ኲናት ዩክረይን፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሞስኮ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን በረራታት ተዓናቊፉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዩክረይን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ናብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፍርቲ ቭኑኮቮ ዝግበሩ በረራታት ከምዝተኣጓጎሉ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ገሊጹ።
ሎሚ ሰሉስ ኣብቲ መዕርፎ ነፍርቲ ሓዊሱ ኣብ ዝፈላለየ ከባቢታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ድሮናት ከምዝታተፉ ተሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ኩለን ድሮናት ተወቒዐን ከምዝወደቓን ዝበጸሐ ጉድኣት ከምዘየለን እዩ ዝገልጽ።
ዩክረይን ነቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ኣይወሰደትን።
ካብ ሰለስተ ዓበይቲ መዕርፎ ነፈርቲ ሩስያ ሓደ ኣብ ዝኾነ ቭኑኮቮ ተነቢሩ ዝጸንሐ ክለከላ ኣብዚ ሰዓት ተላዒሉ ኣሎ። ካብ ቱርኪ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ግብጽን ዝተበገሱ በረራታት በቲ መጥቃዕቲ ተኣጓጒሎም ነይሮም።
መጥቃዕቲ ካብ ዝፈጸማ ድሮናት እተን ኣርባዕተ ብመከላኸሊ ኣየር ከምዝተወቐዓን እታ ሓምሸይቲ ድማ ብኤሌክትሮኒክስ መሳርሒ ክትዛባዕ ብምግባር ከምዝተሓምሸሸትን ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ሓቢሩ።
ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ፡ ብዩክረይን ዝተገበረ ፈተነ መጥቃዕቲ ‘‘ሓድሽ ተግባር ግብረ ራዕዲ’’ ክትብል ኮኒናቶ።
መራኸቢ ማዕከናት ሩስያ እተን ድሮናት ወዲቐናሉ ዝተባህላ ከባቢታት ጸሪሐን ኣለዋ።
ቢቢሲ ነቶም ሓበሬታታት ብናጻ ኣካል ንምጽራይ ይፍትን ኣሎ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ሩስያ ሞስኮ መጥቃዕቲ ድሮን ክፍጸም እዚ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን። ኣብ ወርሒ ግንቦት ብውሑድ ሸሞንተ ድሮናት ብዝፈጸመኦ ደብዳብ ቀሊል ጉድኣት ከምዘብጸሓ ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ሩስያ ንዩክረይን ካብ እትወርር ንደሓር፡ ሞስኮ ዒላማ ዝገበረ ፈላማይ መጥቃዕቲ እዩ።
ዩክረይን ግና ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺማ ዝብል ክሲ ነጺጋቶ ነይራ።
ብኻልእ ዜና፡ ሩስያ ኣብ ሰሜናዊ ዩክረይን ኣብ እትርከብ ከተማ ሱማይ ብሰኑይ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ሰለስተ ከምዝበጽሐ ከንቲባ እታ ከተማ ኣፍሊጡ። በቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝቆሰሉ'ውን ይግለጽ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

