እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ‘ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከየተባብዑ’ ዘስግኡ ዘለዉ ሓደስቲ ደንብታት እንታይ ይብሉ?
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዝተፈላለዩ ንድፍታት ደንብታት ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም ነይሮም።
ገለ ካብዞም እማመታት ክፀድቁ እንከለዉ ካልኦት ድማ ናብ ዝምልከቶም ቀወምቲ ኮሚቴታት ተመሓላሊፎም ኣለዉ።
እንተዀነ ሰለስተ ካብቶም ናብ ባይቶ ዝቐረቡ ደንብታት ኣዘራረብቲ ኰይኖም ይርከቡ።
እዚኦም ንምምሕያሽ ኢሚግሬሽን፡ ምምላስ ንብረትን ከምኡ’ውን ብገበን ዝርከብ ንብረት ሕጋዊ ክመስል ምግባርን ገበን ምወላ ግብረሽበራ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ዝምልከቱ እማመታት እዮም።
እዞም እማመታት እዚኦም፡ ዘመሳስሎም ሓደ ነገር ኣሎ፤ ሰለስቲኦም ፈጻሚ ኣካል ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ስጉምቲ ክወስድ ዝፈቕዱ እዮም።
ብመሰረት እዞም ደንብታት እቲ ፈጻሚ ኣካል፡ ብቤት ፍርዲ ዝግበሩ ዝነበሩ እገዳታትን ውሳነታትን ከሕልፍ ይኽእል ኣሎ ማለት’ዩ።
ይኹን’ምበር እዞም ምምሕያሻትን እማመታትን "ብጥንቃቐ ክረኣዩ" ከምዘለዎም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላታት ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ይገልጹ።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ መምህርን ክኢላን ሕጊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ "ትካላት ንምህናጽ፡ ሕግታት መሰል ዜጋታትን ቅዋምን ዘኽብሩ ንምግባር" ብዝብል ዕላማ ሕጋዊ ጽገናታት ከምዝተገብሩ የዘኻኽር።
ኣብቲ እዋን እቶም ዝተገብሩ ምምሕያሻት "ስልጣን ቤት ፍርዲ ንምሕያልን ፈጻሚ ኣካል ተሓታቲ ንምግባርን" ዝተገብረ ጻዕሪ ምንባሩ ወሲኹ ይዛረብ።
ሕዚ ድማ "እቲ ስልጣን ናብ ፈጻሚ ኣካል ምምላስን ካብ ቤት ፍርዲ ክርሕቕ ምግባርን፡ ነቲ ተራእዩ ዝነበረ ለውጢ ምግልባጥ'ዩ" ብምባል እቲ ክኢላ ስክፍታኡ ይገልጽ።
ፈጻሚ ዳይረክተር ማእከል ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ያሬድ ሃይለማርያም እውን ተመሳሳሊ ስክፍታ ኣለዎ።
ኣዝዮም ወሰንቲ ዝዀኑ ንሲቪላዊ መሰላት ዝምልከቱ ጉዳያት ብኽንድዚ ደረጃ ንፈጻሚ ኣካል ምሃብ "ኣብ መንጎ ኣኽበርቲ ሕግን ፈጸምቲ ሕግን ዘሎ ምክፍፋል ስልጣን ከዘናብዕን ሚዛን ከስእንን ይኽእሉ እዮም" ይብል እቲ ፈጻሚ ዳይረክተር።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ልዕሊ እቲ ፈጻሚ ኣካል “ልዕሊ ዓቐን ሕቶታት ዘይሻራዊነት ኣለዉ" ብምባል ምኽንያቱ የብርህ።
እቲ ፈጻሚ ኣካል "ካብ ዘይሻራዊነት ብዝሓለፈ ሕግታትን ልዕልና ሕግን ብግቡእ ኣብ ምትግባር ክፍተት ከምዘለዎ ኣብ ሕድሕድ መጽናዕቲ ዝግለጽ’ዩ" ክብል ይውስኽ።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣዋጃት፡ ካብ ስልጣን ምዝባዕ ሓሊፉ፡ "ከምቲ ንቤት ፍርዲ ዝወሃብ ስልጣን [ንፈጻሚ ኣካል] ምሃብ፡ ንኸቢድ ጥሕሰት ዘቃልዕ" ምዃኑ የስምር።
