ሰራዊት ሚያንማር ኣጽዋር ንከፍርይ ዓለምለኻዊ ትካላት ይሕግዝዎ ምህላዎም ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራዊት ሚያንማር ብውሑድ ኣብ 13 ሃገራት ካብ ዝርከቡ ትካላት ብዝረኽቦ ቀረብ፡ ኣንጻር ህዝቡ ዝጥቀመሎም ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎም ኣጽዋራት የፍሪ ከምዘሎ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ነበር ገሊጹ።
ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሚያንማር እገዳታታት ብምንባር፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ንምንጻል ይሰርሑ'ኳ እንተለዉ፡ ሃገራት ኣሜሪካ፡ ፈረንሳ፡ ህንድን ጃፓንን ካብተን ነቲ ብሓይሊ ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሓገዝ ዝገብራ ሃገራት ተጠቒሰን ኣለዋ።
እቶም ኣብታ ሃገር ዝፈርዩ ዘለዉ ኣጽዋራት፡ እቲ ምምሕዳር ኣንጻር ተቓወምቲ ግፍዒታት ንምፍጻም ከምዝጥቀመሎም እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
ሚያንማር ድሕሪ እቲ ኣብ ለካቲት 2021 ዝተፈጸመ ዕልዋ፡ ብቕልውላው ትሕመስ እያ ዘላ።
ተቓወምቲ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዝተመረጸ መንግስቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ፡ ኣንጻር እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ናብ ዝቃለሱ ዕጡቓት ጕጅለታት ተጸምቢሮም ኣለዉ።
ንኣማኻሪ እታ ሃገር ኣመልኪቱ ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ሕጂ'ውን ንሚያንማር ኣጽዋር ይሸጣ ከምዘለዋ ጠቒሱ።
“እቲ ማዕረ ኣገዳሲ ጉዳይ ግን፡ ኣብታ ዝተፈላለዩ ኣጽዋራት ሰላማውያን ሰባት ንምጥቃዕ ዝውዕሉላ ዘለዉ ሃገር፡ እቲ ሰራዊት ኣጽዋር ምፍራይ ምኽኣሉ እዩ” ይብል።
እቶም ዝተጠቐሱ ትካላት ንሰራዊት ሚያንማር ቀረብ ጥረ ኣቝሑ፡ ስልጠናን ማሽንን ሓገዝ የቕርቡሉ ከምዘለዉ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ኣጽዋር ግና ንዶባት እታ ሃገር መሐለዊ ከምዘይኮነ ይሕብር።
ፍሉይ ራፖርተር ሕቡራት ሕቡራት ሃገራት ነበርን ካብ ኣዳለውቲ እቲ ጸብጻብን ዝኾነ ያንጊ ሊ፡ “ሚያንማር ብናይ ወጻኢ ሃገር ጥቕዓት ተፈጺምዋ ኣይፈልጥን” ይብል።
“ሚያንማር ዝኾነ ኣጽዋር ሰደድ ኣይትገብርን፤ ካብ 1950 ጀሚራ፡ ኣንጻር ህዝባ እትጥቀመሉ ኣጽዋር ክትሰርሕ ጸኒሓ።”

ምንጪ ስእሊ, HANDOUT
ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጸመ ዕልዋ፡ ብዕሊ ዝፍለጡ ልዕሊ 2,600 ሰባት በቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ተቐቲሎም እዮም። እንተኾነ እቲ ሓቀኛ ቁጽሪ ዓሰርተ ዕጽፊ ናይዚ ከምዝኾነ እዩ ዝግመት።
ኣብ መጀመርታ እቲ ወታሃደራዊ ጉጅለ ነቶም ተቓወምቲ ብቐሊሉ ከወግዶም ከምዝኽእል ዝእመን ምንባሩ ዝገልጽ ኣባል ቢቢሲ በርሚዝ ሶ ዊን ታን፡ ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ግና ሚዛን ሓይሊ ይቕየር ከምዘሎ ይሕብር።
“ኣብዚ እዋን እቲ መንግስቲ ሒዝዎ ዘሎ ሓይሊ ኣየር ጥራሕ እዩ ዘይብሎም” ይብል።
እቲ ኣብታ ሃገር ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ነቲ ወታሃደራዊ ጉጅለ ከም ስናይፐር ጠበናጁ፣ ሚሳይል ላውንቸራት፣ ቦምባታትን ካብ ምፍራይ ደው ኣየበሎን።
ኣዳለውቲ እቲ ጽብጻብ፡ ልሒኾም ካብ ዝወጹ ሰነዳት፣ ምስ ወታሃደራት ዝተገበሩ ቃለ መሕትታትን ካብ ሳትላይት ዝተረኽበ ምስሊ ናይ ፋብሪካታትን ሓበሬታ ምርካቦም እዮም ዝሕብሩ።
ኣብ 2017 ዝተወሰዱ ስእልታት፡ ኣብታ ሃገር ዝፈረዩ ኣጽዋራት ቅድሚ እቲ ወታሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ ምንባሮም የመልክቱ።
ኣብቲ ኣብ ልዕሊ 10 ሰላማውያን ደቂ ተባዕትዮ ተወለድቲ ሮሂንግያ ዝተፈጸመ ቅትለት ኢን ዲፕ፡ እውን ወታሃደራት ኣብታ ሃገር ዝተሰርሑ ጠበናጁ ሒዞም ተራእዮም።
ገለ ካብቶም ኣጽዋር ንምስራሕ ዝውዕሉ ጥረ ኣቑሑት ካብ ኦስትርያ ከምዝመጹ እዩ ዝእመን። ጂኤፍኤም ዝተባህለ ትካል ዘፍርዮም ልዑል ውጽኢታውነት ዘለዎም ማሽናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሚያንማር ከምዝተርኣዩ እቲ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
እቶም ማሽናት ጽገና ኣብ ዘድልዮም ድማ ናብ ታይዋን ተወሲዶም ብሰብሞያ እቲ ትካል ከምዝዕረዩ ጸብጺቡ ኣሎ።
ጂኤፍኤም ብዛዕባ እቲ ጸብጻብ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።
ንውሱን ሰንሰለት ናይቲ ምፍራይ ኣጽዋር ከምዘጽነዐ ዝሓበረ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ጥረ ኣቑሑት ቻይና፣ እታወታት ኤሌክትሪክ ህንድን ሩስያን፡ መሽናት ጀርመን፣ ጃፓን፣ ዩክረይንን ኣመሪካን፡ ሶፍትዌራት እስራኤልን ፈረንሳን ከምኡ ድማ ትካላት ሲንጋፖር ነቶም ኣቒሑት ብምጉዕዓዝ ከምዝሳተፉ ጸብጺቡ።
ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሚያንማር ዝተነበረ ማዕቀብ፡ ነታ ሃገር ኣጽዋር ካብ ምፍራይ ደው ከብላ ኣይከኣለን። ኣብ 1988፡ ሸሞንተ ዝነበረ ቁጽሪ ፋብሪካታት ኣጽዋር እታ ሃገር፡ ኣብዚ እዋን ኣስታት 25 ከምዝበጸሐ ይግለጽ።
እታ ሃገር ዛጊድ ኣጽዋር ናብ ወጻኢ ሰደድ ከምዘይትገብር ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ 2019 ግና ኣብ ታይላንድ ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት ንግዲ ኣጽዋር፡ ዝተፈላለዩ ዘፍረየቶም ኣጽዋራት ኣቕሪባ ነይራ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
