ኦሮሚያ፡ ነጥቢ ኣምጺኣ ምስ ወዳ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣተወት ኣደ

Published

ጓል 47 ዓመት ወይዘሮ ይመኙሽ ምትኩ፡ "ተምሃሪት 10ይ ክፍሊ ኣብ ዝነበርኩሉ፡ ስድራይ ካብቲ ዝፈትዎ ትምህርቲ ኣብኲሮም ብግዲ ንዘይፈልጦ ሰብ ኣመርዕዮምኒ። ኰይኑ ግን፡ ደቀይ ምስ ኣምሃርኩ ናብ ትምህርቲ ተመሊሰ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ'ውን ክኢለ ኣለኹ፡" ትብል።

ወይዘሮ ይመኙሽ፡ ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑ ኰይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ፈተና ወሲዳ ጽቡቕ ውጽኢት ብምምዝጋብ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ኣትያ።

ካብ 10ይ ክፍሊ፡ ምስቲ ሳልሳይ ወዳ እያ ተማሂራ፤ ለይቲ ድማ ምስ ደቃ ኰፍ ኢላ ተጽንዕ ከም ዝነበረት ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ብ2011 ዓ.ም፡ ኣብ ፈተና 10ይ ክፍሊ 3.7 ነጥቢ ከተምጽእ እንከላ፡ ወዳ ድማ 3.9 ነጥቢ ብምምጻእ ብሓባር ናብ መሰናድኦ ኣትዮም።

ሽዑ፡ ኣብ ሓደ መምሃሪ ክፍሊ ጐድኒ ንጐድኒ ኰይኖም ተማሂሮም።

ወይዘሮ ይመኙሽ፡ ኣብቲ ግዜ እተን ናይ መጀመርታ ክልተ ደቃ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርተን ኣፋሪቐን ነይረን።

"ትምህርቲ ብጣዕሚ እየ ዝፈቱ፤ ቈልዓ ኰይነ ካብ 1ይ ክሳብ 7ይ ክፍሊ ክምሃር እንከለኹ፡ ደረጃይ ትሕቲ ሓምሻይ ኰይኑ ኣይፈልጥን፡" ትብል።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት መንእሰያት ተመሪቘም ስራሕ ኣብ ዘይረኽቡሉ ግዜ፡ ስለ ምንታይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣቲኻ ተባሂላ ክትሕተት እንከላ'ውን፡ ንትምህርቲ ብዘለኒ ፍቕሪ እያ ትብል።

"ወሊደ ኣዕብየ'የ፤ ተማሂረ ንሕብረተሰበይ ካብ ምግልጋል ሓሊፉ ትምህርቲ ስለ ዝፈቱ'የ ዝምሃር፡" ኢላ።

'ብኣስገዳድ'የ ተመርዕየ'

ወይዘሮ ይመኙሽ ምትኩ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ሌቃ'ያ ተወሊዳ። ብ1976 ዓ.ም [ኣ.ኢ] መባእታዊ ትምህርቲ ጀሚራ።

ብ1983 ዓ.ም፡ ስርዓት ደርግ ክወድቕ እንከሎ ግን ሃገራዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ሓሊፍዋ።

ድሕሪኡ፡ ናብ ገጠር ተመሊሳ ንስድራኣ ትሕግዝ ነይራ። ቀደም፡ ከምዚ ሎሚ ሓበሬታ ብቐሊሉ ዝርከበሉ ግዜ ስለ ዘይነበረ፡ ፈተና እትወስደሉ መዓልቲ ንምፍላጥ ተጸጊማ ነይራ።

"ሓደ ግዜ፡ ፈተና ዝወሃበሉ መዓልቲ ክሓትት ናብ ቤት ትምህርቲ ከይደ፣ ፈተና 8ይ ክፍሊ ብ28 ሰነ 1983 ዓ.ም ከም ዝተዛዘመ ሰሚዐ። ሓዚነ እናበበኹ ናብ ገዛይ ተመሊሰ፡" ትብል።

ኣብቲ ግዜ ብሰንኪ ዝነበሩ ጸገማት ከይተፈተነት ጸኒሓ፡ ብ1988 ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ወሲዳ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ነቀምቴ ኣትያ።

ሽዑ፡ "ቤተሰበይ፡ ጓልኩም ሃቡና ተባሂሎም ተሓቲቶም። ካብቲ ዝፈትዎ ትምህርቲ ኣተዓናቒፎም ከኣ ኣመርዕዮምኒ፣ ትምህርተይ ክቋረጽ እንከሎ ሓዚነ'የ፡" ትብል።

ወሲኻ፡ "ኣነን በዓል ቤተይን ኣይንፋለጥን፤ ስድራቤትና ግን ይፋለጡ'ዮም። ወተሃደር ደርግ ስለ ዝነበረ ናብ ገዛኡ ምስ ተመለሰ ቤተሰቡ ንስድራይ ሓቲቶም። ስራሕ ኣይነበሮን፡" ክትብል ተዘክሮኣ ተዕልል።

