'ወተሃደራት ኤርትራ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኣብ ትግራይ ጾታዊ ባርነትን ቅትለትን ፈጺሞም' - ኣምነስቲ

ስድራ ግዳያት ኲናት ኣብ ሓዘን [ኣብ እዋን ኲናት]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ብድሕሪ’ቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኣብ ትግራይ ጾታዊ ባርነት፡ ቅትለትን ካልእ ከቢድ ጥሕሰትን ከምዝፈጸሙ ኣፍሊጡ።

ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝፈጽምዎም ጥሕሰታት፡ ገበናት ኲናት ከምኡ’ውን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን ከምዝኽእል ሓድሽ ጸብጻብ ኣምነስቲ የመልክት።

ቅድሚን ድሕሪን ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ዝነበሩን ዘለዉን ወተሃደራት እታ ግረቤት ሃገር ጥሕሰት ምፍጻሞም ከምዝቐጸሉ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ።

ኣምነስቲ 'ሎሚ ይኹን ጽባሕ፡ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ክቐርቡ ኣለዎም' [Today or tomorrow, they should be brought before justice] ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ፡ እቶም ብወተሃደራት ኤርትራ ዝፍጸሙ ዝበሎም ጥሕሰታት ከም ምድፋር፡ ንደቂኣንስትዮ ንኣዋርሕ ባሮት ጾታዊ-ርክብ ምግባር፡ ኢደወነናዊ ቅትለትን ምዝማትን ዘጠቓለሉ እዮም።

ነዚ ግህሰት እዚ ተሓታትነት ክረጋገጽ ዝሓተተ ኣምነስቲ፡ ኣብቲ ኲናት ሓድሕድ ንዝተፈጸሙ ተግባራት ንምጽራይ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቘመ ጕጅለ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ዕድመ ስልጣኑ ክናዋሕ ሓቲቱ’ሎ።

ስልጣኑ ኣብ መስከረም ዝዛዘም እቲ ኮሚሽን፡ ኣብቲ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጾታዊ ግህሰት፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ኢደወነናዊ ቅትለትን ጥምየትን ከም መሳርሒ ኲናት ከምዘገልገሉ ኣብ ፈላማይ ጸብጻቡ ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር።

ኣምነስቲ፡ ካብ 15 መስከረም ክሳብ 22 ጥቅምቲ 2015 [ኣ. ግ] ኣብ ዝነበረ እዋን እንዳ ማርያም ሸዊቶም ኣብ ዝተበሃለት ወረዳ ብውሕዱ 20 ነበርቲ ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ ዝርከብዎም ብሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ከምዝተቐትሉ፡ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ብህይወት ዝተረፉን ስድራ ግዳያትን ከምዝሰምዐ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዝተጠቐሰ እዋን ኣብታ ወረዳ ብሰራዊት ኤርትራ ናይ ዝተቐትሉ 100 ነበርቲ ዝርዝር ኣስማት ዝመዝገበ ሰራሕተኛ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ እቲ ሓበሬታ ከምዝሃቦ ዝገለጸ ኣምነስቲ፡ ነቲ ቅትለት ካብ ርሕቀት ከረጋግጾ ከም ዘይከኣለ ኣፍሊጡ።

እቶም ወተሃደራት ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ሰላም ኣብ ወረዳ ኮኮብ ጽባሕ ንደቂ ኣንስትዮ ካብ ምድፋርን ባሮት ጾታዊ ርክብ ካብ ምግባርን ብተወሳኺ፡ 24 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ተገሊጹ’ሎ።

"እቲ ግጭት ንሓዋሩ ንምቍራጽ ስምምዕ'ኳ እንተተፈረመ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ግፍዒ ይቕጽል ኣሎ። ወተሃደራት ኤርትራ ንደቂ ኣንስትዮ ምድፋር፡ ንጾታዊ ባርነት ምቅላዕ፡ ብጉጅለ ምድፋርን ዘስካሕክሑ መጥቃዕቲታትን ፈጺሞም። ሰላማውያን ደቂ ተባዕትዮ'ውን ተቐቲሎም" ክብል ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ዞባዊ ዳይረክተር ኣምነስቲ - ቲገሬ ቻጉታህ ተዛሪቡ።

ኣምነስቲ ኣብ ጸብጻቡ ዘስፈሮም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ግህሰታት ከም ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ክቝጸሩ ከምዝኽእሉ የመልክት።

ካብ ጾታዊ ዓመጽ ዝደሓና ከምኡ’ውን ናይቲ ቅትለት መሰኻኽር ዓይኒ ነቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ከምዝሓበርዎ፡ ነቶም ወተሃደራት ብወተሃደራዊ ክዳኖም፡ ብዝዛረብዎ ላህጃ ቋንቋ ትግርኛን ብዝሓተትዎ ሕቶታትን እዮም ኤርትራውያን ምዃኖም ክፈልይዎም ክኢሎም።

እተን ጥሕሰት ዝተፈጸመለን፡ ኮኾበ ጽባሕን ማርያም ሸዊቶን ዝበሃላ ከባቢታት ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ ዝርከባ ኮይነን፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ነበርቲ ነቶም ወተሃደራት ኤርትራ ብቐሊሉ ከለልይዎም ከምዝኽእሉ ገሊጾም።

ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ዝተሳተፈ ሰራዊት ኤርትራ፡ ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻምን ትሕተ ቕርጺ ብምዕናውን ይኽሰስ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ነቶም ክስታት ይነጽጐም።