ኢንስታግራምን ፌስቡክን፡ ኣካውንት ንምርግጋጽ ገንዘብ ከኽፍሉ'ዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካብ ሕጂ ኣትሒዞም ተጠቀምቲ ኢንስታግራምን ፌስቡክን ቡሉቲክ [ሰማያዊ መረጋገጺ] ንምርካብ ገንዘብ ክኸፍሉ ምዃኖም ኩባንያ ሜታ ኣፍሊጡ ።
በዚ መሰረት ሜታ 11.99 ዶላር ከኽፍል መደብ ከም ዘለዎን ንተጠቀምቲ ኣይፎን ከኣ ወርሓዊ 14.99 ዶላር ከም ዘኽፍሎምን ሓቢሩ።
እቲ ኣገልግሎት ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ከም ዝጅምር ከኣ ሜታ ኣፍሊጡ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማርክ ዙከርበርግ፡ እቲ ተበግሶ ኣብ መተገባበሪ (ኣፕሊኬሽን) ማሕበራዊ መራኸቢታት ሜታ ጸጥታን ሓቅነትን ንምቁጽጻር ከም ዝሕግዝ ገሊጹ።
እዚ ስጉምቲ ምቁጽጻር ጸጥታን ሓቅነትን ወናኒ ትዊተር ኤሎን መስክ ኣብ ሕዳር 2022 ንኩሉ መዳያዊ ኣገልግሎት ትዊተር ክረኽቡ ዝደልዩ (ፕረምየም ትዊተርስ) ክፍሊት ድሕሪ ምትእትታው እዩ መጺኡ።
ሳብስክሪብሽን ሜታ ግን ጌና ንትካላት ንግዲ ኣይተኸፍተን።
ይኹን'ምበር ዝዀነ ሓቅነት ሓደ ኣካውንት ክረጋግጸሉ ዝደሊ ውልቀሰብ ክገብሮ ይኽእል እዩ።
ኣብ ጎኒ ስሞም ብሰማያዊ ሕብሪ ምልክት ዝግበረሎም ተጠቀምቲ ትዊተር፡ እቲ ገፅ ናይ ብሓቂ ናቶም ምዃኑ ካብ ትዊተር ዝውሃቦም ምስክርነት እዩ።
እቲ ወርሓዊ ክፍሊት ኰንትራት ንተጠቀምቲ ሰማያዊ ምልክት ብምሃብ፡ ዓቕሚ ተበጻሕነት ኣብ ገጻቶም ዝጥቅዕዎ ጽሑፋትን ኣሳእልን ከም ዝውስኽን፡ ብናይ ሓሶት ኣካውንት ዘታልሉ ሰባት ብምቁጽጻር ንተጠቀምቲ ኣሳልጦ ከም ዝህብ ሜታ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ገሊጹ።
እቲ ኩባንያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሕጂ ዝተኣታቶ ዘሎ ለውጢ ነቲ ኣቐዲሙ ሓቅነቱ እተረጋገጸ ኣካውንት ከም ዘይትንክፍ ገሊጹ።
ኣብ ካልእ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንተጠቀምቲ ሰማያዊ ሕብሪ ምልክት ምሃብ ኣቐዲሙ ጸገም ፈጢሩ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ገለ ውልቀሰባት ዓበይትን ህቡባትን ሰባት ክመስሉ እቲ ሰማያዊት ምልክት ዘውህብ ክፍሊት ክኸፍሉ ምስ ጀመሩ ትዊተር ነቲ መስርሕ ደው ኣቢሉዎ ነይሩ።
ሜታ ዝዀነ ሰብ ኣብ ናይ ኢንስታግራምን ፈይስቡክን መረጋገጺ ክወሃቦ እንተዀይኑ ስሙን ዝርዝሩን ምስቲ ብመንግስቲ ዝተዋህቦ ሰነድን ወረቐት ክመሳሰል ከም ዘለዎ ከምኡ እውን ተጠቀምቲ ምስሎም ዘርኢ ስእሊ ከቕርቡን ክጽዕኑን (ዳውንሎድ) ከም ዘለዎም ሓቢሩ።
ከም ሬድዲት፣ ዩቱብን ዲስኮርድን ዝኣመሰላ ካልኦት መርበባት'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኮንትራት ዝተደረኸ ሞዴላት ይጥቀማ እየን።
ዋላ’ኳ ዙከርበርግ እቲ ተግባር ኣብ ሜታ እውን ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ዝተኣተቶ እንተገለጸ፡ እቲ ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ክጅምር እዩ ዝተባህለ ናይ መረጋገጺ ወርሓዊ ክፍሊት ኣብ ካልኦት ሃገራት መዓስ ከም ዝጅምር ዛጊት ኣየነጸረን ።
ኩባንያ ሜታ ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ከምኡ'ውን ኣብቲ ስራሕ ዝተገብረ ልዕሊ ዓቐን ወፍሪ፡ 11,000 ሰባት ካብ ስራሕ ከም ዝወጽኡ ኣፍሊጡ’ዩ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ሚስተር ዙከርበርግ ኣብ ሜታ ዕብየትት ከም ዝህሉ ኣቐዲሙ ተንብዩ እኳ እንተነበረ ዳሕራይ ግን ከምቲ ዝተጸበዮ ኣይኰነሉን።
"ብዙሓት ሰባት፡ እዚ ነገር እዚ ንሓዋሩ ዘላቒ ፍታሕ ከምጽእ እዩ ኢሎም ተንብዮም ነይሮም። ስለዚ ኣነ እውን ከምኡ እየ ገይረለ ስለ ዝዀነ፡ ንወፍርና ብዝያዳ ኸዕብዮ ወሲነ" ክብል ጽሒፉ።
እንተዀነ ኣብ ክንዲ ዕብየት ብሰንኪ ቁጠባዊ ምንቁልቃልን ሓድሕዳዊ ውድድርን እቲ ኣታዊ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣዝዩ ዝወሓደ ከም ዝዀነ ሓቢሩ።
ኣብቲ እዋን ከኣ "ኣነ እየ ተጋግየ፤ በዚ ከኣ ሓላፍነት ክወስድ እየ” ክብል ጽሒፉ ነይሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
