ኣብ ፖላንድ ዝዓለበ ሚሳይል ካብ ዩክረይን ዝተተኮሰ ክኸውን ይኽእል'ዩ - ኔቶ

Published

ብሰሉስ ኣብ ፖላንድ ክልተ ሰባት ዝቐተለ ሚሳይል ካብ ዩክረይን ዝተወንጨፈ ክኸውን ከምዝኽእል ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

መርመራታት እቲ ምስ ዩክረይን ኣብ ዘዋስን ዶብ ዝዓለበ ሚሳይል ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ "ብዓቢኡ እዚ ናይ ዩክረይን ናይ ምክልኻል ሚሳይል ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

ሩስያ ግን ኣብ መወዳእታ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እትገብሮ ዘላ ቀጻሊ ወራር ክትውቀስ ምዃና ኣስሚሩሉ ኣሎ።

መግለጺ ሓላፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ ስዒቡ፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ እቲ ኣብ ፖላንድ ዝዓለበ ሚሳይል ናይ ዩክረይን ከምዘይኰነ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ መረጋገጺ ከምዝረኸበ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብተሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ናትና ሚሳይል ከምዘይኰነ ኣይጠራጠርን" ኢሉ።

"ብመሰረት ወተሃደራዊ ጸብጻባትና፡ እዚ ሚሳይል ናይ ሩስያ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።"

ብተወሳኺ ሰበስልጣን ዩክረይን ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ክኣትዉ ክፍቀደሎም፡ ከምኡ’ውን ኣካል ናይቲ መርመራ ክዀኑ ጸዊዑ።

ሩስያ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝዓበየ ማዕበል መጥቃዕቲ ሚሳይላት ድሕሪ ምውንጫፋ፡ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ዩክረይን ብሰሉስ ተንቀሳቒሶም እዮም።

ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሚሳይላት ሩስያ ነታ ሃገር ዒላማ ገይሮም'ኳ እንተነበሩ፡ ዩክረይን ግን ንመብዛሕትኦም ከምዘፍሸለቶም ትገልጽ።

ዋዕላ ጕጅለ 20 ኣብ ኢንዶነዥያ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ዝተፈጸመ ጃምላዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ኣህጕራዊ ኣውያት ዘስዓበ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ መሬት ኣባል ኔቶ ፖላንድ ዝዓለበ ሚሳይል ዝገልጽ ዜና ድማ ነቲ ኲናት ብሓደገኛ መንገዲ ከየጋድዶ ስግኣት ኣለዓዒሉ።

ሚስተር ስቶልተንበርግ፡ ኔቶ ነታ ኣባል ናይቲ ኪዳን ዘይኰነት ግን ከኣ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ሓገዝ እትረክብ ዩክረይን "ዝያዳ ምዕቡል ስርዓተ ምክልኻል ኣየር" ንምቕራብ ቃል ከምዝኣተወ ገሊጹ።

"ሎሚ ኣብ ኣኼባ ሓደ ንዩክረይን ዝድግፍን መሻርኽትን ኔቶ ተሳቲፈ ነይረ። ንሳቶም ንሚሳይላት ሩስያ ወቒዖም ዘውድቝ ዝያዳ ምዕቡል ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ንምሃብ ሓድሽ መብጽዓታት ኣትዮም" ኢሉ እቲ ሓላፊ ኔቶ።

"ኣብ መጻኢ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት ንምክልኻል እቲ ዝበለጸ መገዲ ግን ሩስያ ኲናት ደው እንተበለት'ዩ።"

"እዚ ሩስያ ኰነ ኢላ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ምዃኑ ዝሕብር ምልክት የብልናን" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ይዅን እምበር፡ "ሩስያ ተሓታቲት ምዃና ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ ሩስያ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብዚ ኲናት ብዙሕ ግዜ ዝገበረቶ፡ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ከተማታት ዩክረይን ዕስለ መጥቃዕቲ ሚሳይል እንተዘይትፍጽም ነይራ እዚ ኣይምተፈጸመን" ይብል።

ፕረዚደንት ፖላንድ ኣንድሬ ዱዳ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዋላ’ኳ እቲ ሚሳይል ኣብ ሩስያ ዝተሰርሐ ኤስ-300 ክኸውን ዝያዳ ተኽእሎ እንተሃለዎ፡ ብወገን ሩስያ ከምዝተተኮሰ ግን መርትዖ ከምዘየለ ገሊጹ ነይሩ።

ሚስተር ስቶልተንበርግ ብዛዕባ ተኽእሎ ልዝብ ሰላም ኣብ መንጐ ሞስኮን ኪቭን ምስ ተሓተተ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተገብረ ፈተነታት፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን "ንኽዋገይን ክዛተን ድልውነት ከምዘይብሉ" ከምዘመልከተ ገሊጹ።

"ክንርድኦ ዘለና፡ ፑቲንን ሩስያን ውግእ እንተ ኣቋሪጾም ሰላም ክንረክብ ኢና፤ ዘለንስኪን ዩክረይንን ውግእ እንተ ኣቋሪጾም ግን ሽዑ ዩክረይን ከም ናጻ ልኡላዊት ሃገር ህላወኣ ከተቋርጽ እያ" ኢሉ።

እቲ ላዕለዋይ ጀነራል ኣሜሪካ እውን ትማሊ ረቡዕ ብዛዕባ እቲ ኲናት ርእይቶ ሂቡ ነይሩ፡ "ብፖለቲካዊ መዳይ ሩስያውያን ዝስሕቡሉ ፖለቲካዊ ፍታሕ" ካብ ዩክረይን ክህሉ ይኽእል እዩ ኢሉ።

ኣቦ መንበር ሓባራዊ ሓለፍቲ ስታፍ ሰራዊት ጀነራል ማርክ ሚሊ ግን፡ ዩክረይን፡ ዋላ'ኳ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓውደ ውግእ ዓወት እንተረኸበት፡ ብኣጋኡ ወተሃደራዊ ዓወት ክትረክብ ተኽእሎ ከምዘየለ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ፔንታጐን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብወተሃደራዊ መዳይ፡ ተኽእሎ ወተሃደራዊ ዓወት ዩክረይን - ንሩስያውያን ካብ መላእ ዩክረይን ኣውጽኢካ ንክረሚያ ንምሕዋስ - ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ምፍጻም ተኽእሎኡ ትሑት እዩ" ኢሉ።