ሓድሽ ዘመነ ውግኣት ዘበገሰ ቦምባታት ኔቶ

Published

ኔቶ፡ ብ24 መጋቢት 1999 ኣንጻር ናይ ሽዑ ዩጐዝላቭያ 78 መዓልታት ዝወሰደ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዱ።

ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ ምድረ-ኣውሮጳ እቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ስርሒት’ዩ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ብዘይ ፍቓድ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተገብረ፡ ናይ መጀመርታ ኣህጉራዊ ምትእትታው ኰይኑ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት፡ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ንዝገበረቶ ወራር ቅድመ ኵነት ኰይኑ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ንወራራት ዩክረይንን ጆርጅያን ንምምኽናይ ተጠቒሙሉ።

ኔቶ፡ ኣብ ኮሶቮ፡ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ኣልባንያውያን ዝፍጸም ዝነበረ ዓመጽን ቅትለትን ብፖለቲካዊ ፈተነታት ደው ከብሎ ስለዘይከኣለ እዩ ነቲ ኣብ መጋቢት 1999፡ ኣንጻር ዩጎዝላቭያ፡ 78 መዓልታት ዝቐጸለ ደብዳብ ኣካይዱ።

ስርሒታት ኔቶ፡ ኣብ ሰርብያ፡ ኮሶቮን ሞንተኔግሮን ኣብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ዘተኰረ'ኳ እንተነበረ፡ ወሳኒ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ እውን ወቒዑ’ዩ።

ሰብ መዚ ቤልግራድ፡ ብውሕዱ 2,500 ሰባት ከምዝሞቱን 12,500 ከምዝቘሰሉን እኳ እንተገለጹ፡ ክሳብ ሕጂ ግን እቲ ልክዕ ቍጽሪ መወትቲ ኣይተፈልጠን።

ሂዩማን ራይትስ ዎችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን፡ በቲ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ኣስታት 500 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ይገልጹ።

ኣብ እዋን’ቲ ደብዳብ፡ ልዕሊ 300 ሽሕ ኣልባንያውያን፡ ካብ ኮሶቮ ሃዲሞም፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ሰሜናዊ መቄዶንያን ኣልባንያን ተዓቚቦም።

እቲ ደብዳብ ነፈርቲ፡ መራሒ ሰርብያ ስሎቦዳን ሚሎሰቪች፡ ሓይልታቱ፡ ካብ ኮሶቮ ክወጽኡን ብዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኔቶ ክትክኡን ዝጽውዕ ስምምዕ ሰላም ምስተሰማምዐ’ዩ ኣብ ሰነ 1999 ተዛዚሙ።

ድሕሪ 25 ዓመት፡ ሎሚ’ውን ኔቶ ምስ 5,000 ወተሃደራቱ ኣብ ኮሶቮ ኣሎ። ዳርጋ መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ኮሶቮን ሰርብያውያንን ግጭታት ይካየድ እዩ።

ፍቓድ ሕቡራት ሃገራት ዘይምህላው

ንቅልውላው ኮሶቮ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምምጻእ ንዓመታት ዝተኻየደ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ፡ ኣብ 1999 ብዘይ ፍታሕ በርዒኑ።

ምዕራባውያን መሻርኽቲ ሃገራት፡ ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ንወተሃደራዊ ስጕምቲ ዝድግፍ ዝበዝሐ ድምጺ ንምርካብን ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሩስያ ወይ ቻይና ቬቶ ንኸይህሉ ዝገበርዎ ፈተነታት ኵሉ ፈሺሉ’ዩ።

ኣብቲ እዋን፡ ወሃቢ ቃል ኔቶ ዝነበረ ጄሚ ሺኣ፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ሓፈሻዊ ባይቶን ባይቶ ጸጥታን ሕቡራት ሃገራት ንምትእትታው ኔቶ ከምዝድግፉ ገሊጹ።

ሺኣ ንቢቢሲ ሰርብያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሩስያ ፍቓድ ዘይምሃባ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍቓድ ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን፡" ይብል።

"እቲ ወፍሪ ሰብኣዊ ምትእትታው’ዩ ነይሩ" ኢሉ።

"እቲ ደብዳብ፡ ህዝቢ ኣልባንያ፡ ኣብ ኮሶቮ ንክጸንሕን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ዝፍጸም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዓመጽን ደው ንምባልን እዩ ተኻይዱ።”

ኣብ መወዳእታ 1998፡ ልዕሊ 300 ሽሕ ኮሶቫውያን ድሮ ካብ ቤቶም ሃዲሞም ከምዝነበሩ ኔቶ ይሕብር።

ሩስያ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ንዝግበር ኵሉ ጻዕርታት ሓባራዊ መርገጺ እኳ እንተዓገተቶ፡ ነቲ ‘ቅድመ-ኵነታት ኮሶቮ’ ዝበሃል ከም ናይ ገዛእ ርእሳ ወተሃደራዊ ምትእትታው መመኽነይታ እያ ትጥቀመሉ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደ ሞንትፎርት ሌስተር፡ ፕሮፌሰር ታሪኽ ኬነት ሞሪሰን፡ “ኣብ ለካቲት 2008፡ ሩስያ፡ ኣብ ኣውራጃ ደቡብ ኦሴትያ ንዝርከቡ ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ፡ ካብ ሰራዊት ጆርጅያ ክከላኸለሎም ብዝብል ምስምስ” ንጆርጅያ ከምዝወረረታ ይገልጽ።

