እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጋናዊ መንእሰይ ሱሌማና ካብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ሰብ ክኸውን ይኽእልዶ?
ኣብ ሰሜን ጋና ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል፡ ወዲ 29 ዓመት ጋናዊ መንእሰይ ሱሌማና ኣብዱል ሳመድ፡ ሕክምና ክርአ ኣብ ዝመጽኣሉ፡ ቁመቱ ተዓቒኑ 2.89 ሜትሮ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጹ ብብዙሓት ኣተኵሮ ክረክብ ክኢሉ።
በዚ መሰረት መንእሰይ ሱሌማና በዚ ዘለዎ ቁመት ካብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ክኸውን ይኽእል’ዩ ተባሂሉ፡ እንተኾነ እቲ ሆስፒታል ቅኑዕ ዝኾነ መመተሪ ስለይብሉ በቲ ቁጽሪ ክተኣማመን ኣይክኣለን።
ሱሌማና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ‘ጃይጋንቲዝም’ ብዝብሃል ነብስኻ ስቕ ኢሉ ዘወስኽ ሕማም ምስ ተጠቐዐ’የ ወርሓዊ ንኽርአ ናብቲ ሆስፒታል ክመላለስ ጀሚሩ።
እታ ብቁመቱ ኣዝያ ዝተገረመት ነርስ ከኣ ብስንባደ “ሕጂ ከኣ ገና ቁመት ትውስኽ ኣለኻ፡ እዚ መዐቐኒ ቁመት’ውን ክኣኽለካ ኣይክኣለን” ኢላቶ።
እዚ ብኣዊቸ (ንኺድ) ዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ሱሌማና ኣብዱል ሳመድ፡ ንሱ’ውን ብቁመቱ ክሻቐል ከምዝጀመረ’ዩ ዝሕብር።
ቁመቱ ገና ይውስኽ ከምዘሎ እታ ነርስ ምስ ነገረቶ ኣይተገረመን፡ እቶም ኣብቲ ሕክምና ዝጸንሕዎ ነርስታት ቁመቱ ንምዕቓን ክሽገሩ ምስ ርኣዮም ግን ንሱ’ውን ብኹነታቱ ክሻቐል ጀሚሩ።
እቶም ቁመት ሱሌማና ንምዕቓን ዝተሸገሩ ሓካይም፡ ንምሸቱስ ተጣቢቦም ቁመቱ ካብ ምዕቃን ዓዲ ኣይውዓሉን። ሓደ ንውሕ ዝበለ ሓጺን ረኺቦም ኣብ ጎኑ ደው ብምባል ነቲ ሓጺን ኣብ መሬት በጥ ኣቢሎም ክዕቅንዎ ክኢሎም፡ በዚ’ዮም ገምጋማዊ ቁመት ሱሌማና ኣብዱል ሳመድ ክፈልጡ ክኢሎም።
‘ሕጂ’ውን ገና ቁመት ይውስኽ ኣሎ’
ናብ ሰሜን ጋና ኣብ ዝገሽክሉ ብዛዕባ ሱሌማና ኣብዱል ሳመድ ምስ ሰማዕኩ፡ ረኺበ ክዕቕኖ መደብ ነይሩኒ እንተኾነ ኣብ ኢደይ ሜትሮ መዐቀኒ ስለዘይነበረ ክገብሮ ኣይክኣልኩን።
እንተኾነ እቲ ብዛዕባ ቁመቱ ዝዝረብ ሓቂ ድዩ ንኸረጋግጽ ድሕሪ ሓደ ሰሙን 5 ሜትሪ ቁመት ዘለዎ መዐቀኒ ሒዘ ናብታ ንሱ ዝነበረላ ጋምባጋ እትብሃል ቁሸት ከይደ።
እቲ ኣገባብ ንኣዊቸ ናብ መንደቕ ኣጸጊዐ ኣብ ጫፍ ቁመቱ ዝበጽሖ ኣብ መንደቕ ምልክት ብምግባር ብሜትሮ ንምዕቓን’ዩ ነይሩ።
ኣዊቸ ሓሳበይ ምስ ኣካፈልክዎ ብሓጎስ’ዩ ተቐቢሉኒ “ቅድሚ ሕጂ ክዕቅኑኒ እንከለዉ ንኣተኣቓቕንኦም ርእየ ሓቐኛ ቁመተይ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ኮይኑ ኣይስምዓንን’ዩ” ኢሉኒ።
