ብቕትለት ፖለቲከኛ በቴ ኡርጌሳ 13 ጥርጡራት ተኣሲሮም፤ ኣቀታትልኡ ግን ከመይ ነይሩ?

Published

ፖሊስ እታ ብግጭት እትሕመስ ዘላ ክልል ኦሮሚያ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብዝተፈጸመ ቅትለት እቲ ፍሉጥ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ በቴ ኡርጌሳ ብዝተኣሳሰር 13 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ገሊጹ።

መንነት እቶም ጥርጡራት ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ’ኳ እንተዘይሃበ፡ ድሮ ገበናዊ መርመራ ከም ዝተጀመረ ፖሊስ ወሲኹ ገሊጹ።

ሓላፊ ፖለቲካ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ በቴ ኡርጌሳ ብጥይት ተቐቲሉ ሬሳኡ ረቡዕ ንግሆ ኣብ ወሰን ጽርግያ ጥቓ ባጐኒ ጐሓፍ ከም ዝተረኽበ ተቓሊሑ እዩ።

እቲ ፖለቲከኛ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ - ሰሉስ - ምሸት ካብ ክፍሊ ሆቴሉ “ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ብዝመስሉ ሰባት” ከም ዝተወስደ ኣባላት ስድራኡ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብቲ ቅትለት ዝዀነ ኢድ ከም ዘይብሎም ብምግላጽ ነቲ ኣበሃህላ ነጺጉ።

ምንጭታት ሆስፒታል ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ ሬሳ ኣቶ በቴ ብዙሕ ማህረምቲ ጥይት ከም ዝተራእዮ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛታትን ፍሉጣት ሰባትን ዝፍጸም ቅትለት ክውስኽ ተራእዩ ኣሎ።

ኣቶ በቴ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰብ መዚ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ሰልፊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦኤልኤፍ) ን"ጨካን ቅትለት" ኣቶ በቴ ብምኹናን ዘይሻራዊ ምጽራይ ክግበር ሓቲቱ ኣሎ።

ንድሕነቱ ስሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ በዓል ሞያ ሕክምና “ኣብ ርእሱ ሓሙሽተ ማህረምቲ፣ ኣብ ሕቘኡ ኣብ ሰለስተ ቦታ፣ ኣብ ጸጋማይ ጐድኑ ሓደ ዓቢይ ማህረምቲ፣ ኣብ ሕቘኡ ውርድ ኢልካን ኣብ ሰለፉን ካልእ ተወሳኺ ማህረምቲ፡ ብጠቕላላ 11 ማህረምቲ ተረኺቡዎ” ይብል።

እዚ ዅሉ መጉዳእቲ ብጥይት ዝተፈጥረ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ በዓል ሞያ፡ “ንዓና ከምኡ’ዩ ዝመስል። ገሊኡ እቲ መቝሰልቲ ጥይት ብዝኣተወሎም ዝተፈጥረ’ዩ፤ ገሊኡ ድማ እቲ ጥይት ኣብ ዝወጽኣሎም ከባቢታት ዝርከብ ክኸውን ይኽእል” ብምባል ንኵነታት ማህረምቱ ኣብሪሁ።

