ሆስፒታል ቓዛ ምዉታት ክቐብር ኣይከኣለን - ሕቡራት ሃገራት

ሆስፒታል ኣል-ሺፋ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

Published

ኣብቲ ብሰንኪ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣሻሓት ተዓቚቦምሉ ከምዝኾኑ ዝእመን ሆስፒታል ቓዛ ኣል-ሺፋ፡ ዝበስበሱ ሬሳታት ይእከቡ ከምዘለዉ ሰብመዚ ሓቢሮም፡፡

ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ሕጽረት ነዳድን ዘጋጥሞ ዘሎ ሆስፒታል ‘‘ዳርጋ ናብ ናይ መቓብር ቦታ’’ ከምዝተቐየረ ገሊጹ፡፡

ኣመሓዳሪ እቲ ሆስፒታል ድማ ኣል-ሺፋ ኣብ ትሕቲ ‘‘ዕጽዋ’’ ከምዘሎን ኣኻልብ ሬሳታት ምብላዕ ከምዝጀመሩን ተዛሪቡ፡፡

ካብ ቀረባ መዓልቲታት ጀሚሩ ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል ከቢድ ውግእ ይካየድ ኣሎ፡፡

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ ነቲ ሆስፒታል ‘‘ዝህውኹ ስጉምቲታት ክቕንሱ’’ ተስፋ ከምዝገብርን እቲ ሆስፒታል ሓለዋ ክግበረሉ ከምዝባእን ገሊጹ፡፡

ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ መንጎ ሓይታት እስራኤልን ሓማስን ከቢድ ውግእ ዝካየድ ዘሎ ኾይኑ፡ መብዛሕትኡ ጎንጺ ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል ኣብ ዘሎ ጎደና እዩ ዝቕጽል ዘሎ፡፡ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ኣፍደገ እቲ ሆስፒታል ታንክታትን ድሩዓት መኻይንን ከምዘለዋ ጸብጻባት ይልገጹ፡፡

ሓማስ ኣብ ትሕቲ መሬት እቲ ሆስፒታል ኣብ ዝሰርሖ ጋለርያታት ናይ እዝን ቁጽጽርን ስራሕቲ የካይድ ኣሎ ክትብል እስራኤል ትኸስስ፡፡ ሓማስ ግና ነዚ ክሲ ይነጽጎ፡፡ እስራኤል ነቲ ንቓዛ ዘመሓድር ጉጅለ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝግበሩ መፍትሒታት ብምትዕንቓፍ እውን ትኸሶ፡፡

ኣብ ጥቓ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ውግእ ከምዘሎ ዝኣምን ሰራዊት እስራኤል፡ ናብቲ ሆስፒታል ብቀጥታ ከምዘይትኩሱ፡ ከምኡ እውን ዝደለየ ሰብ ካብቲ ሆስፒታል ክወጽእ ከምዝኽእል ብምግላጽ ኣብቲ ሆስፒታል ዝተነበረ ዕጽዋ ከምዘየለ ገሊጹ፡፡

ወሃቢ ቃል ውድብ ጥዕና ዓለም ክርስትያን ሊንድመየር፡ ኣብቲ ሆስፒታል ኣስታት 600 ሰባት ከምዘለዉን ካልኦት ድማ ኣብቲ ኮሪደራት ተዓቚቦም ከምዝርከቡን ገሊጹ፡፡

እቲ ወሃቢ ቃል ‘‘ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል ክለዓሉ ወይ ክቕበሩ ወይ ናብ መቕበሪ ቦታ ክውሰዱ ዘይተኽኣለ ሬሳታት ኣለዉ’’ ኢሉ፡፡

‘‘እቲ ሆስፒታል ከምቲ ዝግበኦ ፈጺሙ ኣይሰርሕን ዘሎ፡፡ ዳርጋ ናይ መቓብር ቦታ እዩ ኮይኑ’’

ብሓማስ ዝሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ኣስታት 650 ተሓከምቲ፣ ካብ 200 ክሳብ 500 ሰራሕተኛታትን ኣስታት 1500 መዕቆቢ ዝደልዩን ብሓፈሻ ብውሑድ 2300 ሰባት ከምዘለዉ ይገልጽ፡፡

ኣብቲ ሆስፒታል ሬሳታት ይእከብን ይብስብስን ከምዘሎ እዮም ዶኳትር ዝዛረቡ፡፡ ኣካይዲ ስራሕ ኣል-ሺፋ ዶ/ር መሓመድ ኣቡ ሰልምያ፡ ኣብቲ ሆስፒታል 150 ሬሳታት ይብስብሱ ከምዘለዉን ‘‘ሕማቕ ጨና’’ ከምዝተፈጠረን ገሊጹ፡፡

ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ሰብመዚ እስራኤል እቶም ሬሳታት ካብቲ ሆስፒታል ክወጹ ፍቓድ ከምዘይሃቡን፡ ኣብዚ እዋን ኣኽላብ ናብ ምድሪ ቤት እቲ ሆስፒታል ብምእታው ሬሳታት ምብላዕ ከምዝጀመሩን ተዛሪቡ፡፡

ዕጫ ናይቶም ብሰንኪ ምቁራጽ መብራህቲ ኣብ መሞቒ (ኢንኩቤተር) ክጸንሑ ዘይከኣሉ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣብ ዘይመዓልቶም ዝተወለዱ ዕሸላት እውን ኣሻቓሊ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ካብዚኦም እቶም ሸውዓተ ብሕጽረት ኦክስጅን ከምዝሞቱ እዩ ዶ/ር ሰልሚያ ዝገልጽ፡፡

ነቶም ህጻናት ካብቲ ሆስፒታል ንምውጻእ ምስ ሰብመዚ እስራኤል ድርድር ከምዝተኻደን እንተኾነ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዘይተኽኣለን እውን ሓቢሩ፡፡

ላዕለዋይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዝኾነ ማርክ ረገቭ ግና፡ እስራኤል ነቶም ህጻናት ንምውጻእ ‘‘ተግባራዊ ፍታሕ’’ ከምዘቕረበት ብምሕባር ሓማስ ነቲ ፍታሕ ኣይተቐበሎን ክብል ከሲሱ፡፡

ኣል-ሺፋ ሓዊሱ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከባ ሆስፒታላት ብሰንኪ እቲ ኲናትን መጥቃዕቲ ሓማስ ስዒቡ እስራኤል ኣብታ ግዝኣት ዘንበረቶ ዕጽዋን ንሕጽረት ቀረብን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ከምዝተቓለዓ ይገልጻ፡፡