ጆ ባይደን ኲናት ዩክረይን ንኸብቅዕ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ክራኸብ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ

Published

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ "እቲ ኲናት ዘብቅዐሉ መንገዲ ይደሊ ከምዘሎ ክውስን ብሓቂ ተገዳስነት እንተሃልይዎ" ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንምርኻብ ድሉው ከምዝኸውን ገሊጹ።

ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኮይኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ፑቲን ክሳብ ሕጂ ከምኡ ከምዘይገበሩ ኣስሚሩሉ።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ንኲናት ሩስያ ምቅዋም ከምዝቕጽሉ ሓቢሮም።

ብወገን ሩስያ ዝተወሃበ ምላሽ፡ ፕረዚደንት ፑቲን "ረብሓታትና ንምርግጋጽ" ዝዓለመ ዘተ ክካየድ ከምዘይቃወም ይገልጽ።

ይኹን እምበር፡ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ ሩስያ ንቅድመ-ኹነታት ኣሜሪካ ክትቅበል ብርግጽ ድልውቲ ከምዘይኮነት ብምግላጽ፡ "ፕረዚደንት ባይደን ብሓቂ እንታይ እዩ ኢሉ? ፑቲን ካብ ዩክረይን ምስ ወጸ ጥራይ እዩ ድርድር ክግበር ዝከኣል ኢሉ" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ፔስኮቭ ወሲኹ፡ ኣሜሪካ ነተን ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ሩስያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናተይ ኢላ ዝጎበጠተን "ሓደስቲ ግዝኣታት" ዩክረይን ኣፍልጦ ዘይምሃባ ሓባራዊ መሰረት ድርድር ንምድላይ ዝግበር ጻዕሪ ከምዘተሓላለኸ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ማክሮን ብወገኑ፡ ንዩክሬናውያን "ንዓኣቶም ቅቡል ዘይኮነ" ስምምዕ ክፍጽሙ ፈጺሞም ከምዘይደፋፍእዎም ምስ ባይደን ከምዝተሰማምዑ ብንጹር ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኣንቶንዮ ታጃኒ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዩክረይን ፍትሓዊ ሰላም ንኽትረክብ ዝሰርሓሉ ግዜ በጺሑ’ኳ እንተኾነ፡ "ክረምሊን ሕጂ ኣብ ክንዲ ኣብ ህዝቢ ደብዳባት ምፍጻም ጭቡጥ ምልክታት ክህብ ኣለዎ" ክብል ንጋዜጣ ላ ሪፓብሊካ ተዛሪቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ መራሒ ኣንግሊካዊት ቤተክርስትያን ዓዲ-እንግሊዝ ሊቀ ጳጳስ ካንተርበሪ ጃስቲን ዌልቢ፡ ኣብ ዩክሬን ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ሩስያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን እትገብሮ ዘላ ምሕሳው ከየቋረጸት ሰላም ክህሉ ከምዘይክእል ገሊጹ።

ኣብታ ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ቅትለት ኣማኢት ሲቪላት ገበናት ኲናት ፈጺሞም ተባሂሎም ዝኽሰሱላ ከተማ ቡቻ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ሓሶት ዝተመርኮሰ ንቕድሚት ዝወስድ መንገዲ ክህሉ ኣይክእልን'ዩ። ኣብዚ ግፍዕታት ተፈጺሙ'ዩ" ኢሉ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩክረይን ሚካይሎ ፖዶልያክ፡ ወራር ሩስያ ኣብ 24 ለካቲት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ካብ 10 ክሳብ 13 ሽሕ ወተሃደራታ ዩክረይን ከምዝተቐትሉ ኣቐዲሙ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

ዩክረይን ትኹን ሩስያ ኣሃዛት ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ዝገልጻ ኣይመስላን፡ እቲ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዝሃቦ መግለጺ ድማ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክረይን ኣይተረጋገጸን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ላዕለዋይ ጀነራል ኣሜሪካ ማርክ ሚሊ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ 100 ሽሕ ናይ ሩስያን 100 ሽሕ ወተሃደራት ዩክረይንን ከምዝተቐትሉ ወይ ከምዝቖሰሉ ገሊጹ ነይሩ።

ፖዶልያክ ፡ ዩክረይን "ብዛዕባ ብዝሒ ዝተቐትሉ [ወተሃደራት] ብግልጺ ትዛረብ" ከምዘላ ንዩክሬናዊ መደበር ቴሌቪዥን ቻነል 24 ሓቢሩ።

ወሲኹ’ውን፡ ቁጽሪ ናይቶም ካብቲ ወራር ጀሚሩ ዝተቐተሉ ሲቪላት "ዓቢ" ክኸውን ከምዝኽእልን ክሳብ 100 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ከምዝተቐትሉን ሓቢሩ።

