'ኣብ ኢትዮጵያ ምንጻል ይዅን ምግባት ኣይሰርሕን' - ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, EBC/YOUTUBE SCREENSHOT
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ባሌ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየዱ ዘለዉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት፡ "ምንጻል ይዅን ምግባት (ምጥቕላል)፡" ከም ዘይሰርሕ ገሊጹ።
"ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ፡" ኣብ ዘሎ ከባቢታት ናይታ ሃገር፡ "ክንንጸል" ብዝብል ዝተወደቡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ "ሓደ'ኳ ካብኦም ንሃገሩ ዝፈልጥ የሎን፡" ክብል ነቒፉ።
ኣብዚ ብሰኑይ 10 ጥቅምቲ 2018 [ግ] ብመራኸቢ ብዙሓን መንግስቲ ዝተፈነወ "ዘተ"፡ ንቐዳማይ ምኒስተር ዘሰነዩ ሰበስልጣን መንግስትን ኢህወደግ ነበርን ተሳቲፎም ነይሮም።
እዚ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ዝቐጸለ ዘተ፡ ብቐንዱ ኣብ ምምዕባልን ኣጠቓቕማን ሃብቲ ተፈጥሮን ዞባ ባሌ ዘተኰረ እዩ ነይሩ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ከምቲ ንዅሎም ተሳተፍቲ ዝተሰምዖም፡ ንዓኡ'ውን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሃብቲ ብኸምቲ ዝግብኦ ዘይምልማዑ ከም ዘባሳጨዎ ገሊጹ።
ኣቢይ ኣብ መደረኡ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም የሎን፣ ሰላም ክቕድም ኣለዎ፡" ዝብል ቅሬታ ብዝተፈላለየ መንገዲ ከም ዝለዓል ጠቒሱ፤ "ሰላም ክመጽእ ንጽሊ፣ ሰላም ክመጽእ ንሰርሕ። ሰላም ክሳብ ዝመጽእ ግን ኮፍ ኣይንብልን ኢና፣ ከነልምዕ ኢና፡" ኢሉ።
"ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 100 ዓመታት ሰላም ኣይነበረን። ኣብዚ ግዜ'ዚ ፈይስቡክን ዩቱብን ስለ ዘሎ ዕለታዊ ንሰምዖ ስለ ዘለና እዩ'ምበር ሰላም ኣይነበረን፡" ክብል ተሰሚዑ።
"ኣብ ኢትዮጵያ ሽፍታ ጠፊኡ ኣይፈልጥን፡" ዝበለ ኣቢይ፡ ካብ ነገስታት ጀሚሮም ዝነበሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ ግዜኦም ብ"መኸተ" ዝመልአ ከም ዝነበረ ኣመልኪቱ።
ነቶም ኣብ ግዜ ስልጣኖም፡ "ሸፋቱ ንምስጓግ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ዝሰርሑ መራሕቲ፡" ነቒፉ።
እዚ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ፡ "ሽፍትነት ባህሊ ስለ ዝዀነ እናኣጥፋእና፣ ብሓደ ኢድና ድማ ከነልምዕ ኢና፡" ዝብል ኣካይዳ ከም ዝኽተል ተዛሪቡ። ቀጺሉ፡ "ሰላም ብዘይ ልምዓት ኣይጸንዕን፡" ኢሉ።
ብዙሓት ተንተንቲ ከም ዝብሉዎ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ ፍልልያት ብልዝብ ክፈትሕ ስለ ዘይከኣለን ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ስለ ዝዓጸወን፡ ዝፈላለዩ ወገናት ብረት ከልዕሉ ከም ዝተገደዱ እዮም ዝገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ብዙሓት ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ድማ ተኣሲሮም እዮም።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ግን፡ "ኢትዮጵያ፡ ወለዶታት ተቐባቢሎም ዘጽንዑዋ ሃገር ክትከውን እያ። ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ኦሮምያ እንርእዮም ጉዳያት መልክዕ እናሓዙ ክኸዱ እዮም፡" እዩ ዝበለ።
"ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ 'ክንንጸል' ኢና ኢሎም ዝተወደቡ ፖለቲከኛታት፡ "ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ነዞም ውድባት፡ "ካብኣቶም ሓደ'ኳ ሃገሩ፡ ህዝቡን ባህሉን ዝፈልጥ የሎን፡" ብምባል ነቒፉ።
"እቶም ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ 'ክንግብት' ዝብሉ ንኢትዮጵያ ኣይፈለጡዋን። 'ክንንጸል' ዝብሉ'ውን ንኢትዮጵያ ኣይፈለጡዋን፡" ዝበለ ኣቢይ፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ከም ኣብነት ኣሰንዩ ጠቒሱ።
"ናይ ብዓል [ሌ/ጀነራል] ጻድቃን ህወሓት 'ክንንጸል' ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ ሰዓት፡ እቶም መንእሰያት በቲ እዋን ንትግራይን ባህላን ከም ዘይፈልጡዋ ዝነበሩ ርግጸኛ ኰይነ ክነግረኩም እኽእል እየ። ህልኽን ቍጥዐን ጥራይ እዩ እምበር፡ እኹል ፍልጠት ኣይነበሮምን፡" ኢሉ።
ኦነግ፡ "ይትረፍዶ ንኦሮምያ ክንጽሉ ትውልዲ ዓዶም እኳ ኣይፈልጡን፣ ንባሌ ኣይፈልጡዋን። እቲ ካልእ ናጻ ዘውጽእ እየ ዝብል'ውን ከምኡ እዩ። ሶማሊን ካልእን. . .፡" ክብል ነቒፉ።
እንተዀነ፡ ግንባር ሓርነት ኦሮማ ብ1973 (ኣቈጻጽራ ጎሪጎሮስ)፣ ከማኡ'ውን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብ1975 ክምስረቱ ከለዉ፡ ኣንጻር ስርዓታት ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ተቓሊሶም እዮም። ህወሓት ዝመርሖ ኢሃዴግ ድማ ንወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ካብ ስልጣን ክኣልዩዎ ክኢሎም እዮም።
"እቶም ክንጥቕልል ዝብሉ ዘመኑ እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጡን፡" ኢሉ ነቐፌታኡ ብምቕጻል፡ "ፈቲኻ ጸሊእካ ኣይከኣልን እዩ፣ እቲ ግዜ'ቲ ሓሊፉ እዩ። ምስ ሕሉፍ ምትእስሳር ኣየድልን፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Office of the Prime Minister-Ethiopia
"ምንጻል ይዅን ምግባት ኣይሰርሕን። ምስምማዕ፣ ምትሕብባርን ኵሉ ዘለዎ ሃብቲ እናኣበርከተ ከልምዕ ብዘኽእል መንገዲ ብሓባር ምንባርን ጥራይ እዩ ዘዋጽእ። ነዚ ምርዳእ ዘይምኽኣል ድማ እዩ ጸገም ዘስዕበልና ዘሎ፡" ኢሉ።
ኣብቲ "ዘተ"፡ ዋና ዳይረክተር ኣገልግሎት ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ምኒስተር ዕድላት ስራሕን ክእለትን ሙፈርያት ካሚል፡ ምኒስተር መስኖን ከባቢታት ቆላን ኣብርሃም በላይን [ዶ/ር] ምኒስተር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ተረኺቦም ነይሮም።
ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ጌታቸው ረዳ፡ ኣማኻሪ ማክሮ ቍጠባ ኣምባሳደር ግርማ ብሩን ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ዳንኤል ክብረትን እውን ነይሮም።
ብዘይካኦም፡ ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮምያ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ ከምኡ'ውን መራሕቲ እቲ ክልል ነበር ኣባዱላ ገመዳ፡ ኩማ ደመቅሳ፡ ጁነዲን ሳዶ፡ ወርቅነህ ገበየሁ እውን ተሳተፍቲ ነይሮም።
ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ሌተናል ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ'ውን ካብቶም ተሳተፍቲ ነይሩ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

