ቻይና ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዶባታ ንበጻሕቲ ከፊታ

Published

ቻይና ድሕሪ እቲ ኣብ መጋቢት 2020 ዘንበረቶ እገዳ፡ ንፈለማ እዋን ዶባታ ንዓለም ለኻዊ በጻሕቲ ከፊታ።

ኣብታ መጠን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ወሲኹላ ዘሎ ሃገር፡ ምውሻብ በጻሕቲ ደው ክብል እንከሎ፡ ኣብ ፖሊሲኣ ዝወሰደቶ ዓቢይ ለውጢ ኰይኑ ኣሎ።

እንተኾነ በጻሕቲ፡ ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃኖም ዘርእይ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ቅድሚ ናብታ ሃገር ምእታዎም ናይ ዝተገበረ ምርመራ ውጽኢት ከቕርቡ ኣለዎም።

እቲ ስጕምቲ ብፍላይ ነቶም ምስ ቤተሰቦም ተፈላልዮም ዝጸንሑ ቻይናውያን ዘሐጐሰ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ካብ ሆንግ ኮንግ ጥራይ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ናብ ማእከል ቻይና ክጓዓዙ ትጽቢት ዝግበር ኰይኑ፡ ድሮ መዕርፎታት ነፈርቲ ብነዋሕቲ ሰልፊታት ተጓዓዝቲ መሊኦም ኣለዉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ተጓዓዛይ ኣዝማዱ ንሰለስተ ዓመታት ከምዘይረኣዮም ዝገለጸ ኰይኑ፡ ኣዝዩ ከምዝተሓጐሰን ናብ ቻይና ንምዃድ ትኬት ከምዝቘረጸን ሓቢሩ።

ካብ ወለዳ ሓዲኦም ተጠቃዕቲ ሕማም መንሽሮ ከምዝዀኑ ንሮይተርስ ዝገለጸት ካልእቲ ሰበይቲ ድማ፡ ብምኽፋት ዶባት ቻይና ኣዝያ ከምዝተሓጐሰት ተዛሪባ።

ቻይና፡ ኣብ ቅንያት እቲ “ቹንዩን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ መጀመርታ ሓድሽ ዓመት ኣቈጻጽራ ሉናር ዝግበር ጕዕዞ እያ ዶቦታ ንተጓዓዝቲ ክፉት ገይራ ዘላ። ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ቹንዩን ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ በዓል ምስ ቤተሰብ ንምሕላፍ ዝግበር ጕዕዞ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ዓመት 2 ቢልዮን ተጓዓዝቲ ክህልዉ ትጽቢት ዝግበር ኰይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽፊ ዝወሰኸ እዩ።

ኰይኑ ግን ምኽፋት ዶባት፡ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ክውስኽ ይኽእል እዩ ዝብል ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዘወርቲ መካይን፡ ካብ ተጓዓዝቲ ኮቪድ ክሓልፈና ይኽእል እዩ ዝብል ሻቕሎት ከምዘለዎም ዝገለጹ ኰይኖም፡ ዝሰርሑሎም ትካላት ተወሳኺ መከላኸሊ ከቕርቡሎም ከምዝደልዩ ሓቢሮም።

ቻይና ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዓለም ካብ ዝተራእዩ ጥቡቓት ፖሊሲታት ዝነበራ ኰይና፡ ብዙሓት ዕጽዋታትን ተደጋጋሚ ምርመራታትን ተገይሮም። እዚ ድማ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ከቢድ ጽልዋ ፈጢሩ እዩ።

እንተዀነ ኣብታ ሃገር ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ መንግስቲ ሕግታቱ ከላሕልሕ ኣገዲድዎ። ብዙሓት ቻይናውያን እቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ክልከላታት ኣብ ምውሳኽ መጠን ሞት ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ዝገልጹ ኮይኖም ሰብ መዚ ግን ኣይቅበልዎን።

ኣብታ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉን ዝሞቱን ዕላዊ ምግባር ዘቋረጸት ቻይና፡ ሆስፒታላት ብሕሙማት ኮቪድ ይመልኡ ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ቻይና፡ ብቐዳም እታ ሃገር ንዘለዋ ድኹም ኣተሓሕዛ እቲ ለበዳ ዝወቐሱ ልዕሊ 1 ሽሕ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቀምቲ ዓጽዩ እዩ።