ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰራዊታ ንዝቐረበ ክስታት ኣምነስቲ ነጺጋ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል "ዘይተረጋገጸ ክስታት" ክብል ነጺግዎ።
እቲ ትካል፡ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ብድሕሪ’ቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኣብ ትግራይ ጾታዊ ባርነት፡ ቅትለትን ካልእ ከቢድ ጥሕሰትን ከምዝፈጸሙ ከሲሱ'ሎ።
እቲ በደላት ገበናት ኲናት ከምኡ’ውን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ሓድሽ ጸብጻብ ኣምነስቲ የመልክት።
እቲ፡ "ባህልን ስነምግባርን ዘለዎ ሰራዊት እዩ" ዝበለ ቀዋሚ ሚሽን ኤርትራ ኣብ ኒውዮርክ፡ ብሰሉስ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣምነስቲ ዘቕረቦ ሓበሬታ ብመጽናዕቲ ዘይኮነስ "ኣብ ናይ ሳልሳይ ኣካል ምንጭታት" ዝተመስረተ'ዩ ክብል ንኣገባቡ ብምንቃፍ ሓቅነት ዘይብሉ እዩ ኢሉ።
"ኣምነስቲ፡ ካብ ርሑቕ ወይ ብማዕዶ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትታት ተሞርኲሱ፡ [ሓቅነት ናይቲ ሓበሬታ] ዘረጋግጸሉ ኣገባብ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘካየዶ መጥቃዕቲ'ዩ።"
እቲ ክስታት ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን "ኣብ ዘየቋርጽ ቅርሕንቲ ንምንባርን ጽልእ ንምፍጣርን" ዝዓለመ ምዃኑ'ውን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
"እቲ ዘየቋርጽ ፈተነታት ሰብረብሓ ሓይልታት ወጻኢ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ነቓዕ ንምፍጣር" ዝዓለመ'ዩ ብምባል "እቲ ጸብጻብ ብዘፈንፍን ሓሶታትን ምድንጋራትን ዝተጐብአ'ዩ" ኢሉ።
ነቲ ኣብ ኤርትራ "ለውጢ ስርዓት" ንምምጻእ ይሰርሕ ነይሩ ክብል ዝኸሰሶ ተሓላቒ ጕጅለ፡ ሰብኣዊ ዝኾነ ስራሕ ብምፍጻም ሰላምን ዕርቅን ከደንፍዕ ኣለዎ ክብል ተማሕጺኑ።
ኣምነስቲ ግን ካብ ጥብቅና መሰላት ሓሊፉ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ሃገራት ኢዱ ከምዘየእቱ'ዩ ዝምጕት።
ነዚ ግህሰት እዚ ተሓታትነት ክረጋገጽ ዝሓተተ ኣምነስቲ፡ ኣብቲ ኲናት ሓድሕድ ንዝተፈጸሙ ተግባራት ንምጽራይ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቘመ ጕጅለ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ዕድመ ስልጣኑ ክናዋሕ ሓቲቱ’ሎ።
ስልጣኑ ኣብ መስከረም ዝዛዘም እቲ ኮሚሽን፡ ኣብቲ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጾታዊ ግህሰት፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ኢደወነናዊ ቅትለትን ጥምየትን ከም መሳርሒ ኲናት ከምዘገልገሉ ኣብ ፈላማይ ጸብጻቡ ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር።
ኣምነስቲ፡ ካብ 15 መስከረም ክሳብ 22 ጥቅምቲ 2015 [ኣ. ግ] ኣብ ዝነበረ እዋን እንዳ ማርያም ሸዊቶም ኣብ ዝተበሃለት ወረዳ ብውሕዱ 20 ነበርቲ ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ ዝርከብዎም ብሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ከምዝተቐትሉ፡ ካብ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ብህይወት ዝተረፉን ስድራ ግዳያትን ከምዝሰምዐ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዝተጠቐሰ እዋን ኣብታ ወረዳ ብሰራዊት ኤርትራ ናይ ዝተቐትሉ 100 ነበርቲ ዝርዝር ኣስማት ዝመዝገበ ሰራሕተኛ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ እቲ ሓበሬታ ከምዝሃቦ ዝገለጸ ኣምነስቲ፡ ነቲ ቅትለት ካብ ርሕቀት ከረጋግጾ ከም ዘይከኣለ ኣፍሊጡ።
ካብ ጾታዊ ዓመጽ ዝደሓና ከምኡ’ውን ናይቲ ቅትለት መሰኻኽር ዓይኒ ነቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ከምዝሓበርዎ፡ ነቶም ወተሃደራት ብወተሃደራዊ ክዳኖም፡ ብዝዛረብዎ ላህጃ ቋንቋ ትግርኛን ብዝሓተትዎ ሕቶታትን እዮም ኤርትራውያን ምዃኖም ክፈልይዎም ክኢሎም።
እተን ጥሕሰት ዝተፈጸመለን፡ ኮኾበ ጽባሕን ማርያም ሸዊቶን ዝበሃላ ከባቢታት ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ ዝርከባ ኮይነን፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ነበርቲ ነቶም ወተሃደራት ኤርትራ ብቐሊሉ ከለልይዎም ከምዝኽእሉ ገሊጾም።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

