እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ንርእይቶ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ተቓዊማ
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ንኣባላት ካቢነኡ ንዝሃቦ መብርሂ ብምቅዋም መግለጺ ኣውጺኡ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ኣባላት ካቢነ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ምክፍፋል ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ብምሃብ ንመርገጺ መንግስቱ ኣነጺሩ ነይሩ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ድሕሪ ርእይቶ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ መሰል ቤተክርስትያን ብምሕላው ግቡኡ ዘይፍጽም እንተዀይኑ፡ ካብ ቅዱስ ፓትርያርክ ጀሚሮም ኵሎም ኣባላት ቤተ ክርስትያን ዝሳተፍሉ ሃገራውን ዓለምለኻውን ሰላማዊ ሰልፊ ክትፅውዕ ምዃና ኣጠንቂቝ።
ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዝተመሓላለፈ መግለጺ፡ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ "መሰል ቤተ ክርስትያን ክሳብ ዝረጋገፅ መስዋእቲ ንምኽፋል እውን ድልዋት ኢና" ክብል ኣፍሊጡ።
ብቐዳማይ ሚኒስተር ንዝተልዓሉ ቀንዲ ሓሳባት ብምጥቃስ እቶም ጌጋታት ዝበልዎም ክእረሙ'ውን ኣተሓሳሲቦም።
ብመሰረት እዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ቀሊልን ብምዝርራብ ክፍታሕ ዝኽእልን ከምዝዀነ ተዛሪቡ ነይሩ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ግን ነዚ ከም ተራ ጐንፅን ውልቃዊ ዘይምርድዳእን ጌርካ ምቕራብ ግቡእ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ "ኣብ ኣስተምህሮ እታ ቤተ ክርስትያን ጣልቃ ምእታውን ንውጽኢት ናይቲ እተመሓላልፎ ሃይማኖታውን ቀኖናውን ውሳነታት ዕሽሽ ምባልን እዩ" ክብል ንዘረባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተቓዊሙ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ኣብዚ ጉዳይ ኢድኩም ክተእትዉ ኣይፍቀድን” ንዝበሎ ድማ፡ "መንግስቲ ሕጊ ክኽበር ናይ ምግባር ሓላፍነቱ ዕሽሽ ዝበለሉ ሓሳብ እዩ" ብምባል እቲ ሲኖዶስ ነቒፉ።
ንክልቲኦም ወገናት ከም ማዕረ ንዝረኣየሉ ኣገባብ ብምንቃፍ፡ "ነቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣንጻር ሕጋዊት ቤተክርስትያን ዝተላዕሉ ጕጅለ ብማዕረ ብምርኣይ፡ ‘ክዛተዩ ይግባእ’ ክብል ዝሃቦ ርእይቶ ዘይሕጋውነት ዘተባብዕ፣ ከምኡ’ውን መንግስቲ ንሕጋውያን ትካላት ናይ ምሕላውን ውሕስነት ናይ ምሃብን ዘለዎ ሓላፍነት ዕሽሽ ዝበለን እዩ" ክትብል እታ ቤተክርስትያን ተቓውሞኣ ኣስሚዓ።
ንሃይማኖታዊ፡ ቀኖናውን ምምሕዳራውን ኣሰራርሓ ቤተ ክርስትያን ብምጥሓስ ምስቶም "ዕልዋ ሲኖዶስ" ብምፍፃሞም ዝተወገዙ ኣቦታት ክትዕረቕን ክትዘራረብን ዝቐረበ ሓሳብ፡ "ንሃይማኖታዊ መምርሒታትኩም ጥሒስኩም ቀኖናዊ ስርዓትኩም ኣፍሪስኩም፤ ምምሕዳራዊ መሓውርካ ገዲፍኩም ተቐበልዎም ከም ማለት እዩ” ብምባል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መአረምታ ክገብር ሲኖዶስ ሓቲቱ’ሎ።
ኣብ ኣምሓራን ትግራይን ዝርከቡ ሰዓብቲ እቲ እምነት ብቋንቋኦም ከምዝግልገሉ ዝጠቐሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ "ኣብ ኦሮሚያ ብቋንቋኦም ኣገልግሎት ክወሃቦም እንተሓቲቶም ኣይወሃበኩምን ክብል ኣይክእልን እየ። ቋንቋኦም ናይ ምጥቃም መሰል ኣነ ኣይኮንኩን ሂበዮም” ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።
ሲኖዶስ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ቤተ ክርስትያን "ኣገልግሎት ቋንቋታት ኣብ ሕግታታ ኣፍልጦ ከምዝሃበት" ብምጥቃስ ብፍላይ ብቋንቋ ኦሮሞ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ብዝርዝር ሓቢሩ።
ስለዚ ርእይቶ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ "ቤተክርስትያን ንቋንቋ ከም ዝተቓወመትን ማዕጾኣ ከምዝዓፀወትን ዘምስል ካብ ክውንነት ዝረሓቐን እዩ" ክብል ነቒፉ።
ብተወሳኺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ እዋን ኲናት፡ ካብ ማእከላይ ሲኖዶስ ከምዝተነፀሉ ክገልፁ እንከለዉ፡ "ዋላ ሓደ ሰብ'ውን ‘ግደፉ. . .ከምኡ ኣይግበርን’ ዝበለ ኣይነበረን” ብምባል "ስለምንታይ ሕጂ" ከምኡ ምባል ኣድላዪ ኰይኑ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ነዚ መልሲ ክህብ እንከሎ፡ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኣቦታት "ሕግን ቀኖናን ቤተ ክርስቲያን ጥሒሶም ዘይሕጋዊ ሲኖዶስ ኣይመስረቱን፤ ጳጳሳት እውን ኣይሸሙን" ብምባል፡ ዘረባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ዝተፈጸመ “ዘይሕጋዊ ሽመትን ዕልዋ ሲኖዶስን ሕጋውነት ንምልባስ ንምግባር ዘምስል” ከምዝዀነ የረድእ።
ክልቲኦም፡ "ፈጺሞም ዘይራኸቡ ጉዳያት" ምዃኖም ብምግላጽ'ውን፡ ብምንጽጻር ከቐምጦም ምፍታኑ እቲ ሲኖዶስ ነቒፉ’ሎ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ሕጊ ክኽበር ክገብርን ንቤተ ክርስትያን ክሕልውን ሓቲቱ ምንባሩ ብምዝኽኻር፡ "እቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ተሸይምና ዝብሉ ኣካላት" ኣብ ገለ ከባቢታት ናብ ዘይተፈቐደሎም ናይ ኣገልግሎት ቦታታት ብምእታዎም "ናዕቢ ይለዓል ከምዘሎ ፈሊጥና ኣለና" ኢሉ።
መንግስቲ ሕጊ ክኽበር ክገብርን ሰላም ዜጋታት ከውሕስን ካብ ቤተ ክርስትያን ንዝቐረበሉ ጻውዒት ተቐቢሉ ኣብ ልዕሊ እቶም “ዘይሕጋውያን” ስጕምቲ ከምዘይተወሰደ ዘመልከተ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ንዝተወሃቦም ሓላፍነት ብምፍጻም ትካላዊ ልዕልና እታ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምኽባር ግቡኡ ክፍፅም ሓቲቱ’ሎ።
እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ካብ ቅዱስ ፓትርያርክ ጀሚሮም ኩሎም ኣባላት ቤተ ክርስትያን ዝሳተፍሉ ሃገራውን ዓለምለኻውን ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ምዃኖም እቲ ሲኖዶስ ኣብ ናይ ትማሊ መግለጺኡ ኣጠንቂቑ።