ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ፡ ካብ ብራናታት ክሳብ 'ባሕረ ሓሳብ' ዘይነጽፍ ኣሰር ዝሓደጉ ሊቅ

ምንጪ ስእሊ, Samra Y.
'ሓደ ምሁር ክመውት ከሎ፡ ምስኡ ሓደ ምሉእ ቤተ መጻሕፍቲ ከም ዝነደደ ይሕሰብ፡' ዝብል ጥንታዊ ምስላ ኣሎ። ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ ግን ነዚ ስዒሮሞ እዮም፤ ቅድሚ ምስንባቶም፡ ኣብ ውሽጦም ንዝነበረ ዓቢ ቤተ መጻሕፍቲ፡ ኣብ ወረቐት ብምስፋር ንመጻኢ ወለዶ ኣተሓላሊፎሞ።
ብ23 ሓምለ 2026፡ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ፍሉያት ሊቃውንታ ከሲራ።
ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ፡ ተራ "ጸሓፊ ታሪኽ" ጥራሕ ኣይነበሩን። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ዘመናዊ ትምህርቲ ደንጒዩ ዝኣተወለን ሃገራት፡ እቲ ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ገዳማትን ሃይማኖታውያን ትካላትን ተዓቝሩ ዝጸንሐ ሃብቲ ፍልጠት፡ ምስ ዘመናዊ ምርምር ዝተኣሳሰረሉ "ህያው ድልድል" እዮም ነይሮም።
ኣብ ኤርትራ፡ ቅድሚ ዘመናዊ ቤት ትምህርቲ ምስፍሑ፡ ገዳማት እተን እንኮ ማእከላት ስነ-ፍልጠትን ፍልስፍናን እየን ነይረን።
ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ፡ ነዚ ኣብ ብራናታትን ብቛንቋ ግእዝን ተሓቢኡ ዝጸንሐ ዓቢ ምህደር ፍልጠትን፡ ናብ ቋንቋ ትግርኛን ዘመናዊ ስነ-መጐትን ብምቕያር ዓቢ ሃገራዊ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሊቅ እዮም።
ንሶም እቲ ንዘመናት "ዝተዓጽወ" ጥንታዊ ቤት መጻሕፍቲ ናብዚ ዘመናዊ ወለዶ ዘረከቡ ሓላዊ መፍትሕ እዮም ነይሮም።
ካብ ገዳማት ክሳብ ዘመናዊ ምርምር
ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ በርሀ፡ ብ1950 ካብ ኣቦኦም ባላምበራስ በርሀ ገብረማርያምን ኣደኦም ወይዘሮ ዘውዲ ወልዱን ኣብ ዓዲ እምባ ምድሓን (ከባቢ ሰገነይቲ) ተወልዱ።
ዕድሚኦም ንትምህርቲ ኣብ ዝበጸሓሉ፡ ካብ 1957 ጀሚሮም ኣብ ከባቢ ዓዶም ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ማይ ጻዕዳ መባእታዊ ትምህርቶም ቀሰሙ። እቲ ዝያዳ ዘደንቕ ዝገብሮ ግን፡ ገና ወዲ 11 ዓመት ከለዉ ፍልጠት ንምኽዕባት ዘርኣይዎ ተወፋይነት እዩ።
ነዚ ናይ ፍልጠት ጽምኣቶም ንምርዋይ ድማ ናብ ዝተፈላለዩ ኵርናዓት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣምሪሖም እዮም። ኣብ ትግራይን ጐንደርን ኣብ ዝርከቡ ገዳማትን ኣድባራትን ብምብጻሕ፡ ካብቶም ዝለዓሉ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ዜማ፡ ቅዳሴ፡ ኣቋቋም፡ ቅኔን ትርጓሜን ብዕምቈት ቀሲሞም።
ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ፡ ንመንፈሳዊ ኣገልግሎትን ህዝባዊ ምሕደራን ብጥበብ ዘወሃሃዱ ሊቅ እዮም። ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ሓያሎ ካህናትን ዲያቆናትን ዘፍረዩ ኰይኖም፡ ኣብ ህዝባዊ ምሕደራ ድማ ካብ ተራ ጸሓፊ ክሳዕ ተሓጋጋዚ ዋና ኣመሓዳሪ ቤተ-ክርስትያን በጺሖም።
ጐድኒ ጐድኒ ጻዕቂ ስራሕ ድማ ክሳዕ ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝተማህሩ ኰይኖም፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ መንበረ ጵጵስናን መንበረ ፓትሪያርክን ኣብ ላዕለዋይ ሓላፍነት ኣገልጊሎም።
ንነዊሕ ዓመታት ብ"መርጌታ" ይጽውዑ ነበሩ። እዚ መዓርግ'ዚ ንሓደ ኣብ ዜማን ቅኔን ዘመስከረ ሊቅ ዝወሃብ ንቡር ስም እዩ። ይዅን'ምበር፡ እቲ ንሶም ዘካየድዎ ናይ ፍልጠት ጕዕዞ ካብዚ ንላዕሊ ነበረ።
ብ2001 "ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ" እትብል መጽሓፎም ምስ ተሓተመት፡ ኣብ መንጎ ኣቦታት ጳጳሳትን ሊቃውንትን ዓቢ ኣድናቖት ረኸቡ።
እታ መጽሓፍ ንታሪኽ ጥራሕ ኣይኰነትን ኣቕሪባ፤ ንታሪኽ ምስ ስነ-መጐት፡ ምስ ፖለቲካዊ ኵነታትን ማሕበራዊ ለውጥታትን ኣዛሚዳ ስለ ዝቐረበት፡ "መርጌታ" ዝብል መጸውዒ ንፍልጠቶም ከም ዘይመጥኖ ተሰማምዑ።
በዚ ድማ፡ "ዘውገ ምሁራን" (መዘና ሊቃውንቲ ወይ ካብ ወገን ምሁራን ዝተጸምበረ) ዝብል ፍሉይ ናይ ክብሪ መጸውዒ ተዓደሉ—እዚ ድማ ንሶም ካብ ሓደ ሃይማኖታዊ ሊቅ ንላዕሊ፡ ሃገራዊ ናይ ፍልጠት መወከሲ ምዃኖም ዘመስከረ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Samra Y.
'ምፍራይ ፍልጠት' ከም ማእከል ምርምር
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኩዊንስ ካናዳ ሕጹይ ዶክተር ታሪኽ ሳሙኤል ኣምሃ፡ ብዛዕባ ዕምቈት እታ ብ2001 ዝተሓተመት ናይ መጀመርታ መጽሓፎም ክዛረብ ከሎ፡ "ነቲ ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ጥንታዊ መዋእል (late antiquity)፡ ክፋል ኮንፈደረሲ ኣክሱም ዝነበረ ክፍልታት ኤርትራ ንምርዳእ ብትግርኛ ካብ ዝተጻሕፉ መጽሓፍቲ ዝበለጸ ኰይኑ እዩ ዝርኣየኒ፡" ይብል።
ከም ርእይቶ ሳሙኤል፡ እቲ መጽሓፍ ዘይከምቲ ኣብ "ዜና-መዋእላት ነገስታት" ዝርአ ትረኻታት ወራራትን ራስያን፡ "ኣብ ባህላውን ምህሮኣውን ሕብረተስባውን ታሪኻዊ ለውጥታት ዘተኰረ፡" ብምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ።
ሳሙኤል ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ ዝዓበየ ኣበርክቶ እቲ መጽሓፍ፡ "ንባህላውን ምህሮኣውን እጃም ቤተ-ክርስትያን ተዋሕዶ፡ ብፍላይ ኣብ ምፍራይ ዓለማውን ሃይማኖታውን ፍልጠት (knowledge production) ዝነበራ ኣውራኣዊ ተራ ምስናድ እዩ።"
ኣብ ቤት፡ ዓርኪ፡ ፈቃር ኣቦን መምህርን
ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ፡ ኣብ ገዝኦም ምስ ስድራቤቶም ዝነበሮም ዝምድና ፍሉይ ምንባሩ ደቆም ይምስክሩ።
ወዶም እስክንድር ይትባረኽ፡ ንኣቦኡ ከም ኣቦ ጥራሕ ዘይኰነስ ከም ዓርኩ ገይሩ ከም ዝርእዮም እዩ ዝገልጽ፣ "ብዘይ ስክፍታ ዝመስለኒ ክሓትቶ፡ ሓሳበይ ከዕልሎ፡ ወይ ርእይቶይ ክህቦ ከለኹ፡ ብኣኽብሮትን ርእሰ-ተኣማንነተይ ብዘጐልብት መንገድን ይምልሰለይ ነይሩ፡" ይብል።
ንሱ ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ ኣቦኡ ኵሉ ግዜ ካብ ኢዶም መጽሓፍ ዘይፈልዩ ዓይነት ሰብ ብምንባሮም፡ እዚ ባህሪ እዚ ንደቆም'ውን ኣብ ምንባብን ምጽሓፍን ዝያዳ ክግደሱ ደሪኹዎም እዩ።
ጓሎም ሳምራ ይትባረኽ እውን ብወገና፡ ኣቦኣ ንደቆም ብጥበብን ብፍቕርን ዝኣልዩ ርሕሩሕ ኣቦ ምንባሮም ትምስክር፣ "ኣቦና ጽቡቕ ናይ ንባብ ልምዲ ኣስሪጹ፡ ንገለ ካብ ደቁ ሞያ ጽሕፈቱ ኣውሪሱ እዩ፡" ትብል።
ንሳ ከም ጓሎም ካብ ዝቐሰመቶ ብኣብነት ክትገልጽ ከላ፡ ጌጋታት ደቂ ቤተ-ክርስትያን ንእምነት ክጸልዎ ከም ዘይግባእ ብምስላ "ላምፓዲናን ጭቃን" ይምህሩዎ ከም ዝነበሩ ትገልጽ።
እቲ ምስላ፡ እታ ላምፓዲና ኣብ ልዕሊ ጭቃ እንተ ተወልዐት እኳ ብርሃን ትህብ'ምበር ብጭቃ ኣይትጽየቕን እያ፤ እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ቃል ኣምላኽ ድማ ከምቲ ብርሃን እዩ።
እቲ ዘይተበገረ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽንዓት

ምንጪ ስእሊ, Samra Y.
ታሪኽ ዘውገ ምሁራን ካብቲ ዝጸሓፍዎ መጻሕፍቲ ንላዕሊ፡ እቲ ዝነበርዎ ህይወት ባዕሉ ሓደ "መጽሓፍ" እዩ።
እዞም ኣቦ፡ ብሃይማኖታውን ፖለቲካውን ምኽንያታት ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ከቢድ ማእሰርቲ ዘጓነፎም ኰይኖም፡ ታሪኽ ሕይወቶም ብፈተናታት ዝተመልአ ነበረ።
እቲ ቀዳማይ (1997-1999) ምስ ምምስራት መንበረ ፓትሪያርክ ተተሓሒዙ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ "ምስ እምነተይ ስለ ዝጋጮ ኣብ ውድብ ህግደፍ ኣይሕወስን፡" ብምባሎም ከቢድ መርመራን ማእሰርትን ኣሕሊፎም እዮም።
እቲ ካልኣይ ድማ ምስቲ ኣብ መንጎ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስን መንግስትን ዘጋጠመ ዘይምርድዳእ ተተሓሒዙ፡ ካብ 21 መስከረም 2005 ጀሚሩ ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ እቲ ሰብነት ኣብ ጸቢብ ክፍሊ ተዓጽዩ ከሎ፡ ሕልናኦም ግን ካብ ዓለምለኻዊ ምርምር ኣይበዀረን።
ተመራማሪ ነገረ እምነትን ታሪኽን ኣብ ዩኒቨርስቲ ርሁር ቦኹም ጀርመን በረኸት ዕቝባጽዮን ነዚ ክገልጽ ከሎ፡ "እቲ ፍልጠቶም ምስቲ ዝወረዶም ማእሰርቲ ኣነጻጺርካ ክትርእዮ ኣድላዪ እዩ። ብእኡ ሕልናኦም ኣየዕረቡን፤ ብዝሓየለ ናህሪ'ኳ ደኣ መጽሓፍቲ ኣፍርዮሙልና፡" ይብል።
