዋና ጽሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ብምርኻብ’ዩ ነቲ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ’ውን ናብ ኤርትራ ብምምራሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተራኸበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብኤክስ [ትዊተር ነበር] ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጀነራል ኣልቡርሃንን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ክልተኣዊ ርክባትን ኣገዳስነት ዘለዎም ዞባውያን ምዕባለታትን ተዘራሪቦም።

እቲ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስ ሓያለ መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸታታሊ ርክባት ካካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ሞንጎ ብሌተናል ጀነራል ዓብልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝመራሕ ሰራዊት ሱዳንን ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሰራዊት ውሃቢ ህጹጽ ደገፍን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ዝጀመረ ኵናት ሓድሕድ ንሱዳን ናብ ዝኸፈአ ዓዘቕቲ ሸሚምዋ ይርከብ።

ብሰንኪ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣማኢት ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ንክፈናቐሉ ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።

ንኽልቲኦም ወገናት ንምሽምጋል ተደጋጋሚ ፈተነታት’ኳ ክካየድ እንተጸንሐ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ባይታ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ስምምዕ ክብጻሕ ኣይተኻኣለን ዘሎ።

ኣብ ጅዳ ንኽልቲኦም ወገናት ንምሽምጋል ዝተገበረ ፈተነ ናይ ቀረባ ተዘክሮ ኮይኑ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዋዕላ ንግስነት ስዑዲዓረብን ኣፍሪቃን ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ብዘይቀጥታዊ ኣገባብ ንኽልቲኦም ወገናት ንምሽምጋል ተፈቲኑ’ኳ እንተነበረ ንሱ’ውን ክሰልጥ ከምይከኣለ’ዩ ዝግለጽ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ምስ መራሒ ጂቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገለ

ምንጪ ስእሊ, Suna

ምስ ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ሌተናል ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ድሕረ ዝገበሮ ርክብ ብኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ርክቦም ኢጋድ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው ኣብ ምህዳእ ክህልዎ ዝግባእ ተራ ዘማእከለ ከምዝነበረ ብምግላጽ “ነቲ [ኣብ ሱዳን] ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምምሕያሽ፡ ነባሪ ምቁራጽ ተኵሲ ንምግባር፡ ነባሪ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ፍታሕ ንምርካብን ተሰማሚዕና ኣለና” ኢሉ።

ብመንግስቲ ሱዳን እትመሓደር ማዕከን ዜና ሱና ብወገና ትማሊ ኣብ ዘቓልሐቶ ዜና፡ ሌተናል ጀነራል ዓብልፈታሕ ኣልቡርሃን ናብ ጅቡቲ ኣብ ዘካየዶ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ ኢስማዒል ዑመር ጒለ ንህሉው ኩነታት ሱዳን ኣመልኪቶም ዓሚቕ ዘተ ከምዘካየዱ ኣቃሊሓ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post

ዝበዝሐ ክፋል ካርቱም ኣብ ትሕቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሰራዊት ስለዘላን መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም’ውን ኣብ ትሕቲ ደብዳብ ናይ ከቢድ ብረት ስለዝርከብን ቀዋሚ ቤት ጽሕፈት ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ሊተናል ጀነራል ዓብልፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ፖርት ሱዳን’ዩ ኮይኑ ዘሎ።

ማዕከን ዜና ሱና’ውን ሊተናል ጀነራል ዓብልፈታሕ ኣልቡርሃን ካብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝተበገሰሉ ካቢነ ሚኒስተር ዑትማን ሑሰይንን፡ ዋና ጽሓፊ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ሊተናል ጀነራል ሞመመድ ኣል ጋሊ ዓሊ ዮሱፍ፡ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ኣምበሳደር ዓሊ ኣል ሳዲቕን ካልኦት ሚኒስተራትን ኣሰንየሞ ከምዝኸዱ ገሊጻ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ሊተናል ጀነራል ዓብልፈታሕ ኣልቡርሃን ቅድሚ ክልተ ሰሚን ኣብ ጅዳ ኣብ ዝተጋበአ ዋዕላ ንግስነት ስዑዲዓረብን ኣፍሪቃን ብምርኻብ ክልተኣዊ ዘተ ከምዘካየዱ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ብስእሊ ኣሰንየን ኣቓሊሐን ነይረን’የን።

ጀነራል ኣልቡርሃን

ምንጪ ስእሊ, suna

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ኣልቡርሃን ንቤተሰብ ናይቲ ኣብ ውግእ ዝተቐተለ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሜ/ጀነራል ዑመር ሰዲቕ ማራዊ ኣብ ዝበጽሓሉ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚንት ኢሳይያስ ኣብ ናይ ስዑዲ ዓረብ ጻንሒቱ ምስ ስዑድያዊት ጋጤጣ ኣልሸርቕ ኣልኣውሰጥ ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለ ምሕተት ንቅልውላው ሱዳን ኣብ ዝምልከት “ብዘይ ሞጎተ፡ ሱዳናውያን ሕርያኦም ንምምሕያሽ ክለዓሉ ጠንቂ ዝኾነ እቲ ዝነበረ ስርዓት እዩ” ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጸገማት ናብ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ናይ ተበግሶ ሰነድ ከምዘለዎ’ውን ምስታ ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ጠቂሱ።

“ኣነ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ናይ ተበግሶ ሰነድ ኣሎኒ። ናብ ሚድያ ከቕርቦ ኣይደልን። ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ግን ክቐርቦ እኽእል እየ። ምኽንያቱ ምርግጋእ ሱዳን ንጎረባብቲ ሃገራት ኮነ ንኹሉ ኣገዳሲ እዩ። ሱዳናውያን ከኣ ባዕሎም ናብ ድሕነት ከብጽሖም ዝኽእል ወሳነ ናይ ምውሳድ መሰል ኣለዎም። ኣረጋጊጸ ክብሎ ዝደሊ ናቶም ውሳነ ካብቲ ምስ ናይ ደገ ኣጀንዳታት ዝተኣሳስርን ካብ ዘተፈላለያ ርእሲ ከተማታት ኣፍሪቃ ብገለ ፖለቲከኛታት ዝመጽእን ውሳነ ዝተፈልየ እዩ” ኢሉ።

ብዓርቢ ሌተናል ጀነራል ዓብልፈታሕ ኣልቡርሃን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን’ውን በብወገኖም ኣብ ኣሩሻ ታንዛንያ ኣብ ዝተጋበአ ኣኼባ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተረኺቦም ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ተራኺቦም ነይሮም’ዮም።

ንርክቦም ስዒቡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ነቲ ኣብ ጅዳ ብተበግሶ ንግስነት ስዑድዓረብን ኣሜሪካን ዝተኻየደን ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ዝተሳተፍኦን ሰላማዊ ዘተ ዘለዎ ደገፍ ብምግላጽ ህዝቢ ሱዳን እዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንኸብቕዕ ዘለዎ ድልውነት ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ክልቲኦም ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝመርሑ ዘለዉ ጀነራላት ዋላ ድኣ ወኪላቶም ኣብ ጅዳ ኣብ ዝተኸየደ ዘተ ኣብ ሓደ ስምምዕ ኣይብጽሑ፡ ብብወኖም ነቲ ናይ ጅዳ ዘተ ዘለዎም ደገፍ ምግላጽም ናብ ስምምዕ ተቓሪቦም ከምዘለዉ ዘርኢ’ዩ ዝብል ርኢቶታት ይስማዕ ኣሎ።