ኣብተን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘይተመስረተለን ሃገራት ዘሎ ፈጻሚ ኣካል "ንሓይሊ ዝቐረበ" ምዃኑ ዝገልጽ ኣይተ ያሬድ፡ እቲ ፈጻሚ ኣካል "ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ዘይተመጣጠነ ስጉምቲ ዝወስድ ኣካል" ምዃኑ ይሕብር።
"ብደረጃ መትከል ፈጻሚ ሕጊ ካብ ገዛኢ ሰልፊ ነጻ ክኸውን’ዩ ትጽቢት ዝግበር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኵነታት ግን ኣብዚ ደረጃ ኣይበጽሐን።"
"ምዕቡል ፖለቲካውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ከምኡ’ውን ተሓታትነት ኣብ ዘይብሉ" ነዞም ሕግታት ምንዳፍ፡ "መንግስቲ ክወስዶም ንዝደልዮም ዓፈንቲ ስጉምትታት ሕጋዊ ሽፋን ምሃብ እዩ" ክብል የጠንቅቕ።
ወሲኹ ድማ እቶም "ንቅዋም መንግስቲ ዝጻረሩ ግህሰት መሰላት" ዝበሎም ኣዋጃት፡ "ሕጋዊ ሽፋን ብምሃብ ብሕጊ ዝተደገፉ ግህሰት መሰላት" ንምግባር ዝካየድ ፈተነ ምዃኑ የስምር።
ትሕዝቶ እቶም እማመታት እንታይ የጠቓልል?
ካብቶም ናብ ባይቶ ዝቐርቡ ሰለስተ እማመታት እቲ ቀዳማይ፡ ሕጊ ኢሚግሬሽን ንምምሕያሽ ዝዓለመ እዩ።
ብመሰረት እቲ ኣብ 1995 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ዝወጸ ኣዋጅ ኢሚግሬሽን፡ "ዝዀነ ሰብ ካብ ኢትዮጵያ ከይወጽእ ክእገድ ዝኽእል ብመሰረት ሕጊ ብቤት ፍርዲ ትእዛዝ ምስ ዝወሃብ ጥራይ" እዩ።
ነዚ ቅድሚ 21 ዓመት ዝጸደቐ ሕጊ ንምምሕያሽ ዝቐረበ እማመ ግን፡ ሰባት ካብ ሃገር ከይወጹ ናይ ምእጋድ ስልጣን ንዋና ዳይረክተር ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ይህብ።
እቲ መመሓየሺ እማመ "ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት፡ ካብ ባዕሉ እቲ ትካልን ካብ ዝምልከቶም ኣገልግሎታት ጸጥታን ኣኽበርቲ ሕግን ብዝረኽቦ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብ ሃገራዊ ረብሓን ጸጥታን ዘይዕረ ጉድኣት ዘስዕብ ንጹርን እዋናውን ኵነታት ከምዘሎ ምስ ዝኣመን፡ ዝዀነ ሰብ ካብ ሃገር ከይወጽእ ክእግድ ይኽእል'ዩ" ይብል።
ብተወሳኺ እቲ ትካል "ነቲ ካብ ሃገር ከይወጽእ ዝተአገደ ሰብ ሰብ እንተኣሲርዎ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርብ ከረጋግጽ" ከምዘለዎ ይጠቅስ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ፕሮፌሰር ሕግን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ግን ነቲ ኣብቲ መመሓየሺ ተኻቲቱ ዘሎ ድንጋገ ይነቅፍ።
"ሰባት ካብ ሃገር ከይወጹ ናይ ምእጋድ መሰል ንሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ ምሃብ ሓያል ዘይመትከላውነት (arbitrariness) እዩ" ይብል።