በረኸት ከም ዝገለጾ፡ ዘውገ ምሁራን ካብቲ ሽምደዳ ዝበዝሖ ያታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ወጺኦም፡ ንጥንታውያን ሊቃውንቲ ከጽንዑ ከለዉ ዘመናዊ መልክዕ ምርምር እዮም ዘልብሱዎ ነይሮም።
ንኣብነት፡ ብ2019 "ትውፊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ" ብምሕታም ነቲ ያታዊ ስርርዓት ብምስናድ ስነ-ፍልጠታዊ መልክዕ ከትሕዙዎ ከለዉ፡ ብ2020 ድማ "መጽሓፈ ኣቡነ ሊባኖስ ርእሰ ገዳማውያን ኣበው" ብምድላው ነቲ ካብ ማእከላይ ዘመን ኣትሒዙ ሃሲሱ ዝነበረ ታሪኽ ገዳማት ህያው ገይሮም።
እዚ ዓመታት ማእሰርቶም ንደቆምን ደቂ ደቆምን ክህቡዎ ዝግባእ ዝነበረ ግዜ ከም ዓቢ ሃጓፍ ዝቝጸር ምንባሩ ሳምራ ትገልጽ።
እስክንድር ብወገኑ ኣብቲ 12 ዓመታት ማእሰርቶም፡ "ንሕና ጥራሕ ክንድ'ዚ እንተ ናፊቕናዮ፡ ንሱ ድማ ናይ ኵልና ናፍቖት ከመይ ገይሩ ይጸሮ ይህሉ?" ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮኡ ይመላለስ ከም ዝነበረ ይዝክር።
ይዅን'ምበር፡ ካብ ቀይዲ ድሕሪ ምውጽኦም፡ ነቲ ዝሓለፈ መሪር ግዜ ከየስተማሰሉ፡ ብፍቕርን ሕድገትን ስድራቤቶም ሓቚፎም ምጓዓዞም፡ ንዓታቶም ኰነ ንቤተ ክርስትያን ዓቢ ትምህርቲ ምንባሩ ሳምራ ትገልጽ።
ንሳ ወሲኻ ከም ዝገለጸቶ፡ ኣቦኣ "ተበዲለ" ኢሎም ከየማረሩ፡ ንዅሉ ብጸጋ ተቐቢሎም ብስቕታ ዝጓዓዙ ብዓል ዓቕሊ እዮም ነይሮም።
እስክንድር እውን፡ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ምፍልላይ ግዜ፡ ኣቦኡ ግዜ ከይወሰዱ ቀልጢፎም ምስ ስድራቤቶም ክወሃሃዱ ምኽኣሎም፡ ሓንቲ ካብተን ምስ ሰባትን ግዜን ቀልጢፍካ ናይ ምውህሃድ ብቕዓቶም ዘርእያ ኣብነት ምንባራ ይዝክር።
ካብ 'ባሕረ ሓሳብ' ክሳብ 'ልሳን ምርምር'
ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ስራሓት ዘውገ ምሁራን፡ እቲ ብ2021 ዘሕተምዎ "ሓሳበ ዘመን ዘለዓለም" ዝብል መጽሓፍ እዩ።
በረኸት ከም ዝገለጾ፡ እዚ መጽሓፍ'ዚ ነቲ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ብግእዝ ጥራሕ ተሓጺሩ ዝጸንሐን "ባሕረ ሓሳብ" (mathematical calculation of time)፡ ተራ ሰብ ክርድኦ ናብ ዝእኽል ዘመናዊ ትግርኛ ኣውሪዶሞ እዮም።
እዚ ድማ ንቛንቋ ትግርኛ ካብ "ልሳን ዕላል" ናብ "ልሳን ምርምር" ክብ ንኽብል ልዑል ተራ ከም ዝተጻወቱ ተመራማሪ ነገረ እምነትን ታሪኽን በረኸት ይምስክር።
ዕዮኦም ብምቕጻል፡ ብ2022 "ታሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኤርትራን መሪሕ ተራ ኣበርክቶኣን" ዝብል መጽሓፍ ዘርጊሖም፤ ቅድሚ ዕረፍቶም ድማ ብ2025፡ "ኣቡነ ሊባኖስ መዘና ቀዳሞት መነኮሳት ግብጽን ቀዳማይ ኣቦ መነኮሳት ሓበሻን" ብምሕታም፡ ነቲ ምስ ወጻኢ ዓለም ዝነበረ መንፈሳውን ባህላውን ርክባት ኣስፊሖም ተንቲኖሞ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Samra Y.
