እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህይወት ኣብታ ንኽልተ ዓመታት ብኲናት ዝተሃስየት ትግራይ እንታይ ይመስል?
Published
ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ወገናት ብረቡዕ ስምምዕ ሰላም ከቲሞም ኣለው። ኣብ ትግራይ ዝርከብ ህዝቢ ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ግዳይ እቲ ኲናት ኮይኑ እዩ። ኣብታ ክልል ኣገልግሎት መራኸቢታት ተቋሪጹ ብምህላው ካብኡ ሓበሬታ ምርካብ ዳርጋ ዘይሕሰብ እዩ። ቢቢሲ፡ ነዚ፡ ህዝቢ ትግራይ ንዝሓልፎ ዘሎ መግደራ ዘንጸባርቕ ቪድዮ ክረክብ ክኢሉ ኣሎ።