ሓላፊት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኡርሱላ ቫን ደር ሌየን ብወገና ረቡዕ ኣብ ዝሃበቶ ናይ ቪድዮ መደረ፡ 100 ሽሕ ወተሃደራት ዩክረይን ከምዝተቐትሉ ገሊጻ’ያ። ይኹን እምበር፡ ድሒሩ ወሃቢ ቃል ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ፡ እቲ ኣሃዝ ጌጋ ከምዝኾነ ብምግላጽ እቲ 100 ሽሕ ዝተበሃለ ነቶም ዝሞቱን ዝቖሰሉን ከምዘጠቓልል ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምዝታዮም ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ "ዩክረይን ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ንክትከላኸል ቀጻሊ ደገፍ" ከምዝገብሩ ሓቢሮም ኣለዉ። ንስርዓታት ምክልኻል ኣየር ዩክረይን ዝወሃብ ደገፍ ንምውሳኽን ብዛዕባ ዩክረይን ዝምልከት ኣህጉራዊ ዋዕላ ኣብ 13 ታሕሳስ ኣብ ፓሪስ ንምክያድን መደብ ከምዘለዎምን ገሊጾም።

ፕረዚደንት ባይደን ምስ መራሒ ሩስያ ንምዝርራብ ድሉው እየ ምባሉ ምስ ከቢድ መጠንቀቕታ ዝመጸ ኮይኑ፡ ፈረንሳዊ መዘንኡ ድማ "ዩክሬናውያን ቅቡል ዘይኮነ ስምምዕ ንኽፍጽሙ ፈጺምና ኣይንደፋፍእን" ኢሉ።

ፕረዚደንት ማክሮን ነዚ ዝገለጸ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ክሳብ ሕጂ ብመንጽር ሽምግልና ዝኾነ ጭቡጥ ነገር ከምዘየቕረባ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ።

"ማክሮን፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ክዘራረብ መደብ ከምዘለዎ ብቐጻሊ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ" ዝበለ ላቭሮቭ፡ ሩስያ ብዲፕሎማስያዊ መስመራት ዝኾነ ምልክት ከምዘይረኸበት ሓቢሩ።

ላቭሮቭ፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነበር ጆን ኬሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጸገማት ክፈትሕን ኣብ ሓቀኛ ዘተ ክዋፈርን ዝኸኣለ ዓይነት ሰብ ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ ካልእ ምዕባለታት

  • ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳና ማሪን ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝገበረቶ ዑደት፡ ኣውሮጳ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ክትሃንጽ ከምዘለዋ ገሊጻ። "ኣውሮጳ ኣብዚ ሕጂ እዋን እኹል ሓይሊ የብላን። ብዘይ ኣሜሪካ ድማ ከጸግመና እዩ" ኢላ።
  • ሩስያ ንመከላኸሊ ኣየር ዩክረይን ንምድኻም ናይ ሓሶት ኒዩክለራዊ ዓቕሚ ዘለዎም ሚሳይላት ትጥቀም ከምዘላ ሰራዊት ዩክረይን ገሊጹ። ሩስያ፡ ንኑክሌራዊ መዓላ ዝተዳለወ ሮኬታት ብዘይ ተተኳሲ ትጥቀም ከምዝነበረት ወተሃደራዊ ክኢላታት ዩክረይን ይገልጹ። እዚ ድማ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ዩክረይን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ድሮ ብዙሓት ሚሳይላት ስለዝተጠቐመት ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብሩ።
  • ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኦሌግ ኡስተንኮ፡ ቢፒ (ብሪጣንያዊ ትካል ነዳዲ) ኣብ ሩስያ ካብ ዝገብሮ ወፍሪ ኣማኢት ሚልዮናት ፓውንድ "ገንዘብ ደም" ረኺቡ ክብል ከሲሱ። ቢፒ፡ ካብቲ ሮዝነፍት ዝበሃል ሩስያዊ ትካል ጸዓት ዝኾነ መኽሰብ ይቕበል ከምዘየለ ይገልጽ።
  • ቲክቶክ፡ ብጉጅለ ዕሱባት ሩስያ ቫግነር ንዝፍጸም ዓመጽ ዘተባብዑ ዓሰርተታት ቪድዮታት ከምዝዘርገሐ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እቶም ቪድዮታት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ግዜ ከምዝተራእዩ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ትካል ኒውስጋርድ ኣፍሊጡ። ትካል ቲክቶክ፡ ኣብ ፖሊሲታቱ ዝጥሕስ ዝኾነ ይኹን ትሕዝቶ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።