ሕገ መንግስታዊ መሰል ምንቅስቓስ ዘዘኻኸረ እቲ ክኢላ፡ "ሕገ መንግስታዊ መሰል ዝእገድ ብመሰረት ሕጊ ቤት ፍርዲ ብዝሃቦ ትእዛዝ ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ፈጻሚ ሕጊ ባህ ኣብ ዝበሎ ዝስስኖ ኣይኰነን" ክብል ይገልጽ።
ዓንቀፅ 32 ቅዋም መንግስቲ ከምጠቕሶ፡ "ዝዀነ ኢትዮጵያዊ ይኹን ወይ ኣብታ ሃገር ብሕጋዊ መንገዲ ዝርከብ ወጻእተኛ ዜጋ ኣብ ዝደለዮ ክፋል እታ ሃገር ናይ ምንቅስቓስን መንበሪ ቦታ ናይ ምምስራትን ከምኡ'ውን ኣብ ዝደለዮ እዋን ካብታ ሃገር ናይ ምውጻእ ነጻነት" ኣለዎ።
እዚ ሕገ መንግስታዊ መሰል "ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብዙሕ ግዜ ዝሰማዕናዮ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት እንተላይ ብዘየለ ሕጊ ብፈጻሚ ኣካል ብሓደ ይኹን ብኻልእ ምኽንያት እናተዓንቀፈ ዜጋታት ንዝተፈላለዩ ጸገማት ክቃልዑ ይረአያ ኣለዉ" ይብል ኣይተ ያሬድ።
ወሲኹ፡ "ቅድሚ ሕዚ እኹል ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ግን ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ዝጸንሑ ስልጣን ሕጋዊ ክኸውን ምግባር ወይ ናብ ሕጊ ምቕያር፡ ነቲ ድሮ ዝነበረ ጥሕሰትን ጸቕጥን ሕጋዊ መልክዕ ምሃብ" ማለት ምዃኑ ኣስሚሩ።
ነዚ እማመ ዝነቕፉ ዘለዉ ክኢላታት ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ጥራይ ኣይኰኑን።
ፕረዚደንት ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣይተ ፉዓድ ኪያር እውን ነቲ እማመ ዝምልከት ስክፍታ ከምዘለዎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።
"ቤት ምኽርን ቀዋሚ ኮሚቴን [ነቲ ረቂቕ እማመ] ብዕቱብ ክፍትሽዎ ዘለዎም ይመስለኒ" ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።
መሰል ምንቅስቓስ ቅዋማዊ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ኣይተ ፋዒድ፡ እዚ መሰል እዚ ግን "ፍሉይ ኵነታት ክህልዎ ከምዝኽእል ግልጺ እዩ" ኢሉ።
ሰባት ካብ ሃገር ከይወጹ ዝእግድ ስልጣን ብቐንዱ ንቤት ፍርዲ ዝተወሃበሉ ምኽንያት፡ ሰባት ኣብ ቤት ፍርዲ መሰላቶም ከኽብሩን ክርክር እንተሃልዩ’ውን ኣብኡ ሞጎቶም ከቕርቡ ስለዝኽእል ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣይተ ፋዒድ "ቤት ፍርዲ ዜጋታት ምስ ፈጻሚ ኣካል ሚዛናዊ ክትዕ ዝገብሩሉ ቦታ እዩ" ኢሉ።
ይኹን’ምበር እቲ እማመ፡ ናይ ምእጋድ ስልጣን "ንዋና ዳይረክተር ክህብ እንከሎ ቀዋሚ ስልጣን እዩ ዝህቦ ዘሎ፡ ክሳዕ መዓስ እዩ ዘዝእግዶ? ድሕሪ ምእጋዱ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርብ ድዩ? ሞጎት ክግበረሉ ድዩ? ክካታዕ ድዩ?" ዝብሉ ወሰንቲ ሕቶታት ብንጹር ከምዘይተመለሱ ኣይተ ፋዒድ ተዛሪቡ ነይሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሉስ 4 ሰነ 2016 ናብ ባይቶ ዝቐረቡ ክልተ እማመታት እውን ብተመሳሳሊ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ንፈጻሚ ኣካል ዝህብዎ ስልጣን ዘጠቓለሉ እዮም።