ምስ ተመርዓወት ድማ፡ ኣብ ከተማ ጅማ ብሕርሻ ክትመሓደር ጀሚራ።

በዓል ቤታ፡ ትምህርታ ክትቕጽሎ ኣለዋ ኢሉ ዝኣምን'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መንጐ ቘልዓ ናብ ምዕባይ እያ ኣትያ።

"ዝዀነ ሰብ ርእሱ ክሳብ ዝኽእል ክምርዖ የብሉን ኢለ'የ ዝኣምን። ሓዳር ኣይፈቱን ነይረ፤ ወሊደ እንከለኹ'ውን ኮብሊለ ከይደ'ዶ ክመሃር እናበልኩ'የ ዝሓስብ ነይረ፡" ትብል።

ምምላስ ናብ ትምህርቲ

ብ1994 ዓ.ም፡ በዓል ቤታ ስራሕ ዋርድያ ረኺቡ ኑኑ-ቁምባ ናብ ዝብሃል ቦታ ከደ። ወይዘሮ ይመኙሽ'ውን ብዙሕ ኣይጸንሐትን ተጸንቢራቶ ቈልዑ ምዕባይ ቀጺላ።

ኣብቲ ግዜ፡ እቲ ናይ ኮሌጅ ትምህርቱ ኣመንግዩ ናብ ውትህድርና ከይዱ ዝነበረ በዓል ቤታ፡ ሕጊ ተማሂሩ ዲፕሎማ ሓዘ።

ጸኒሑ ትምህርቱ ናብ ዲግሪ ኣዕብዩዎ፤ ሕጂ ኣብ ኑኑ-ቁምባ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ተቘጺሩ ይሰርሕ ኣሎ።

እዚ ድማ፡ ወይዘሮ ይመኙሽ ትምህርታ ክትቕጽል ምትብባዕ ፈጢሩላ።

ወርሒ መስከረም ተምሃሮ ክምዝገቡ እንከለው፡ ኣነኸ መዓስ'የ ዝምዝገብ እናበልኩ ይሓስብ ነይረ፡ እትብል ወይዘሮ ይመኙሽ፡ ኣርባዕተ ቈልዑ ምስ ወለደት ናብቲ እትፈትዎ ትምህርቲ ተመሊሳ።

"እተን ናይ መጀመርታ ክልተ ደቀይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ኣተዋ፡ ድሕሪ ሕጂ ደቀይ ኣይጽገሙን'ዮም ኢለ ብ2011 ናብ ትምህርቲ ተመሊሰ። በዓል ቤተይ'ውን ንኽመሃር የተባብዐኒ ነይሩ። ደቀይ'ዮም ኣመዝጊቦምኒ፤ ሳልሳይ ወደይ ደቻሳ ኣብ ትምህርቱ ንፉዕ'ዩ። ምስኡ 10ይ ክፍሊ ብሓደ ክንመሃር ጀሚርና፡" ኢላ።

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብ ትምህርቲ ክትምለስ እንከላ ዝፈጠረላ ጸገም ከተብርህ እንከላ፡ "ካብ ውሽጠይ ኣይወጽአን ነይሩ፤ ቍጽሪ ይፈቱ'የ። መጀመርታ ቅሩብ ከቢዱኒ ስለ ዝነበረ ወደይ ይሕግዘኒ ነይሩ። ለይቲ ብሓባር ኰፍ ኢልና ነጽንዕ። ምብኳር ኣይፈቱን'የ፡" ትብል።

ፈተና 12 ክፍሊ ምስ ወሰዱ ግን፡ ወዳ ናብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ክምደብ እንከሎ፡ ንሳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ተመዲባ።

"ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ገጠር ኰይነ ናብራ ህጻናትን ኣደታትን ስለ ዝርኣኽዎ፡ ጥዕና ተማሂረ ንህዝቢ ከገልግል እየ ዝደሊ። ኣነ ስራሕ ንኽረክብ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ ዕድል ብምርካበይ ስለ ዝተሓጐስኩ'የ ዝመሃር ዘለኹ፡" ትብል።

'ምስ ኣዴና እንተንመሃር . . .'

ወይዘሮ ይመኙሽ ዩኒፎርም ተኸዲና ምስ ወዳ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትኸይድ እንከላ፡ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ሰባት ኣትያ እያ።

"ብዙሓት ተመሃሮ ብኣና ሕጕሳት ነይሮም። ከማኹም ምስ ኣዴታትና እንተንመሃር ኢሎም ይምነዩ ነይሮም" ይብል ደቻሳ።

ወይዘሮ ይመኙሽ ብወገና፡ "እቶም መምሃራን ኣነ ክወልዶም ዝኽእል ስለ ዝነበሩ የተባብዑኒ ነይሮም፡" ብምባል ቈልዑ እናዕበየት፡ ስራሕ ገዛ እናሰርሐት ምምሃር ከም ዘይከበዳ ትገልጽ።

ብዝተፈላለየ ምኽንያት ትምህርተን ዘቋረጻ ኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮን፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ምስ ደቀን'ውን እንተዀነ ክመሃራ ይኽእላ እየን ዝብል እምነት ኣለዋ።