እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብናዕቢ ትሕመስ ዘላ ፈረንሳዊት ከተማ ብመንብዒ ትኪ ተዓብሊኻ
ፖሊስ ንሓደ ትሕቲ-ዕድመ መንእሰይ ብጥይት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ፈረንሳዊት ከተማ ማርሴ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዛ ብናዕቢ ትናወጽ ኣላ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀራልድ ዳርማኒን ግን፡ ብትዊተር ሓይልታት ጸጥታ ነታ ከተማ ኣረጋጊኦምዋ ሓዲሮም ክብል ሓቢሩ።
ኣብታ ከተማ ፖሊስን ናዕበኛታትን ተጋጭዮም፡ እታ ከተማ ድማ ብዘንብዕ ትኪ ተዓብሊኻ ትርከብ።
ኣብታ ደቡባዊት ከተማ ብዘጋጠመ ናዕቢ፡ ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ 54 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ፖሊስ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ፓሪስ ግን ሓያሎ ፖሊስ ተዋፊሮም ነቲ ናዕቢ ክቈጻጸሮዎ ከምዝኸኣሉ ይግለጽ።
ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይቲ፡ ንፖሊስ ትራፊክ ብምጥሓስ ብፖሊስ ብጥይት ዝተቐትለ ወዲ 17 ዓመት ናሂል ብዙሓት ሰባት ተረኺቦም።
እቲ መንእሰይ ብሰሉስ ኣብ ከባቢ ናንቴረ ፓሪስ ድሕሪ ምቕታሉ ኣሽሓት ሰባት ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ።
ካብ ቀዳም ጀሚሩ ኣብተን ናዕቢ ዝተላዕለለን ከተማታት እታ ሃገር ኣስታት 45 ሽሕ ፖሊስ ተዋፊሮም ኣለዉ።
ብዓርቢ 1300 ሰባት ከምዝተኣሰሩ ዝተገልጸ ኰይኑ፡ ብሓሙስ ኣስታት 900 ናዕበኛታት ከምዝተኣሰሩ ተገሊጹ።
ብቐዳም ምሸት ኣብ ከተማ ማርሴ ፖሊስን ናዕበኛታትን ኣብ ከቢድ ግጭት ኣትዮም ነይሮም።
ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ፈረንሳ፡ ብርክት ዝበሉ ናዕበኛታትን ሓይልታት ፖሊስን ንኣስታት ሓደ ሰዓት ተጋጭዮም።
ኣብታ ርእሰ ከተማ ብፍላይ ‘ሻም ዜሊዚ’ ዝተባህለ መስሕብ በጻሕቲ ሃገር፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፖሊስ ተዋፈሮም።
ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ቦታ ክንራኸብ ኢና እናበሉ ብማሕበራዊ መራኸቢታት መልእኽትታት እኳ እንተተለዋወጡ፡ ኣብቲ ከባቢ ፖሊስ ብበዝሒ ምርካቦም ግን ከምኡ ከይኰነ ተሪፉ።
ንኻልኣይ መዓልቲ፡ ኣብ ፓሪስ፡ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ድሕሪ ሰዓት 3 ናይ ምሸት ኣገልግሎት ከይህባ ተገይሩ።
ቀዳመይቲ ሚኒስትር ፈረንሳ ኤልሳቤጥ ቦርን፡ ፖሊስ ነቲ ናዕቢ ብኸመይ ይሕዝዎ ከምዘለዉ ንምዕዛብ ብውልቂ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ተረኺባ ከምዝነበረት ይንገር።
ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ሊለ፡ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ፡ ጎደናታት ክዓጹ ጀሚሩ ኣሎ።
ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ትማሊ ምሸት ኣብታ ከተማ ብሰንኪ ናዕቢ ዝተፈጠረ ሃልሃልታ ኣጥፊኦም።
እቲ ወዲ 17 መንእሰይ ‘ጠጠው በል’ ንዝብል ትእዛዝ ፖሊስ ጥሒሱ ክሓልፍ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እዩ ተቐቲሉ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ኣሳእል ከምዘመልክቶ፡ ክልተ ፖሊስ መኪንኡ ደው ከብሉዋ ከምዝፈተኑን ሓደ ካብቶም ፖሊስ ድማ ኣብ ልዕሊ'ቲ መንእሰይ ሽጉጥ ዓሚሩ ይርአ።
እቲ ነቲ መንእሰይ ብጥይት ዝቐተለ ፖሊስ፡ ብቕትለት ዝተኸሰሰ ዀይኑ፡ ንስድራቤት ድማ ይቕሬታ ሓቲቱ ኣሎ።
እዚ ቅትለት፡ ፖሊስ ደው ምባል ንዝኣበዩ መራሕቲ መካይን ክትኩሱ ዘፍቅድ ኣብ 2017 ዝጸደቐ ኣካታዒ ሕጊ፡ ዳግማይ ኣዘራራቢ ከኸውን ገይርዎ ኣሎ።
ኣብ ሓይልታት ጸጥታ ፈረንሳ ድማ ሕቶ ‘ዓሌትነት’ ኣልዒሉ ኣሎ።
ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ "ፈረንሳ ኣብ ውሽጢ ኣኽበርቲ ሕጊ ዘሎ ‘ዓሌትነት’ ክትሓስበሉ ዕድል ዝፈጥር 'ዩ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ነቶም ሰልፈኛታት ሞት ናሄል ኣመኽንዮም፡ ዘይሕጋዊ ተግባር ከምዝፈጸሙ ከሲሱ።