ፕሮፌሰር ሞሪሰን፡ ሩስያ ኣብ 2022 ንዩክረይን ኣብ ዝወረረትሉ እዋን፡ ተመሳሳሊ ምስምስ ከምዝተጠቕመት ብምግላጽ፡ ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ተመሳሳሊ ኣንፈት ዘመልክት ፍጻመታት ከምዝተራእየ ሓቢሩ።

“ሩስያ ኣብ 1992ን 1993ን ኣብ ሞልዶቫን ጆርጅያን ወተሃደራዊ ስጕምትታት ዝወሰደትሉ ምኽንያት’ውን ንሲቪል ካብ ገበናት ኲናት ምክልኻል’ዩ ነይሩ” ይብል ተንታኒ ፖለቲካ ኣሌክሳንደር ጆኪች።

“ዋላ’ኳ ፑቲን፡ ብቐጻሊ ን‘ቅድመ-ኵነት ኮሶቮ’ ዘዘኻኽር እንተዀነ፡ ኔቶ’ውን ካብ ሩስያ ውሑድ ዘይበሃል ትምህርቲ ቀሲማ’ያ ክንብል ንኽእል ኢና” ክብል ይማጐት።

እቲ ኔቶ ኣብ ዩጐዛላብያ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ካርታ ዓለም ብዙሕ ሽግር ኣኸቲሉ እዩ።

"እቶም ሃንደስቲ ናይቲ ስርሒት፡ ካብኣቶም፡ ቀንዲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር ቶኒ ብሌር፡ ንወፍሪ ኮሶቮ ንሰባት ካብ ምልኪ ሓራ ንምውጻእ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዓወት ገይሮም እዮም ከም መርትዖ ዘቕርብዎ ነይሮም” ክብል ኬነት ሞሪሰን ይምጕት።

ኬነት፡ "[ናይ ብሌር] ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ሰብኣዊ ዕላማታት ንምዕዋትን፡ ንምልካውያን ስርዓታት ብመትከል ንምግጣምን ክውዕል ይኽእል’ዩ ዝብል እምነቱ፡ ኣብ ዒራቕ ሓደጋ ፈንዩ" ክብል ይከራኸር።

'ኣገዳሲ ውርሻ'

ብቤልግሬድ ዝድገፉ ኣስታት 100 ሽሕ ሰርብያውያን ኣብ ኮሶቮ ከምዝተረፉ ይግመት። ካብኣቶም እቶም ዝበዝሑ ንናጽነት እታ ሃገር ይነጽጉ።

"ደብዳብ ኔቶ ኣብ ጥቅምቲ 2000 ንስሎቦዳን ሚሎሰቪች ንምውዳቕ ዓቢ ረቛሒ ስለዝነበረ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ኔቶ ርኡይ ውርሻ ገዲፉ’ዩ " ይብል ኬነት ሞሪሰን።

"ኣብ 2008፡ ንናጽነት ኮሶቮን ኣፍልጦን ብዝምልከት ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ንዝተፈጥረ ምፍልላይን'ውን መንገዲ ጸሪጉ" ኢሉ።

“ዋላ'ኳ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን እቲ ዝምድናታት ናብ ንቡር ንምምላስ ብኣማለድቲ ብዙሕ ጻዕርታት እንተገበሩ፡ ኣብ መንጐ ኮሶቮን ሰርብያን ግን ገና ርኡይ ወጥሪ እዩ ዘሎ።"

ሰርብያ ንናጽነት ኮሶቮ ኣፍልጦ ከምዘይትህብን ኣባል ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ፈጺማ ከምዘይትፈቅድን ትገልጽ። መርገጺኣ ከኣ ብሩስያን ቻይናን ካልኦትን ብጽኑዕ ይድገፍ።

ክልተ ካብተን ሪፓብሊካት ዩጐዝላቭያ ነበር፡ ስሎቨንያን ክሮኤሽያን፡ ድሮ ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ክጽንበራ እንከለዋ፡ ሰርብያን ኮሶቮን ብዓቢኡ፡ ኣብቲ ሓባራዊ ዝምድናታት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝረኸባኦ ዓወት ዝተመርኮሰ ነዊሕ መስርሕ ምጽንባር ይርከባ።

ሕጂ፡ ንቤልግሬድን ፕሪስቲናን ኣባልነት ሕብረት ኣውሮጳ ሓድሕዳዊ ኣፍልጦ ንምርካብ ቅድመ ኵነት ኰይኑ ኣሎ።

ሰርብያ ብፕሮጀክት ምሕዝነት ንሰላም ኣቢላ ምስ ኔቶ ብቐረባ እኳ እንተተሓባበረት፡ ዘይሻራዊ ወተሃደራዊ ፖሊሲኣ እውን ዓቂባቶ ኣላ።

ናብ ደብዳብ ነፈርቲ ዝመርሐ ጉዳይ እንታይ እዩ?

