ሓሙሽተ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ልምምድ ነፋሪት ብዘጋጠመ ሓደጋ ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ኣብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሄሊኮፕተር ሓሙሽተ ኣባላቱ ከምዝሞቱ ሰራዊት ምክልኻል ኣሜሪካ ሓቢሩ።
እታ ነፋሪት ከም ኣካል ስሩዕ ልምምድ ነዳዲ ኣብ እትመልኣሉ ዝነበረት እዋን እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠማ ተገሊፁ።
ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብቲ ዞባ ብዙሓት ስርሒታት ተካይድ ምህልዋ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቶም ግዳያት ክብሪ ብምሃብ፡ ኣባላት ሰራዊት "መዓልታዊ ንሃገርና ህይወቶም ይህቡ ኣለዉ" ኢሉ።
"ንስድራቤት ኩሎም ዝወደቑ ተዋጋእትና ሎሚን መዓልታዊን ንጽሊ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ወተሃደራዊ መግለጺ፡ እታ ነፋሪት ካበይ ከም እተበገሰትን እቲ ሓደጋ ብፍሉይ ኣበይ ከም ዘጋጠመን ኣይነፀረን።
ኣመሪካ ግን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክልተ መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ ከምኡ’ውን መራኽብን ጀትን ናብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ምግዓዛ ይዝከር።
እዚ ምውፋር፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝፍጠር ግጭት ካልኦት ኣካላት ናይቲ ዞባ ክስሕብ ከምዝኽእል ኣመሪካውያን ዝሓደሮም ስክፍታታት ዘንጸባርቕ እዩ።
ኣመሪካ፡ ሓያል ምንቅስቓስ ሂዝቦላህ ስዒቡ፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ካብ ኣንፈት ሊባኖስ ናብቲ ግጭት ከይጽንበር ክትዓግት ድሌት ኣለዋ።
ጉጅለ ሓማስ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ኰይኑ ብኢራን ዝምወልን ዝዓጥቕን እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
