እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈተና መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ንምውሳድ ዝዳለዉ ዘለዉ ወዲ 61 ዓመት ኢትዮጵያዊ
ኣቶ ቆንጮሪ ቦሪ ወዲ 61 ዓመት ከምዝኾኑ ብግምት ይዛረቡ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወረዳ ምዕራብ ጉጂ ሱሮ በርጉድ ተወሊዶም ዓብዮም።
ዕድመኹም ክንደይ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ምስ ቀረበሎም "ኣብዚ እዋን ዕድመይ 61 ይኸውን'ዩ" ዝብል ግምታዊ መልሲ ሂቦም።
ዕድመ ቁልዕነቶምን ዕብየቶምን ኣብ ሕርሻን ምርባሕ እንስሳን ዘሕለፉ እዞም ኣቦ፡ 11 ውሉዳት ኣለውዎም።
ሎሚ ጥሪት ኣብ ምክንኻን፡ ወቕቲ እናተጸበዩ ማሕረስ ምክያድ ብዙሕ ዘጨንቘም ጉዳይ ኣይኮነን። ሓደ ጉዳይ ግን የሕስቦም።
ንዓይነታት ትምህርቲ ሕሳብ፡ ፊዚክስ፡ ስነ-ህይወትን ስነዜጋን ብምጽናዕ ምስ ደቂ ደቈም ዝዀኑ ተመሃሮ'ዮም ዝወዳደሩ ዘለዉ።
በዚ ዕድሚኦም ናብ ትምህርቲ ክምለሱ ዝወሰኑሉ ምኽንያት ከኣ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ከባቢኦም ዝተጀመረ ዕድል ትምህርቲ ንዓበይቲ (መሰረተ ትምህርቲ) ነይሩ።
ኣብዚ እዋን ናብ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ሃገራዊ ፈተና ንምውሳድ ኣብ ምድላው ይርከቡ።
"ኣቦሓጐይ ኣይተመሃሩን፣ ኣቦይ እውን ኣይተመሃረን። ኣነ ከኣ ክሳብ ዝኣርግ ከይተመሃርኩ ጸኒሐ" ክብሉ ንትምህርቲ ዘለዎም ድልየት ይገልፁ።
ኣብቲ ዝነብሩሉ ከባቢ ብ2000 [ኣ.ግ] [2008 ኣ. ኣ] ዕድል መሰረተ ትምህርቲ ብምርካቦም ነቲ ንትምህርቲ ዝነበሮም ሸውሃት ድርኺት ኰይኑ ኣነቓቒሕዎም።
"መሰረታዊ ትምህርቲ ብዝብል ካብ ቀበሌና 25 ሰባት ኣኪቦም ከምህሩና ጀሚሮም። ካብ ብቐደሙ ጣዕሳ ስለዝነበረኒ ከኣ ብሓጐስ ተቐቢለዮ። ምሳይ ነቲ ትምህርቲ ዝጀመሩ ኵሎም ኣቋሪፆምዎ እዮም። ኣነ ግን ንዕኡ ዛዚመ 1ይ ክፍሊ ኣትየ" ክብሉ ነቲ ኵነታት ይዝክሩ።
ኣብ 2001 [ግ.] እዮም ቀዳማይ ክፍሊ ኣትዮም።
"ቀዳማይ ክፍሊ ምስኣተኹ ብዙሕ ሰብ ተገሪሙ። 'ምስ ቈልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝውዕል ምስ ጥሪቱ እንተዝውዕል'ዶ ኣይምሓሾን?' ኢሎምኒ። ኣነ ግን ተማሂረ ነቲ ሕብረተሰብ ከእምኖ ስለዝኽእል ንዘረባኦም ብዙሕ ኣይተገደስኩሉን። ትምህርተይ ድማ ቀጺለ" ይብሉ።
ቀዳማይ ክፍሊ ኣትዮም ክመሃሩ ምስ ጀመሩ ዋርድያ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ዝነበረ ሰብ ዛንታ ንብዙሓት መምሃሪ ክኸውን ከምዝኽእል ብምእማን ንብዙሓት የዘንትዉሎም።
"ቀዳማይ ክፍሊ ምስ ኣተኹ ሓደ ዋርድያ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ነይሩ፣ ኣይተምሃረን። ውዕሎኡ ግን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ነይሩ። መንበሪ ገዛኡ'ውን ኣብ ጥቓ እቲ ቤት ትምህርቲ እዩ። ንምንታይ ከም ዘይተመሃር ምስሓተትክዎ ' ኣብ ኣጋ እርጋን ትምህርቲ እንታይ ይገብረለይ?' ኢሉኒ። ኣነ ግን ሽዑ ዝጀመርክዎ ትምህርቲ ሎሚ 12 ክፍሊ በጺሐ'ለኹ። ንሱ ግን ክሳብ ሎሚ ፊዳላት ኣለልዩ ኣይፈልጥን" ክብሉ ይዛረቡ።
ፍልጠቶም ንምዕባይ ዝለዓለ ባህጊ ዘለዎም ኣቶ ቆንጮሪ፡ ካልኦት ዝፈልጥዎ ነገር ናይ ምፍላጥ ዝለዓለ ድልየት ኣለዎም።
"ኣብ ውሽጠይ 'ሰባት ዝፈልጥዎ ነገር ንምንታይ ኣነ ከይፈለጥክዎ ተሪፈ ዝብል ሕቶ' ኣሎ። ንምንታይ ብኣፃብዐይ እፍርም ክብል እጠዓስ" ይብሉ እቶም ወላዲ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቤሌ ሆራ ትምህርቶም ዝከታተሉ ኣቶ ቆንጮሪ፡ ኣብዚ እዋን ናብ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ሃገራዊ ፈተና ንምውሳድ ኣብ ምድላው ይርከቡ።
ኣብቲ ፈተና ጽቡቕ ውፅኢት እንተረኺቦም ናብ ዩኒቨርሲቲ ብምእታው ክምረቑ ገዚፍ ዕላማ ከምዘለዎም ይዛረቡ።
"ፈጣሪ ፈተና ንኽሓልፍ እንተሓጊዙኒ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ እየ። ኣብ ደገ [ካልእ ሃገር] ሓደ በዓልፀጋ ዕድመ ካልኣይ ዲግሪ ንኽመሃሩ ብደቈም እናተደገፉ ህንጻ ቤት ትምህርቲ ብምድያብን ብምውራድን ከምዝዛዘሙ ሓደ መምህረይ ነጊሩኒ። እዚ ከኣ ዓቢ ሞራላዊ ስንቂ ኮይኑኒ፡" ይብሉ።
ሕልሞም እንተሰሚሩ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትዮም ብምምራቕ ንቤተሰቦም፡ ንመምህራኖምን ንነበርቲ ከባቢኦምን ከሕጕስዎም ድልየት ኣለዎም።
ቢቢሲ ቅድሚ ሎሚ'ውን ቈልዑ ወሊዶም፡ ዕድሚኦም ምስደፍአ ናብ ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባ ዝኣተዉ ውልቀሰባት ዛንታታት ሰሪሑ ነይሩ።
ካብ መንጐ እቶም ወለዲ ድማ ወዲ 69 ዓመት ኣቶ ታደሰ ጊቺሌ ይርከብዎም።
ኣቶ ቆንጮሪ ብዛዕባ እቶም ዩኒቨርሲቲ ዝኣተዉ ኣቶ ታደሰ ሓቲትናዮም ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ከምዘይሰምዑ ብምግላጽ፡ "ከማይ ተባዕ ሰብ እዩ" ክብሉ ንኢዶምዎም።