ብገበን ዝተረኸበ ንበረት ህጋዊ ክመስል ምግባርን ምወላ ግብረሽበራ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ዝቐረበ እማመ፡ መርመርቲ ገበናት ንምጽራይ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ርክባትን ደብዳቤታትን ናይ ምጥላፍ ስልጣን ክህልዎም ዘኽእል እዩ።
"ሓደ መርማሪ ኣካል ህጹጽ ኵነታት እንተ ኣጋጢምዎ፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ኣፍቂዱ፡ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣገባባት መርመራ ተጠቒሙ ሓበሬታ ክእክብ ይኽእል'ዩ" ይብል እቲ ኣዋጅ።
ብተመሳሳሊ እቲ ምምላስ ንብረት ዝምልከት እማመ፡ ንመርማሪ ኣካል ስልጣን ምምላስ ንብረት ዝህብ’ዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ እማመ፡ ምምላስ ንብረት ከስዕብ ምስ ዝኽእል መርመራን ክሲን ብዝተኣሳሰር ሚኒስተር ፍትሒ ወይ ወኪሉ ንብረት ንሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልታት ከይንቀሳቐስ ዝእግድ ትእዛዝ ከውጽኡ ይፈቅድ።
መብርሂ ናይቲ እማመ፡ እዚ ስልጣን ንሚኒስተር ፍትሒ ክወሃብ እንከሎ "መመልከቲ እገዳ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘቕርብ ብምሕሳብ" ከምዝዀነ የነጽር።
ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልታት ትእዛዝ ቤት ፍርዲ እንተዘይተሓቲቱ ድማ እቲ ትእዛዝ እግድ ከምዝተርፍ ይድንግግ።
ኣይተ ያሬድ ከምዝብሎ ግን፡ እዞም ክልተ እማመታት "ንንብረትን መሰል ብሕትውናን ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ከእትዉ" ይኽእሉ እዮም።
"[ሰባት] ዝጥቀምሎም መሳርሕታት ርክባት ምክትታል ሕዚ እውን ብተግባር ብብዙሕ መንገዲ ዝፍጸም’ኳ እንተዀነ፡ ብመልክዕ ሕጊ ክወጹ እንከለዉ ግን፡ ንኣካላት ጸጥታን ፈጻሚ ኣካልን ብቐሊሉ ንምቁጽጻር ዘይክእል ኣዝዩ ልዑል ስልጣን ስለዝህቦም፡ ንሰብኣዊ መሰላት ዜጋታትን ብቐንዱ መሰል ብሕትውና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ።"
"ዜጋታት ብዘይ እኹል [ምኽንያት] ብጥርጣረ ጥራይ ንብረቶም ክእገድ ወይ ክውሰድ ይኽእል እዩ" ዝብል ስክፍታ ከምዘለዎ ወሲኹ ይገልጽ።
እቶም ክልተ ኣዋጃት ናብቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝቐረቡሉ እዋን ወኪል ተቓዋሚ ውድብ ኣምሓራ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ዝዀነ ዶክተር ደሳለኝ ጫኔ፡ "ንመንግስቲ ዝነቕፉ ተቓወምትን ትካላትን ግዳይ ከምዚ ዓይነት ሕግታት ኰይኖም ብዙሕ ስቓይ በጺሕዎም’ዩ" ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።
እቶም እማመታት "ብሓቂ ገበን ዝዀኑ ነገራት ጥራይ ዝከታተሉን ንተቓወምቲ ንምዕፋን ከይውዕሉን ግቡእ ድንጋገታት ክህልዎምን ክግበር ከምዘለዎ" እቲ ዶክተር ከምዘተሓሳሰበ ይዝከር።