ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ናጽነታ ንፈለማ እዋን ሃገራዊ ምርጫ ከተካይድ'ያ

Published

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ተደናጒዩ ዝጸንሐ ምርጫ እታ ሃገር፡ ከምቲ ዝተመደበሉ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ እታ ሃገር ናጽነት ካብ እትረክብ ንደሓር ንፈለማ እዋን ዝካየድ ምርጫ፡ ዳግማይ ክወዳደር ምዃኑ ፕረዚደንት ኪር ኣፍሊጡ'ሎ።

ዛጊት ከም ዝወዳደሩ ዝገለጹ ካልኦት ሕጹያት’ኳ እንተዘየለዉ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ሪክ ማቻር ክወዳደር ትጽቢት ይግበር።

እቲ ተወላዲ ብሄረ ዲንቃ ዝኾነ ሳልቫ ኪር፡ ዱቡብ ሱዳን ድሕሪ ነዊሕ ኲናት ሓድሕድ ኣብ 2011 ናጽነታ ካብ እትረክብ ጀሚሩ ፕረዚደንት ኮይኑ ክመርሕ ዝጸንሐ'ዩ።

እንተኾነ ግን ድሕሪ ናጽነት እውን ኣብታ ሃገር ግጭት ቀጺሉ እዩ።

ኣብ 2013 ኣብ መንጎ’ቲ ፕረዚደንትን ቀንዲ ተቐናቓኒኡ ዝኾነ ማቻርን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣምሪሑ ነይሩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ንሓርነት ኣንጻር ሱዳን ዝተኻየደ ቃልሲ ብጾት ኮይኖም ተቓሊሶም ነይሮም'ዮም፡ ዋላ'ኳ ማቻር ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት መርገጺኡን ደገፉን ይቕይር እንተነበረ።

ኣብ 2013 እቲ ምክትል ፕረዚደንት ዝነበረ ተወላዲ ብሄረ ኑወር ዕልዋ መንግስቲ ከካይድ ፈተኑ ብዝብል ብሳልቫ ኪር ካብ መዝነቱ ተሰናቢቱ።

ንሱ ግን ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ናብ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ኣትዩ።

ኣብ ነሓሰ 2018 ኣብ መንጎ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ነቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ደው ንምባል ስምምዕ ምክፍፋል ስልጣን ተፈሪሙ።

ሓደ ነቲ ስምምዕ ከይትግበር ዕንቅፋት ኮይኑ ዝጸንሐ ጉዳይ ምትሕንፋጽ ሰራዊት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መዕለቢ ከምዝተገብረሉ ይዝከር።

እቲ ኣብ 2022 ክውዳእ ዝነበሮ ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ፡ መራሕቲ ምስ ኣተገባብራ ስምምዕ ሰላም ብድሆታት ክፈትሑ ንምፍቃድ ተናዊሑ።

ፕረደዚንት ኪር ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ብድሆታት "ቅድሚ እቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ታሕሳስ ክካየድ ዝተመደበ ምርጫ" ክእለዩ ምዃኖም ተዛሪቡ።

ኣብ 2010 ኣብ ዝተኻየደ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ህዝቢ ሱዳን ናጽነት ስለ ዝመረጸ፡ እታ ኣካል ዓባይ ሱዳን ዝነበረት ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ፡ መሰጋገሪ ቅዋም ነዲፋ ብ9 ሓምለ 2011 ልኡላውነታ ኣዊጃ።

እቲ ግጭት ኣብ መፋርቕ ናይቲ ዝሓለፈ ክፍለዘመን ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ሰባት ከም ዝሞቱ ይግለጽ።

ሱዳን ኣብ 1956 ካብ መግዛእቲ ብሪጣንያ ድሕሪ ምግልጋላ፡ ኣብ ደቡብ ዝርከባ ዞባታት ዝደልይኦ ርእሰ ምምሕዳር ብዘይምርካበን ንዓመታት ዝቐጸለ ቀዳማይ ውግእ-ሓድሕድ ተኻዪዱ።

ኣብ 1969 ኮለነል ጃዕፋር ኒሜሪ ብዕልዋ ናብ ስልጣን ምስ ደየበ፡ ኣብ 1972 ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ ኲናት ብተዛማዲ’ኳ እንተሃድአ፡ ንዝነበረ ዘይዕግበት ደቡብ ሱዳናውያን ምሉእ ብምሉእ ዝመለሰ ኣይነበረን።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ 1983 ስርዓት ኒሜሪ፡ ኣብ ሱዳን ሕጊ-ሸሪዓ ምስኣወጀ ድማ ካልኣይ ኲናት-ሓድሕድ ተወሊዑ ክሳብ 2005 ቀጺሉ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ መራሒ ምንቅስቓስ ሓርነት ደቡብ ሱዳን (SPLM) ዝነበረ ነፍሲሄር ጆን ጋራንግን፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል-በሽርን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ እቲ ደማዊ ኲናት ብረፈረንደም ናይ መወዳእታ ፍታሕ ተገይርሉ።

ዋላ'ኳ ኣብቲ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ዘይደቀሰ ምስሕሓብ እንተሎ።

ብዝሒ ህዝቢ ናይታ ጁባ ርእሰከተማኣ ደቡብ ሱዳን 11.5 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይግመት።

ካብቶም ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሃገር ዘለዉ ቀንዲ ብሄራት፣ ዲንቃ፡ ኑወር፡ መርል፡ ሉዎ፡ ማኣዲ፡ ኦቱሆ፡ ዛንደን ሓያለ ካልኦትን ይርከብዎም።