ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዛዕባ ዘተ ሰላም ኢትዮጲያ ክመያየጥ ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ እዩ

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ማይክ ሃመር

ምንጪ ስእሊ, GOOBJOG NEWS

መግለጺ ስእሊ, ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ማይክ ሃመር
Published

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጲያ ብሰላም ንኽዛዘም ክግበር ተሓሲቡ ብዛዕባ ዘሎ ዘተ ሰላም ንኽመያየጥ፡ ሎሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ እዩ።

ማይክ ሃመር ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳዕ 25 ሓምለ 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበ ስልጣን ትግራይን ክካየድ ዝተሓስበ ዘተ ሰላም ንኽዕወት ዘሎ ተኽእሎታት ንምግምጋም ምዃኑ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ማይክ ሃመር ኣብ ጻንሒቱ፡ ሰብኣዊ ረድኤትን ከምኡ'ውን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ ኣካላት ናብ ሕጊ ዝቐርብሉ መስርሕ ብዝምልከት ከምዝዘራረብ እቲ መግለጺ ይሕብር።

ማይክ ሃመር፡ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ኣሜሪካ ካብ ዝመዘዘቶም ፍሉያት ልኡኻት'ቲ ዞባ መበል ሳልሳይ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት መዝነት ከም ዝተዋህቦ ይፍለጥ። ንሱ፡ እዚ መዝነት ሒዙ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ ናብ ኢትዮጲያ ዝበጽሕ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ዘካየዶ ቀዳማይ ዑደቱ፡ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮንን ከም ዝተዘራረበ ይዝከር።

“አሜሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዅሉ ህዝቢ ዘተኣማምን ሰላም፡ ድሕነትን ብልጽግናን ከምጽእ ዘኽእል ንዅሉ ዝሓቍፍ ፖለቲካዊ መስርሕ ንምድጋፍን ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪታት ንምክያድን ወሲና እያ” ይብል እቲ መግለጺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰላም ክደራርደር ዝተመዘዘ ኮሚቴ፡ ስርሑ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን፡ መራሕቲ ትግራይ ኣብቲ ዘተ ሰላም ዝሳተፍ ጕጅለ ከምዝመዘዙ ምግላጾም ይዝከር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዘተ ሰላም ዘለዎም ድልየት'ኳ እንተገለጹ፡ እቲ ዘተ መዓስን ኣበይን ከምዝካየድ ዝበልዎ ነገር የለን።

መራሕቲ ትግራይ፡ እቲ ክልል ኣምሓራ ይግብኣኒ ዝብሎን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይሊ ኣምሓራ ዝርከብን ምዕራብ ትግራይ፡ ከምኡ'ውን ዝተቛረጸ ትሕቲ ቕርጺ ኣብ ዝምልከቱ ከምዘይደራደሩ ገሊጾም እዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ እዚ ዝበሎ ነገር የለን።

እቲ ፍሉእ ልኡኽ ብዘይካ ኣብ ዛዕባ ሕድሕድ ኲናት 'ታ ሃገር፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ'ውን ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከምዝዝቲ ይንገር ኣሎ።

በዚ መሰረት፡ ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ኣብ ግብጺን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ምብጻሕ ከካይድ እዩ።

ኣሜሪካ፡ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ፡ ድሌት ኵሎም ወገናት ዘማልእ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ምእንቲ ክረክብ ድጋፍ ከምትገብር እቲ ዝወጽአ መግለጺ ይሕብር።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ጻንሒቱ ነቲ ድርድር ክመርሕ ምስ ዝጸንሐ ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ከምዝዝቲ ተገሊጹ እዩ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ምስ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዶ/ር ስለሺ በቀለ እውን ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሰ ዘተ ኣካይዱ ነይሩ።

ዶ/ር ስለሺ በቀለ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ምስ ማይክ ሃመር ከም ዝተዛተዩ ገሊጹ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ዘተ ሰላም'ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወስዶ ዘሎ ስጕምቲ፡ ሃገራዊ ዘተ፡ ብኲናትን ብድርቂን ኣብ ዝተጐድኡ ከባቢታት ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ረድኤት ብዝምልከት ነቲ መልእኽተኛ ከምዘረድአ ሓቢሩ ነይሩ።

ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኰይኑ ዝጸንሐ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ዝተክአ ማይክ ሃመር፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ቺሊን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ብምዃን ዝሰርሐን፡ ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካን፡ ቤተመንግስቲ ኣሜሪካ - ዋይት ሃውስን ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ኣገልጊሉ እዩ።