ድሕሪ 10 ዓመት 'ናይ ገዛ ስራሕቲ ብሮበት ክዕየ’ዩ' ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ 39 ሚኢታዊት ናይ ገዛ ስራሕቲ ብሮበት ክስርሑ ከም ዝኽእሉ ተመራመርቲ ገሊጾም።
ተመራመርቲ ብሪጣኒያን ጃፓንን፡ 65 ሰብ ሞያ ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ (ሰብ ሰርሖ ብልሒ) ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ክበጽሖ ዝኽእል ደረጃ ዝምልከት ግምቶም ክህቡ እንከለው፡ እዚኦም ድሕሪ 10 ዓመታት ናብዮት ሰባትን ናይ ገዛ ስራሕትን ብሮበት ክስራሕ ይኽእል እዩ ኢሎም።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝውዕሉ እታወታት ሙሉእ ንሙሉእ ክብሃል ብዝኽእል መልክዑ ኣስቤዛ ዝገብሩ መሽናት ክዀኑ ከም ዝኽእል ዝገለጹ እቶም ሰብ ሞያ፡ ሮበታት ግን ህጻናትን ኣረጋውያንን ኣብ ምሕብሓብ ዝህልዎም ሓላፍነት ድሩት ከም ዝዀነ ሓቢሮም።
ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ዩኒቨርሲቲ ኦቻኖሚዙን (ጃፓን) ብመሰረት ካብ ሰብ ሞያ ዝኣከቡዎም ርኢይቶታት፡ ቈልዑ ምምሃር፣ ምጽዋትን ኣረጋውን ምሕብሓብን ብብዝሒ ሮበታት ከም ዘይሳተፉ ገሊጾም።
ይኹን’ምበር ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ሰባት ኣብ ዕዳጋታት ዘሕልፉዎ ሰዓታት ብ60 ሚኢታዊት ክንኪ እዩ።
እቶም ሰብ ሞያ ከም ዝብሉዎ እንተዀይኑ ክፍሊት ዘይፍጸመሎም ናይ ገዛ ስራሕቲ ብሮበታት ክስርሑ ምኽኣሎም ማዕርነት ጾታ ክመጽእ እዩ።
ኣብ መላእ ዓለም ዝበዝሕ ናይ ገዛ ስራሕ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝብርትዕ ስለ ዝዀነ ኣብ ቁጠባዊ እቶት ደቂ ኣንስትዮ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ይፍለጥ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ብሮበታት ዝስርሑ ናይ ገዛ ስራሕቲ እንተሃልዮም ጾታዊ መዓርነት ክውስኽ እዩ፣ ሰባት ድማ ዝሓሸ ህይወት ክህልዎም ክገብር እዩ ዝብሉ ርኢይቶታት ይወሃቡ ኣለው።
እቲ ኣብ መፋርቕ 1960ታት ዝዘመነ ቴክኖሎጂ ኣብ መፋርቕ 1970ታት ሮበታት መግቢ ምብሳል፣ ህጻናት ምጽዋትን ዕዳጋታት ምውጋንን ዝብል ሓዊሱ ብዙሓት ናይ ገዛ ስራሕቲ ክሰርሑ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ቴክኖሎጂካዊ ኣመተ እኳ እንተነበረ፡ ወጽኢታዊ ከይኰነ ጸኒሑ እዩ።
እንተዀነ፡ ወጻኢታት ቴክኖሎጂ ሮበታት ኣዝዩ ልዑል እዩ፤ በዚ ምኽንያት ነዞም ውጽኢታት ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ ናይ ገዛ ስራሕቲ ብሮበታት ክትካእ ዝገብር ክፋል ሕብረተሰብ ኣዝዩ ውሑድ እዩ ዝኸውን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