ኣብ ሓደ እዋን፡ ብዙሓት ሃገራውን ብሄራውን ሕብረተሰብ ብሓባር ዝነብሩላ እተኹርዕ ኣብነት ማሕበርነት (ሶሻሊስት) ዝነበረት ዩጐዝላቭያ ነበር፡ ኣብ 1990ታት ኣብ ተኸታታሊ ደማዊ ውግእ ወዲቓ።

ኵለን እተን ሽዱሽተ ሪፓብሊካት ነበር ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኰይነን። ድሕሪኡ ግን፡ ግዝኣት ሰርብያ ኮሶቮ፡ መንግስቲ ሚሎሰቪች፡ ንናጽነት ንዝደፍኡ ብሄራት ኣልባንያውያን ብሓይሊ ብምግታእ ወጥሪ ፈጢሩ።

ብዙሓት ሰርብያውያን ንኮሶቮ ከም ትውልዲ ሃገሮም ይቘጽርዋ። ካብቶም ሎሚ ኣብኡ ዝነብሩ ዘለው 1.8 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ግን፡ እቶም 92% ኣልባንያውያን እዮም።

ኣብ 1998፡ ኣብ መንጐ ብሄራት ኣልባንያውያን፡ ጐረባብቲ ሰራዊት ሓርነት ኮሶቮን ሓይልታት ጸጥታ ሰርብያን ዝተፈጥረ ግጭት፡ ደማዊ መልክዕ ብምሓዝ ዳርጋ ብመዓልታዊ መጥቃዕትን ቀጥታዊ ውግእን ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ደረጃ ዓሪጉ።

ኣብ ልዕሊ ድልድል ሩባ ሊም ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ኔቶ ሓሙሽተ ሰባት ቀቲሉ። ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ባልካን ካልእ ዓቢ ኲናት ንኸይፍጠር ኣብ መንጐ ቤልግሬድን ፕሪስቲናን ንዝተኻየደ ተኸታታሊ ዘተ ደጊፉን ኣሳሊጡን።

እቲ ኣብ ፈረንሳ ንሰሙናት ዝተኻየደ ዘተ፡ ኣብ ጥሪ 1999፡ ብቕትለት 44 ተወላዶ ኣልባንያውያን ዝተበገሰ እዩ።

ዋላ’ኳ ሓያል ኣህጉራዊ ጸቕጢ እንተነበረ፡ ቤልግሬድ ሓይልታታ ክትስሕብን ብኔቶ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ኮሶቮ ክኣቱን ዝጠልብ ስምምዕ ሰላም ስለእተነጽገ እቲ ዝርርብ ፈሺሉ።

ኣካታዒ ዕላማታት

ብ24 ሚያዝያ፡ ሚሳይላት ኔቶ ነቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር መደበር ተሌቪዥን RTS ዘለዎ ህንጻ ስለዝወቕዐ፡ በቲ መጥቃዕቲ 16 ሰራሕተኛታቱ ክሞቱ እንከለዉ፡ 18 ድማ ቆሲሎም።

ኣብቲ እዋን’ቲ፡ እቲ ኪዳን፡ እቲ መጥቃዕቲ RTS፡ ኣካል "ማሽን ፕሮፖጋንዳ" መንግስቲ ሚሎሰቪች ስለዝዀነ፡ ምኽኑይ እዩ ክብል እንከሎ፡ ቤልግሬድ ድማ "ገበናዊ ተግባር’ዩ" ክብል ገሊጽዎ።

ብ7 ግንቦት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ዋና ቤት ጽሕፈት ሰራዊትን ሰርብያን ብመሬት ምስ ተደብደበ፡ ኣብ ቤልግሬድ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና ብሓያሎ ሚሳይላት ስለእተወቕዐ ሰለስተ ቻይናውያን ጋዜጠኛታት ሞይቶም፤ ልዕሊ ደርዘን ሰራሕተኛታቱ ድማ ቆሲሎም።

እቲ ደብዳብ ብ10 ሰነ 1999 ተዛዚሙ። ኵሎም ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ቤልግሬድ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ ካብ ኮሶቮ ንኽስሕቡን ብኔቶ ዝምራሕ 36 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ንኽኣትው ክፍቀድን ከኣ ስምምዕ ተበጺሑ።

ስሎቦዳን ሚሎሰቪች ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ናይ መጀመርታ መራሒ ሃገር ኰይኑ።

ስሎቦዳን ሚሎሰቪች ኣብ 2000 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ዩጐዝላቭያ ነበር መስርሕ ፍርዲ ጀሚሩ። ሚሎሶቪች ብ66 ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ምጽናት ዓሌትን ገበናት ኲናትን ተኸሲሱ። እቲ ፍርዲ ቅድሚ ምውድኡ ከኣ ኣብ 2006 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ።