ኢትዮጵያ፡ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ልዕሊ 8 ሽሕ ሰበስልጣን ስጕምቲ ወሲዱ

ምንጪ ስእሊ, Prosperity Party
ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ብጕድለት ስነምግባርን ካልእን ኣብ መላእ እታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ሓለፍቲ'ቲ ውድብ፡ ኣብ ልዕሊ ኣስታት 8 ሽሕ ስጕምቲ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ።
ምክትል ፕረዚደንት እቲ ሰልፊ ኣቶ ኣደም ፋራሕ፡ ነዚ ዝበለ ኮሜተ ፈጸምቲ ስራሕ እቲ ውድብ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ንዘሕለፎም ውሳነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ'ዩ።
ኣቶ ኣደም ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ፡ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ነቲ ውድብ ኣብ ምድልዳል ክስራሕ ከምዝጸንሐ ብምግላጽ፡ በቲ ዝተገበረ ዘተን ገምጋምን ከኣ "ነቶም ኣፍልጦ ዝግበኦም ኣፍልጦ ተዋሂቡ ኣሎ ነቶም ድኽም ዝበሉ ከኣ ግቡእ ናይ መአረምታ ስጕምቲ" ከምዝተወሰደሎም ኣብሪሁ።
"ብፍላይ ኣብ ልእሊ 8 ሽሕን 613 ኣመራርሓ ብጸገማት ስነ ምግባር ናይ ምእራም ስጕምቲ ተወሲድዎም ኣሎ" ኢሉ።
ነቲ 'ስጕምቲ' ዝበሎ ከብርህ እንከሎ ከኣ፡ ካብ ሓላፍነት ምስንባትን ምቕይያር ሓላፍነትን ከምዝርከቦ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰልፊ ብልጽግና ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ ፈጻሚት ስራሕ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ኣባላቱ ስጕምቲ ከም ዝወሰደ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኣብ ዝርከቡ ሓለፍቲ ምልውዋጥ ይርአ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ምስቲ ውሳነ ዝተሓሓዝ ብዝመስል፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ምቅይያራት ተራእዩ።
ንኣብነት ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓለፍቲ ክልል ካብ ሓላፍነቶም ተኣልዮም ብኻልእ ክትክኡ እንከለዉ፡ ገለ ከኣ ካብ ዝነበርዎ ሓለፍነት ተኣልዮም ናብ ካልእ ክልላት ከምዝተመደቡ ይግለጽ ኣሎ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣረጋ ከበደ፡ እቶም ዝተሸሙ ሓደስቲ ሓለፍቲ፡ ናይ ምምራሕ ዓቕሞም፡ ናይ ስራሕ ልምዶም፡ ስነ ምግባሮምን ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ግምት ኣትዩ እቲ ሓላፍነት ከምዝተውሃቦም ጠቒሱ።
እቲ ርእሰ ምምሕዳር፡ ካብ ዝሸሞም 35 ሓደስቲ ሓለፍቲ፡ እቶም ሸውዓተ ኣማኸርቱ ከምዝነበሩ፡ እቲ ክልል ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ኮሙንኬሽን እቲ ክልል ብዘውጸኦ መግለጺ ኣብሪሁ።
ኣብ ክልል ደቡባዊ ምዕራብ'ውን "ብመሰረት ካብ ቤት ምኽሪ ውድብ ብልጽግና ብዝተውሃበ መምርሒ" ካብ ዝልዓለ ክሳብ ታሕታዋይ ጽፍሒ ኣብ ዝርከቡ መራሕቲ ናይ ገምጋምን ምምዛንን መድረኻት ከምዝተኻየዱ እቲ ክልል ገሊጹ።
በዚ መሰረት ከኣ ኣብታ ክልል ሓደስቲ ሽመታት ከምዝተውሃብን ምቅይያር ናይ ሓላፍቲ ከምዝተገበረን ተሓቢሩ።
ኣብቲ ክልል ቍጽሪ ናይቶም ሓደስቲ ዝተሸሙን ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ዝተቐየሩ 15 ከምዝዀነ'ውን ተገሊጹ።
ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ጋምቤላ'ውን ብመሰረት እቲ ዝተውሃበ መምርሒ 66 ሓድሽ ሽመትን ምቅይያር ቦታን ተኻይዱ ኣሎ።
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ 11 ቤት ጽሕፈታት ሓደስቲ ሓለፍቲ ከምዝተመደቡን ናይ ሓለፍቲ ምቅይያር ከምዝተገበረን እቶም ዝተረፉ ሓለፍቲ ግን ኣብ ዝነበርዎ ሓላፍነት ክቕጽሉ ከምዝተወሰነ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
እቲ ምቅይያር ናይ ሓለፍቲ፡ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ዝካየደ ሃገራዊ መረጻ ክካየድ ሸውዓት ኣዋርሕ ምስ ተረፎ'ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ምክትል ፕረዚደንት ብልጽግና ኣቶ ኣደም ፋራሕ፡ እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ሓለፍቲ ንቐጻሊ'ውን ብሰፊሑ ክካየድ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣቶ ኣደም ፈራሕ "ኣብ ዝተመደቦ ቦታ በቲ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ንህዝቢ ብቕንዕናን ብተኣማንነትን ዘየገልግል፡ ጸገም ስነምግባር ዘለዋ፡ ኣብ ብልሽውና ዝጠሓለ" ኣብ ልዕሊ ዝበልዎም ብሕጂ'ውን ስጕምቲ ከምዝወስዱ ኣብሪሁ።
ኣስዒቡ፡ "ንዝተውሃቦም ሓላፍነት ብግቡእ ዘየፈጽሙ ኣባላት ሰልፊ፡ ንህዝቦምን ንተገልጋልን ዘየኽብሩ፡ ንመርሖታት እቲ ሰልፊ ዘይርድኡን ንህዝቢ ብፍትሓውነት ዘየገልግሉን ሓለፍቲ ስጕምቲ ክንወስደሎም ኢና" ኢሉ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
