ኣብ ፓሪስ ብዘጋጠመ ነትጒ ልዕሊ 30 ሰባት ተጐዲኦም

Published

ኣብ ማእከላይ ፓሪስ ብዘጋጠመ ከቢድ ነትጕ ልዕሊ 37 ሰባት ተጐዲኦም፤ እቶም ኣርባዕተ ኣብ ከቢድ ኵነታት ይርከቡ።

እቲ ነትጒ ኣብ ሓምሻይ ዞባ ርእሰተማ ፓሪስ ኣብ ሩ ሴንት-ዣክ ኣብ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ ዲዛይንን ዋና ቤት-ጽሕፈት ስርዓተ ትምህርቲ ካቶሊክን እዩ ኣጋጢሙ።

ሰራሕተኛታት ሂወት ምድሓን ብፍርስራስ እቲ ህንጻ ዝተፀቐጡ ሰባት ይደልዩ ኣለዉ፤ ደሃይ ክልተ ሰባት'ውን ጠፊኡ ይበሃል ኣሎ።

መሰኻኽር ዓይኒ፡ ቅድሚ እቲ ነትጒ ብርቱዕ ጨና ጋዝ ከም ዝነበረ ይገልፁ።

ምክትል ከንቲባ እቲ ከባቢ ኤድዋርድ ሲቨል፡ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ነትጒ ጋዝ ከም ዝዀነ ብማሕበራዊ ሚድያ ሓቢሩ።

ሰብመዚ ግን፡ ጠንቂ እቲ ነትጕ ከም ዘይተፈለጠ ገሊጾም።

ኣኽባሪት ሕጊ ከተማ ፓሪስ ሎሬ ቤኩ ናብቲ ቦታ ከይዳ ዝተዓዘበት ክትከውን እንከላ፡ ኣፈናዊ ተንቀሳቓሲ ምስልታት እቲ ነትጒ ኣብ ጥቓ ቤተ-ክርስትያን ቫል ደ ግሬስ ኣብ ዘሎ ህንጻ ከም ዘጋጠመ የርእዩ ኢላ።

ሓለቓ ፖሊስ ከተማ ፓሪስ ሎረንት ኑነዝ ድማ፡ ፈለማ እቲ ህንጻ ብባርዕ ተዋሒጡ ከም ዝነበረን ደሓር እቲ ሃልሃልታ ምቍጽጻር ከም ዝተኽኣለን ገሊጹ።

እቲ ከባቢ ተሓጺሩ ዘሎ ኰይኑ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ዠራርልድ ዳርሚኒን ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ፡ ሰባት ብፍርስራስ እቲ ህንጻ ተጸቒጦም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ።

ኣብ ቦውልቫርድ ሴንት-ሚሸል ዝነበረ ሓደ ተምሃራይ፡ “ኣብ ፊት ንፊት ቫል ደ ግሬስ ነይረ። ከቢድ ነትጒ ሰሚዐ፡ 20 ወይ 30 ሜትሮ ዝንውሓቱ ሃልሃልታ ርእየ። ካብኡ እቲ ህንጻ ምስ ከቢድ ድምጺ ተዳህሚሱ፤ ጋዝ ከኣ ጨንዩኒ” ክብል ተዛሪቡ።

ካልእ ምስክር ዓይኒ ኣንትዋን ብሩቾት፡ ነቲ ከቢድ ነትጕ ኣብ ገዛኡ ኰይኑ ከም ዝሰምዖ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ብመስኮት ናብ ሆስፒታል ብሪቾት እንትጥምት፡ ገዚፍ ደበና ትኪ ርእየ። ቅርብ ኢለ ድማ ዝፈረሰ ህንጻን ባርዕን ርእየ” ኢሉ።