ሰብኣዊ ትርጕም፡ ትሕትናን ተወፋይነትን
ኣብ መወዳእታ፡ ዘውገ ምሁራን ብፍልጠቶም ጥራሕ ዘይኰነስ ብትሕትናኦም እውን ዝዝከሩ እዮም።
ሳሙኤል ኣምሃ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ ምስ ከምኡ ዝበሉ ምህራን ንተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ መጽሓፍቲ ታሪኽ እናኣዳለዉ እንከለዉ ከም ዝተላለዮምን መጽሓፎም ንታሪኽ ቅድመ ልደተ ክርስቶስ፡ ታሪኽ ኣኽሱምን ሃይማኖትን ኣውራ መወከሲ ከም ዝነበረ ይገልጽ።
"እቲ ኣገባቦም ጥንቁቕ፡ መወከሲታቶም ብተዛማዲ ገፊሕን ብዙሕነታውን እዩ። እቲ ላዝኦም (ቃናኦም) ድማ ርቱዕ እዩ፡" ክብል ይዝክሮም።
በረኸት ብወገኑ፡ ዘውገ ምሁራን ብዘመናዊ ቋንቋታት እንግሊዝኛን ጥልያንን ዝተጻሕፉ ምርምራት ንምንባብ ኣይእገሙን ከም ዝነበሩ ይገልጽ። ኣብ እርጋኖም እኳ እንተ በጽሑ፡ ኵሉ ግዜ፡ "ሓድሽ ምርምር እንታይ ኣሎ?" እናበሉ ካብ ምሕተት ዘይዓርፉ "ወትሩ ተመሃራይ ነይሮም፡" ይብል።
ኣብዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት፡ ዘውገ ምሁራን እኹል ድቃስ ከይወሰዱ ብዘይ ዕረፍቲ ኣብ ሕትመት መጻሕፍትን ምምህርናን ተጸሚዶም ከም ዝነበሩ ጓሎም ሳምራ ትገልጽ።
ዘውገ ምሁራን ይትባረኽ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሽዱሽተ ውሉዳትን እዮም።
ኤርትራ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ናይ ጥንታዊ "ሊቅነት" ድርሰትን ዘመናዊ ምርምርን ዘወሃሃዱ ምሁራታ ብምስኣና እኳ እንተ ሓዘነት፡ እቲ ዝገደፍዎ ስራሓት ግን ንመጻኢ ወለዶ ተመራመርቲ ከም ብሩህ ፋኑስ ኰይኑ ክቕጽል እዩ።
እቲ ዘይተሓተመ ሰለስተ መጻሕፍቶም (ትርጓሜ መዝሙር ዳዊት፡ መዝሙረ ክርስቶስን ዜማን) ድማ፡ መኣዛ ጽሑፎም ከይነከየን ሓሳብ ኣዳላዊ ከይተሸራረፈን ናብ ሕትመት ክበቅዕ ሃገራዊ ሓላፍነት ምዃኑ እዞም ተመራመርቲ የዘኻኽሩ።
እዛ ኣብ ኖርወይ ትቕመጥ ዘላ ሳምራ ጓሎም ድማ፡ "ኣቦና ኣብ ርእሲ እቲ ኵሉ ዘበርከቶ መጻሕፍቱን ታሪኹን፡ ብዓቕሉን ትዕግስቱን፡ ከምኡ'ውን ንመላእ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ብዝኸፈሎ ዋጋ ክዝከር ምደለኹ፡" ትብል።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



