ብሪጣንያን ኣመሪካን ዝርከብአን 6 ሃገራት ኲናት ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ደው ክብል ፀዊዐን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣውስትራልያ፣ ዴንማርክ፣ ጀርመን፣ ሆላንድ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ሰብኣዊ ቅልውላውን እናገደደ ምምጽኡ ከምዘሻቐለን ገሊፀን።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ክልል ትግራይን ወታደራዊ ግጭት ብቕልጡፍ ደው ከብሉ ድማ ፀዊዐን።
“ተፃብኦታት ደው ክብሉ ክሰማምዑ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይ ምትእጉጓልን ቀፃልነት ብዘለዎን ተበፃሒ ክኸውን ከፍቅዱ፣ ብሕብረት ኣፍሪካ ንዝምራሕ መስርሕ ዘተ ሰላም ብምኽታል ብስምምዕ ናብ መዕለቢ ክበፅሑ ፃውዒት ነቕርብ” ኢለን።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወታሃደራዊ ተሳትፎ ሓይልታት ኤርትራ ዝኾነና እተን ሃገራት፡ ሓይልታት ኤርትራ ስርሒታቶም ኣቋሪጾም ክስሕቡ ፀዊዐን።
“ኩሎም ናይ ወፃኢ ተዋሳእቲ ነዚ ግጭት ዘጓሃህሩ ተግባራት ከቋርፁ ይግባእ” ክብላ’ውን ኣተሓሳሲበን እተን ሃገራት።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምስ ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ከምኡ ድማ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ካልኦት ብዙሓት ኣካላትን ነቶም ኣብ ኲናት ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዑ ፀብፃባት ከምዘውፅኡ ሓበራዊ መግለፂ እተን ሃገራት የዘኻኽር።
እቶም ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ድማ “እቲ ኲናት ኣብ ሕዳር 2020 ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ብሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ሓይልታት ትግራይ፣ ከምኡ እውን ከም ፋኖ ዝበሉ ዕጡቓትን ካልኦትን፣ ከምዝተፈጸሙ” ኣብቲ መግለፂ ተጠቒሱ’ሎ።
ብዘይፍርዲ ዝፍፀሙ ቅትለታት፣ ኣካላዊ መጥቃዕትታት ከምኡ’ውን ንፆታ መሰረት ዝገበሩ ግህሰታት ኣብቶም ዝተሰነዱ ፀብፃባት ተሓቢሮም ኣለዉ።
“ጥምየት ሰላማውያን ሰባት ከም ሜላ ውግእ ኣብ ረብሓ ውዒሉ እዩ ዝብል ሓበሬታ ንምእማን ዘኽእሉ ጭቡጣት መርትዖታት ብዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ክርከቡ ምኽኣሎም ኣዝዩ የሻቕለና” ይብላ እተን ሓበራዊ መግለፂ ዘውፅኣ 6 ሃገራት።
መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ብዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝተዘርግሐ ፀብፃብ መርመራ ምንቃፎምን ምንፃጎምን ይዝከር።
እተን ሃገራት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ኲናት ምውልዑ፡ ተወሳኺ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዓመፃትን ናይ ምፍፃም ልዑል ሓደጋ ከምዝፈጥር ኣተሓሳሲበን።
“ዝኾነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝፍጸም ዓመጽ ንኹንኖ” ብምባል ድማ ኩሎም ተፃባእቲ ወገናት ነቲ ግጭት ወታሃደራዊ ፍታሕ ከምዘየለ ክግንዘቡ ሓቢረን።
“መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ክልል ትግራይን፡ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ክትረክብ ንምሕጋዝ ኣብ ዝዓለመ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ክሳተፉ ንጽውዕ። ዝኾነ ዘላቒ ፍታሕ ድማ በቶም ዝተፈጸሙ ዓመፃትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ተሓታትነት ዘረጋግፅ ክኸውን ኣለዎ” ኢለን።
ብተወሳኺ ኩሎም ወገናት ምትእጉጓል ዘይብሉ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዛት ክፈቕዱ፣ ድሕንነት ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዛት ከረጋግጹ ከምኡ’ውን ምስ ዓለምለኻውያን ተቖጻጸርቲ ሰብኣዊ መሰላት ክተሓባበሩን ምችው ኩነታት ክፈጥሩን ፀዊዐን ኣለዋ።
ዝተናውሐ ዘተ
ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ኢትዮጵያ ከምዝተናወሐ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ልዝብ ብሰንኪ ጸገማት ሎጀስቲክስ ኣብ ዝተመደበሉ መዓልቲ ክጅምር ከምዘይኽል፡ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ’ዩ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝሓበረ።
ክልቲኦም ወገናት (መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን) ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበሎም እማመ ዘተ ሰላም ከምዝቕበልዎ ብምግላጽ ልኡኻቶም ክሰዱ ድሉዋት ምዃኖም ኣፍሊጦም ነይሮም።
እቶም ንሮይተርስ ሓበሬታ ዝሃቡ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ከምዝበልዎ፡ ልዝብ ዝጅምረሉ ካልእ መዓልቲ ዛጊት ኣይተቖጽረን ዘሎ።
ካልኣይ ዓመት ክመልኦ ሒደት ሰሙናት ዝተረፎ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ብ24 ነሓሰ ዳግማይ ተባሪዑ ምስ ኤርትራ ብዘዳውብ ሓያሎ ከባቢታት ውግእ ይቕጽል ከምዘሎ ይግለፅ።
ኤርትራ ከኣ ኣብ ጐድኒ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰይና ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ትዋጋእ ምህላዋ ይዝረብ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