ናብ መንደቕ ኣጸጊዐ ክዕቅኖ ኣብ ዝፈተንክሉ ማዕረ ቑመቱ ዝኾነ መንደቕ ኣብ ከባቢና ክንረክብ ኣይክኣልናን፡ ኩሉ እቲ መናድቕ ካብኡ ዝሓጽር ኮይኑ፡ ድሕሪ ክንደይ ኮለል ግን ሓንቲ ነዋሕ መንደቕ ረኺብና። ንሱለማና ኣብዱል ሳመድ ናብቲ መንደቕ ኣጸጊዕናዮ።
ነቲ ንዕኡ ተባሂሉ ብፍሉይ ካብ ጎማ ናይ መኪና ዝተሰርሓሉ ጫማ ኣውጽእዎ፡ ዓቐኑ ዝኾኖ ሳእኒ ስለዘይረኸበ’ዩ ሃራምበ ጫማ ኣስሪሑ ዝወድይ።
ሓደ ካብቶም ዝሕግዘኒ ዝነበረ ጎረባብቱ ኣብ ሓደ ንውሕ ዝበለ መንበር ተሰቒሉ ብጸሊም ፈሓም ገይሩ ጫፍ ናይ ሱሌማና ኣብዱል ሳመድ ርእዩ ኣብቲ መንደቕ ምልክት ገይሩ።
ብድሕሪ እዚ ካብ መሬት ናብታ ምልክት ዝተገበራ ምዕቃን ናትና ስራሕ እዩ ኔሩ።
“ኣዊቸ ቁመትካ 7 ጫማን 4 ኢንችን ምዃኑ እዛ ሜትሮ ትነግረና ኣላ” ኢለዮ።
ኣዊቸ ብወገኑ ፍሽኽሽኽ እናበለ “ዋው፡ እሞ እዚ ሕጂ እንታይ ማለት’ዩ?” ብምባል ከብርሃሉ ሓቲቱኒ።
“ግርም ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሰባት እቲ ዝነወሐ ሰብ 8 ፊት 2.8 ኢንች’ዩ ቀመቱ ንዓኻ ከኣ ብሓንቲ ጫማ በሊጹካ ኣሎ” ኢለዮ፡ ነዚ ክብል እንከለኹ ነቲ ብቁመቱ ኣብ መዝገብ ክብረ ወሰን ሰፊሩ ዘሎ ቱርካዊ ወዲ 40 ዓመት ሱሌይም ኮሰን እየ ዝዝክር ነይረ።
“ቁመተይ ገና ይውስኽ ስለዘሎ ፡ መን ይፈልጥ ሓደ መዓልቲ ብቁመት ይበልጾ ይኸውን” ብምባል፡ እቲ ብሕምና ዝተነገሮ ዓቐን ቁመቱ ጌጋ ምዃኑ ከምዝተሰመዖ ገሊጽለይ።
ብምስዓብ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ኣርባዕተ ወርሒ ቁመት ይውስኽ ኣለኹ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ እንድሕር መጺእኻ ቁመት ከምዝወሰኽኩ ብዓይንኻ ርኢኻ ክትፈልጠኒ ኢኻ” ብምባል ካብ ዓለም ዝነወሐ ሰብ ንምዃን ዘለዎ ተስፋ ኣካፊልኒ።
ምውሳኽ ቁመት መልሓስ
ሱሌማና ኣብዱል ሳመድ ወዲ 22 ዓመት እንከሎ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣክራ ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ቁመቱ ብቅልጡፍ ክውስኽ ከምዝጀመረ ከስተብህል ክኢሉ።
ኣዊቸ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ምስ ወድአ፡ ገለ ስራሕ እንተረኸበ’ዩ ናብቲ ሓዉ ዝነብረላ ዝነበረ ከተማ ኣክራ ግዒዙ።
ኣብ ሓደ እንዳ ስጋ እንዳሰረሐ ከኣ መምርሒ ፍቃድ መኪና ንከውጽእ ሰልዲ ከዋህልል ጀሚሩ።
እንተኾነ ሓደ መዓልቲ ካብ ዓራቱ ምስ ተንስአ “መልሓሰይ ልዕሊ ዓቐን ገዚፉ ምትንፋስ ክሳብ ዝስእን ገይሩኒ” ይብል።
ናብ ጥቅኡ ዝነበረ ፋርማሲ ብምኻድ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረክብ ፈቲኑ፡ ድሕሪ መዓልታት ከኣ ኩሉ ኣካላቱ ልዕሊ ዓቐን ክገዝፍ ከምዝጀመረ ክርዳእ ክኢሉ።
ካብ መበቆል ዓዱ ናብ ኣክራ ዝመጽኡ መተዓብይቲ ብምውሳኽ ቁመቱ ኣዝዮም ክግረሙ ጀሚሮም፡ ቁመቱ ካብ ንቡር ወጻኢ ክውስኽ ምስ ጀመረ ናብ ሕክምና ክኸይድ ተገዲዱ።