ኣብ ገጹ ግን ዝዀነ ዓይነት መጉዳእቲ ከም ዘይርኣየ ኣተሓሒዙ ሓቢሩ።

ኣባል ስድራ እቲ ግዳይ ዝዀነ ውልቀሰብ ብወገኑ፡ ብመሰረት ካብ ነበርቲ ዝረኸብዎ ሓበሬታ እቲ ኣስከሬን ተደርብዩ ከም ዝረኸብዎ ብምግላጽ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ አካሉ ቈሲሉ ከም ዝተዓዘበ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ብፍላይ ርእሱ ብተደጋጋሚ’ዩ ተሃሪሙ። ብኽንደይ ጥይት ከም ዝተሃርመ ግን ኣይፈልጥን። ጐድኑ’ውን ቈሲሉ እዩ ነይሩ። ኣስክሬኑ ክርከብ እንከሎ ብኸብዱ ደቂሱ፤ ኢዱ ድማ ንድሕሪት ተኣሲሩ ነይሩ። ከመይ ዝበለ ጭካነ’ዩ!” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ኣስክሬን ኣቶ በቴ መርመራ ፎረንሲክ ከም ዘይተኻየደ ዝገለጸ እቲ በዓል ሞያ፡ “ኣብ ሰብነቱ ዝተረፈ ጥይት ምህላውን ዘይምህላውን ምፍላይ ከቢድ’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ስነስርዓት ቀብሪ እቲ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ትማሊ ሓሙስ’ኳ እንተተፈጸመ፡ ግቡእ መርመራ ፎረንሲክ ኣይተኻየደን ዝብል ዘረባታት ከኣ ይስማዕ ኣሎ።

ኣመሪካን ብሪጣንያን እቲ ቅትለት ብናጻ ዓለምለኻዊ ኣካል ክምርመር ጸዊዐን።

"ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ተኣማንነት ዘለዎን ናጻን ዓለምለኻዊ ኣካል ንሞት በቴ ኡርጌሳ ዕሙቕ ዝበለ ምርመራ ከካይድ ክፈቕዱ ይግባእ" ክብል ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሰነት ኣመሪካ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጸዊዑ።

"ስርዓት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ" ኣብ ክልል ኦሮሚያ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ፡ ሚድያታትን ነቐፍቲን "ዓፊኑ" ብምባል ተሪር ነቐፌታኡ ዘንጸባረቐ ሰነት ኣመሪካ፡ "ኣብቲ ክልል ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ስቅያትን ፖለቲካዊ ጭቆናን እናበዝሐ ይመጽእ ኣሎ" ክብል ብምግላጽ እውን፡ ንስድራ መዋቲ ዝተሰምዖ ዓሚቝ ሓዘን ገሊጹ።

ከምዚ ዝበለ ኵነታት ድማ ኣብ መላእ ሃገር "ዓቢይ ውሕስነት ኣልቦነትን ሓፈሻዊ ዘይምርግጋእን" ክፍጠር ኣበርክቶ ገይሩ'ዩ ብምባል ስክፍታኡ ኣመልኪቱ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳኒኤል በቀለ (ዶ/ር) ብወገኑ፡ ኣብ ዙርያ ቅትለት ኣቶ በቴ ዘይሻራዊ ምጽራይ ክካየድ ከም ዘለዎ ብምምልካት፡ ቀተልቲ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ሰብ መዚ ክልልን ፈደራልን ቅልጡፍ፡ ዘይሻራውን ዝተማልአን መርመራ ክገብሩ ይሓትት ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ኣቶ በቴ፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ተሳትፎኡ ብዙሕ ግዜ ዝተኣሰረ ፖለቲከኛ እዩ።

ብ14 ለካቲት 2016 [ግ] እውን ምስ ሓደ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ስካይላይት ሆቴል ምስ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ኣንቷን ጋሊንዶ እናተዘራረቡ እንከለዉ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ድማ ተፈቲሖም።

ኣብቲ እዋን መንግስቲ፡ እቲ ጋዜጠኛ ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ ዝዀነ ኣንቷን ጋሊንዶን ኣቶ በቴን "ምስ ፋኖን ኦነግ ሸኔን ሓቢሮም ዓመጽን ረብሻን ንምልዕዓል ብምስርሖም" ከምዝተኣስሩ ገሊጹ ነይሩ።

ብተወሳኺ ኣብ መፋርቕ 2013 [ግ] ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ቡራዩ ተኣሲሮም ዝነበሩ ንላዕለዎት መራሕቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንምሕታት ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኣብኡ ተታሒዙ ንነዊሕ እዋን ተኣሲሩ ጸኒሑ እዩ።