'ጉዳይ ትግራይ ብሓደ ወገን ክውሰን ኣይኽእልን' - ብሄራዊ ውድባት

Published

ሰለስተ ብሄራዊ ውድባት ትግራይ፡ ግዚያዊ መንግስቲ ንምጥያሽ ዝቖመ ኣሰናዳኢ ኮሚቴን ሓፈሻዊ መስርሕ እቲ ምጥያሽን ዝቃወም መግለጺ ኣውጺአን።

ውድብ ናፅነት ትግራይ፣ ሳልሳይ ወያነን ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይን ኣብ ዝሃብኦ ሓበራዊ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ እቲ ዝፍጸም ዘሎ ኣካይዳታት ኩሉ ካብ ውግንና ዘይጸረየን ብሓደ ውድብ ዝተዓብለለን እዩ ክብላ ነቒፈንኦ ኣለዋ።

ኣብ ትግራይ ግዚያዊ መንግስቲ ንምጥያሽ ዝቖመ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ ንኹሉ ዘሳትፍን እንተነኣሰ ብዝበዝሕ ህዝቢ ትግራይ ተቐባልነት ዝህልዎ ግዚያዊ መንግስቲ ክምስርት እየ ምባሉ ይዝከር።

እቲ ኮሚቴ ነዚ ጋዜጣዊ መግለፂ ቅድሚ ምሃቡ፡ ንመሪሕነት ሰለስቲኤን ተቓወምቲ ውድባት ረኺቡ ኣዘራሪቡ ነይሩ።

ኣቦመንበር ውድብ ባይቶና ዶክተር ፀጋዘኣብ ካሕሱ፡ ሽዑ ንዘልዓልናዮም ሕቶታት ግቡእ መልሲ ኣይተወሃበናን ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“መሰረታዊ ሕቶታት ሓቲትና ማለት እዩ። እንታይ እዩ? ብምንታይ ሕጊ ኢኹም ተጣይሽኩም? መን ኢልና ኢና ክንቅበለኩም? ብኸመይ ኢኹም ተጣይሽኩም? ዝብሉ ሕቶታት ኢና ኣቕሪብናሎም” ይብል ዶክተር ፀጋዘኣብ ካሕሱ።

ብዝተኸኣለ መልሲ ክህቡ ከም ዝፈተኑ፡ እንተኾነ ግን “ዘዕግብ ወይ ምኽንያታዊ ዝኾነ” መልሲ ከም ዘይረኸቡ ወሲኹ ተዛሪቡ።

“ህወሓት በይኑ ዘጣየሾ ከም ዝኾነ ኢና ተረዲእና” ይብል።

ምስቲ ኮሚቴ ንምርድዳእ ድልዋት ከምዝነበሩ ዝሓበረ እቲ ኣቦመንበር፡ ድልዋት ክኾኑ ብዘይምኽኣሎም ግን ብዝብል ተስፋ ከምዝቖረፁ ገሊፁ።

ትማሊ ድማ ነዚ ግቡእ ዘይኮነ ዝበልዎ ምጥያሽን ምንቅስቓስን ኮሚቴ ንምንፃግ ዝዓለመ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝሃቡ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ውድብ ሳልሳይ ወያነ ኣይተ ክንፈ ሓዱሽ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

“እቲ መሰረታዊ ጠለብና እንታይ እዩ፡ ናይ ትግራይ ጉዳይ ብሓደ ወገን ክውሰን ኣይኽእልን። ኩሎም ፖሊቲካዊ ሓይልታት ዝሳተፉሉ ናይ ሓባር መድረኽ ክፍጠር ክኽእል ኣለዎ” ኢሉ።

ኣይተ ክንፈ ወሲኹ፡ “ሓደ ውድብ ከም ድልየቱ ዝውስነሉ ከይዲ ኣየዋጽእን፤ ኣይጠቅምን” ብምባል ናይ ኩሎም ተጋሩ ሓሳብ ዝሓቁፍን ዘካትትን መድረኽ ክፍጠር ጸዊዑ።

ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ግዚያዊ መንግስቲ ብምጥያሽ ናብ ህዝቢ ወግዓዊ ከምዝገብር ኣፍሊጡ’ዩ።

ኣካቢ እታ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ “ውድባት ፖለቲካን ካልእ ክፋል ማሕበረሰብን ዘሳትፍ መንግስቲ ክነጣይሽ ኢና። ነዚ ካብ ምግባር ደው ኣይክንብልን” ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ ነይሩ።

ዶክተር ፀጋዘኣብን ክንፈን ግን፡ እቲ ፀገም ኣብ ምጥያሽ እቲ መንግስቲ ዘይኮነስ ካብ ምቛም እቲ ኮሚቴ ኮሚቴ እዩ ዝጅምር ይብሉ።

“እቲ ከይዲ እንተዘይተዓርዩ እቲ ውጽኢት’ውን ክዕረ እይኽእልን” ክብል ዶክተር ፀጋዘኣብ አቲ ሓቛፍነት ካብ ምስረታ እቲ ኮሚተ ክጅምር ከም ዝነበሮ ገሊጹ።

“እዚ መሰረታዊ ስሕተት ይመስለኒ፡ እቲ ክነሳትፍ ኢና ዝብል ዘሎ ኣካል መን’ዩ እዩ” ዝብል ኣይተ ክንፈ እቲ ኮሚተ ዘይሻራዊ ኣካል ከም ዘይኮነ ኣመልኪቱ።

መሪሕነት ውድባት ባይቶናን ሳወትን፤ ነቶም ሕቶታት መልሲ ከይሃብካን ንኹሉ ዘሳትፍ መድረኻት ከየዳለውካን ከምቲ ዝብሃል ኣብ ሓፂር ግዜ ዝቐውም መንግስቲ ክህልው ዘይሕሰብ እዩ ኢሎም ኣለዉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ።

ዶክተር ፀጋዘኣብ “በቲ ዝኸድዎ ዘለዉ ኣካይዳ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ቅቡልነት ዘለዎ መንግስቲ ክጣየሽ እዩ ዝብል ንዓይ ከቢድ እዩ ክኸውን። እንተተጣየሸ’ውን ምንም ክሰርሕ፡ ምንም ክፍጽም ዘይኽእል፡ ሽማዊ ዝኾነ መንግስቲ እዩ ክኾን” ኢሉ።

ኣይተ ክንፈ ብወገኑ፡ “ኩሉ ትግራዋይ፡ ህዝብና ዝደልዮ ዓይነት መንግስቲ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክምስረት ይኽእል እዩ ዝብል እምነት” ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።

ኣብ ኣቃውማ ኮሚቴን መስርሕ ምጥያሽ ግዚያዊ መንግሰትን ተቓውሞአን ዘስምዓ ውድባት ሳወት፣ ባይቶናን ውናትን ኣብ ቀረባ እዋን ኣማራፂ ዝበልኦ ሰነድ ናብ ህዝቢ ወግዓዊ ክገብራ ምዃነን ኣብቲ ዝሃብኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሊጠን ኣለዋ።