ሕቖኡ ካብ ንቡር ወጻኢ ክጉብጥ ጀሚሩ፡ እዚ ከኣ ሓደ ካብ ምልክታት ‘ማርፋን ሲንድሮም’ ኮይኑ እዚ ሕማም እዚ ኣካላትና ካብ ንቡር ንላዕሊ ንክገዝፍ ዝገብር’ዩ።
በዚ ዝተለዓለ ብርቱዕ ሕማም ልቢ ኣማዕቢሉ።
ዶኳትር፡ ቁሞቱ ካብ ምውሳኽ ደው ክብል እንተኾይኑ ግድን ኣብ ሓንጎሉ መጥባሕቲ ክገብር ከምዘለዎ’ዮም ገሊጸምሉ።
እንተኾነ እቲ ዘለዎ ኢንሹራንስ ንኸምዚ ዓይነት መጥባሕቲታት ክሽፍን ዝኽእል ኣይኮነን።
ብዘይካ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንክርአ ናብ ሆስፒታል ዝኸደሉ 50 ዶላር ክኸፍል ይግደድ’ዩ።
እዚ ከምዚ ዓይነት ወጻኢታት ክሽፍኖ ስለዘይክኣለ’ዩ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ካብ ኣክራ ናብታ መበቖል ዓዱ ተመሊሱ።
“መደበይ መምርሒ ፍቓድ መኪና ንኸውጽእ’ዩ ነይሩ፡ እንተኾነ ኣብ ውሽጢ መኪና ክኣቱ ኣይክኣልኩን፡ እንተኣተኹ ከኣ ብእግረይ ኣብ ዝዝርግሓሉ ኢደይ ነቲ መዘወሪ ክበጽሖ ኣይክእልን’ዩ እንተቐረብኩ ከኣ ብርከይ ይቕርቀር” ይብል ሱሌማና።
ሕጂ ኣብታ መበቖል ዓዱ ምስ ሓዉ እናነበረ፡ ሓንቲ ካርዲ ናይ ሞባይል ዝሽየጠላ ድኳን ገይሩ ይነብር ኣሎ።
ቁመቱ ካብ ብዙሕ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ኣብኲርዎ’ዩ።
“ምስ መሳቶይ ኮይነ ኲዕሶ እግሪ ይጻወት ነይረ’የ፡ ጎያያይ’ውን ነይረ፡ ሕጂ ግን ብእግረይ ንክዛወር’ውን ኣዝየ’የ ዝሽገር” ብምባል ዘለዎ ጸገማት ኣካፊልና።
ህቡብነት
እንተኾነ ጸገማቱ ንሱለማና ኣብዱል ሳመድ ኣየሰነፎን፡ ኣብታ ብደሮና ዘይተርኢ ዓዱ ብእግሩ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ብየማን ብጸጋም ሽሙ እናጸውዑ ዝዓጉዎ ሰባት ማእለያ የብሎምን።
ኣብቲ ከባቢ ኣዝዩ ህቡብ ምዃኑ ንምግማት ከኣ ኣየጸግምን።
ገለ ሰባት ምስኡ ክስኣሉ ፍቃድ ይሓትዎ። ምስኡ ተሳኢሎም ስእሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝልጥፉ ሰባት’ውን ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም።
“ሰባት ምሳይ ክስኣሉ ኣብ ዝሓቱኒ ሕራይ ንዑ ኢለ’የ ምስኦም ዝስኣል” ይብል ኣዊቸ።
ሱሌማና ሰለስተ ኣሕዋት ኣለዉዎ፡ እንተኾነ ኩሎም ፍሉይ ዘብል ቁሞት የብሎምን።
ኣዊቸ ተመርዕዩ ወሊዱ ደቂ ክሓቁፍ ሓደ ካብ ቀንዲ ሕልምታቱ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
ቅድሚ ኩሉ ሰልዲ ኣኪቡ ነቲ ኣብ ጸጋማይ እግሩ፡ ዓንካርዓንካሪኡን ከብዲ እግሩን ዘሎ ጸገም ብመጥባሕቲ ንኽፍውሶ ይሰርሕ ምህላዉ ይገልጽ።
ኣብ መወዳእታ “ኣላህ ከምዚኣ ኮይነ ንኽፍጠር ሓርዩኒ፡ ስለዚ ብኣፋጣጥራይ ዝኾነ ዝስመዓኒ ነገር የለን” ብምባል ብህሉው ቁመቱን ኣቃውምኡን ሕጉስ ምዃኑ’ዩ ሓቢርና።