ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ ንዝጸንሐ ክርክር ውጽኢት መረጻ ሎሚ ብይን ክህበሉ ትጽቢት ይግበር  

Published

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ ኣብ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝተልዓለ ክሲን ዝጸንሐ ክርክርን ሎሚ ናይ መወዳእታ ውሳነ ክህብሉ ትጽቢት ይግበር ኣሎ።

ኮሚሽን መረጻ ኬንያ፡ ኣብቲ ውድድር ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ 7.1 ሚልዮን ድምጺ ብምርካብ ከም ዝተዓወተ ብምግላጽ ተመራጺ ፕረዚደንት ከም ዝዀነ ወግዓዊ ገይሩ'ዩ።

ኣብቲ መረጻ 6.9 ሚልዮን ድምጺ ብምርካብ ከም ዝተስዓረ ዝተነግሮ ገዲም ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ ግን ነቲ ውጽኢት ነጺግዎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ ንምሃብ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ጽኑዕ ሓለዋ ይግበር ኣሎ።

ናብቲ ቤት ፍርዲ ዝወስዱ መንገዲታት ዝተዓጽዉ ኰይኖም፡ ኣብያተ ትምህርቲ ተመሃሮአን ናብ ገዝኦም እዋኑ ከፋንዋ ምዃነን ተገሊጹ።

ናዕቢ ክለዓለሎም ይኽእል እዩ ናብ ዝተባህሉ ከባቢታት እታ ሃገር ተወሰኽቲ ሓይልታት ጸጥታ ተዋፊሮም ኣለዉ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተኻየደ መረጻ ብምስራዝ ዝወሰዶ ውሳነ ታሪኻዊ ነይሩ።

ራይላ ኦዲንጋ ፕረዚደንት ክኸውን ወይ እቲ መረጻ ደጊሙ ክካየድ እዩ ዝሓትት ዘሎ።

ንሱ መነሓንሕቱ ዊልያም ሩቶ ንስርዓት መረጻ እታ ሃገር ብምጭዋይ ካብ ናቱ ድምጺ ከም ዘጕደለ እዩ ዝኸስስ።

እቲ ምኽትል ፕረዚደንትን ኮሚሽን መረጻ ኬንያን ግን ነቲ ክሲ ይነጽጉ።

ኣርባዕተ ካብ ሸውዓተ ኣባላት ኮሚሽን መረጻ እታ ሃገር ነቲ ውጽኢት ከም ዘይቅበልዎ ምግላጾም ዝዝከር ኰይኑ፡ ኮሚሽነር ዋፉላ ቻቡካቲ ግልጺ ከም ዘይነበረ ይኸሱ።