"መጥቃዕቲ ሆስፒታል ጋዛ ብሓማስ ዝተፈጸመ’ዩ "፡ ፕረዚደንት እስራኤል

ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ፡ እስራኤል ኣብ ዓቢ ሆስፒታል ጋዛ መጥቃዕቲ ተካይድ ኣላ ዝብል ክሲ ነጺጉ።
ካብ ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ዝወጹ ጸብጻባት፡ እቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን ዘዕቁብ መሳለጥያ፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዝወድአ ይሕብሩ።
ፕረዚደንት ሄርዞግ ግን ኣብቲ ሆስፒታል "ኩሉ ነገር ይሰርሕ ኣሎ" ኢሉ።
ንሱ፡ ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ኣብ ሬሳ ናይ ኣባል ሓማስ ቅዳሕ ናይ ኣዶልፍ ሂትለር ‘ሜይን ካምፕፍ’ ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝተረኸበ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እታ ብመራሒ ናዚ ኣዶልፍ ሂትለር ዝተጸሓፈት ማኒፌስቶ ጸረ-ሴማውያን ንመጀመርታ ግዘ ብ1925 እያ ተሓቲማ።
ቅዳሕ ናይዛ መጽሓፍ ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ምርካቡ፡ ገለ ኣባላት ሓማስ "ናይ ኣዶልፍ ሂትለር ስነ-ሓሳብ ጽልኢ ኣይሁድ ደጋጊሞም ከም ዝተማህሩ" ዘርኢ'ዩ ክብል ተዛሪቡ።
ኣቐዲሙ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ምስ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ዝነበሮ ርክብ ከም ዝተቛረጸን ሰራሕተኛታትን ሕሙማትን ኣብ ደገ ብዝካየዱ ዘለዉ ጐንፅታት ተዓጽዮም ከም ዘለዉን ገሊጹ ነይሩ።
ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ገብረየሱስ ድሒሩ እቲ ርክብ ዳግማይ ከም ዝቐጸለ’ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ውሽጢ ግን "ዘስካሕክሕ" ኵነታት ከምዘሎ ኣጠንቂቑ። እቲ ሆስፒታል ንሰለስተ መዓልታት ብዘይ ኤሌክትሪክን ማይን ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ፡ ተኹሲ ደው ክብል ዘቕረቦ ጻውዒት ደጋጊሙ ኣቕሪቡ።
ሓካይምን ሚኒስትሪ ጥዕና ጋዛን፡ ሕጽረት ነዳዲ፡ ማለት ሕሙማት መጥባሕቲ ክግበረሎምን ንቅድሚ ግዜኦም ዝውለዱ ህጻናት ዝዀኑ መሞቒታት ክሰርሑ ከም ዘይኽእሉን ገሊጾም’ዮም። እቲ ፕረዚደንት ግን ነዚ ነፂግዎ።
"እዚ ብፍጹም ሓቂ ኣይኰነን፡ ብሓማስ ዝተፈጥረ ብዙሕ ምዝንባዕ ኣሎ... ኣብ ሽፋ ግና ኤሌክትሪክ ኣሎ፡ ኩሉ ነገር ይሰርሕ ኣሎ" ይብል።
እስራኤል፡ ሓማስ ኣብ ትሕቲ ህንጻ እቲ ሆስፒታል መደበር ከም ዘለዎ እያ ትገልፅ፡ ሓማስ ግና ነዚ ክሲ ይነጽጎ።
እስራኤል ኣብቲ ኵናት ዝሃበቶ ምላሽ ዘይመጣጠን ድዩ ንዝብል ሕቶ እቲ ፕረዚደንት፡ "ብመሰረት ሕግታት ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕጊ ኢና ንሰርሕ። ንነፍሲ ወከፍን ንኹሉ ሲቪል ነጠንቅቕ፡ ምኽንያቱ ኣባይቶም መደበር ግብረራዕዲ ኰይኑ ኣሎ" ክብል መሊሱ።
ወሲኹ ድማ፡ "ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ዘሕዝኑ ፍጻመታት ኣለዉ። ኣይንኽሕዶምን ኢና። ብሓቂ ግን ብዙሓት ካብቶም ዘሕዝኑ ፍጻመታት ብሓማስ ዝተፈጸሙ እዮም፡ ከምቲ ትማሊ ኣብ ሆስፒታል [ኣል-]ሺፋ ብቦምባታት ዝፈጸምዎ እምበር እስራኤል ኣይኰነትን" ኢሉ።
ብዛዕባ ካብ ፕረዚደንት ፈረንሳይ ማክሮን ሓዊሱ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጻውዒታት ምቁራጽ ተኹሲ ዝተሓተተ እቲ ፕረዚደንት፡ እስራኤል ድሕሪ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ንነብሳ ናይ ምክልኻል መሰል ከም ዘለዋ’ዩ ኣረጋጊጹ።
"ብርግጽ መሻርክትና ዝብልዎ ንሰምዕ ኢና፡ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ግና ንነብስና ኢና ንከላኸል" ኢሉ።
ኣብ ጋዛ ሞት ሲቪላት ከም ዘጋጠመ እኳ እንተኣመነ፡ ንብዙሕ ካብቲ ዘሕዝን ፍጻመታት ግና ንሓማስ ወቒሱ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ፍልስጤም ኣብ ጋዛ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ልዕሊ 11 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ኣፍሊጡ። ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ሰባት’ውን ከም ዝተመዛበሉ ትካል ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት ይገልጽ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
