እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ጋናዊ ሱሌማና ኣነ እነውሕ - ኢትዮጵያዊ ነገዎ ጂማ
ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ቢቢሲ ብዛዕባ ሓደ ብቝመቱ ዝነውሐ ዓለምና ክኸውን ይኽእል እየ ዝብል ጋናዊ ሰብኣይ ጸብጻብ ሰሪሑ ነይሩ።
ኢትዮጵያዊ ነገዎ ጂማ ግን ድሕሪ'ዚ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወጺኡ ካብቲ ጋናዊ ከምዝነውሕ ሓቢሩ።
ነገዎ ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ስእሉ ኣብ ጐድኒ ናይ ሱሌማና ዓብዱሰመድ ብምልጣፍ፡ “ተስፋ ዘይምቝራጽ” ክብል ጽሒፉ።
ኣቐዲሙ ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ልጥፎ’ውን “እንተደሊኹም ኣምጽእዎ - እዚ ወዲ ካባይ ኣይነውሕን እዩ” ኢሉ።
ነገዎ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “ብመሰረት እቲ ዝረኣኽዎ ስእሊ፡ ካባይ ይነውሕ እዩ ኣይብልን” ኢሉ።
225 ሰንቲ ሜተር (7 ጫማን 4.6 ኢንችን) ዝቝመቱ ነገዎ ዝነውሐ ኢትዮጵያዊ ምዃኑ ይግመት።
ኣብ ሰሜን ጋና ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል፡ ወዲ 29 ዓመት ጋናዊ መንእሰይ ሱሌማና፡ ሕክምና ክርአ ኣብ ዝመጽኣሉ፡ ቁመቱ ተዓቒኑ 9 ጫማ ከምዝዀነ ድሕሪ ምግላጹ ብብዙሓት ኣተኵሮ ክረክብ ክኢሉ እዩ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሱ ምስ ዓቀኖ ግን፡ ቁመት እቲ ጋናዊ 7 ጫማን 4 ኢንችን ምዃኑ እዩ ኣረጋጊጹ።
እዚ ከኣ ኢትዮጵያዊ ነገዎ ከምዝነውሕ ዘረጋግጽ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ካብ ነገዎ ከምዝነውሑ ይዛረቡ'ኳ እንተነበሩ፡ ሓቂ ኰይኑ ግን ኣይተረኽበን።