እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኣብ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ማይን ተወሳኺ ግብሪ ከኽፍል እዩ
ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ማይን ተወሳኺ እሴት ግብሪ (ቫት) ንምንባር ሓድሽ እማመ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቀሪቡ።
እቲ ብ ሰሉስ 6 ግንቦት 2016 ዓ.ም [ግ] ናብ ቤት ምኽሪ ዝቐርብ ንድፊ እማመ፡ ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ማይን ግብሪ ነጻ ዝዀኑ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ብዘውጽኦ መምርሒታት መሰረት ክውሰን እዩ።
እቲ ሓድሽ እማመ፡ ነቲ ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ሕጊ ተወሳኺ እሴትን ድሕሪኡ ዝመጹ ክልተ ምምሕያሻትን ምሉእ ብምሉእ ክስርዞም እዩ።
እቲ ረቂቕ ኣዋጅ፡ "ትሑት እቶት ዘለዎ ሕብረተሰብ" ካብ ግብሪ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ማይን ነጻ ምዃኖም ገሊጹ።
እቲ ዝጸንሐ ሕጊ ቫት ኣብ 1994 ዓ.ም [ግ] ማለት ቅድሚ 20 ዓመት ካብ ዝእወጅ ንደሓር ክልተ ግዜ ተመሓይሹ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ምምሕያሽ ቅድሚ 15 ዓመት ኣብ 2001 [ግ] እዩ ተገይሩ። እቲ ካልኣይ ምምሕያሽ ዝተገብረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ኣብ 2011 [ግ] እዩ።
እቲ መብርሂ፡ እቲ ካብ ተወሳኺ እሴት ግብሪ ነጻ ዝገብር ረቂቕ ኣዋጅ ዝተዋህቦ መሰል ዳግማይ ብምምርማር ምትዕርራይ ከምዝተገብረ ይሕብር።
ሓደ ካብዞም ምትዕርራያት "ብዘይ እኹል ምኽንያት ካብ ቫት ነጻ ዝዀኑ [ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን] ቫት ክኸፍሉ ክግደዱ ምግባር" እዩ።
ካብቶም ካብ ግብሪ ነጻ ኮይኖም ሕዚ ግብሪ ክኽፈሉ ዝተገበረሎም ኣገልግሎታት፡ ማይን ኤሌክትሪክን ከምኡ እውን ግልጋሎት መጓዓዝያን ይርከብዎም።
እቲ ኣብ ግብሪ ዝፀንሐ ኣዋጅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ነዳዲ [ናፍታ]ን ማይን ከምኡ እውን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ካብ ቫት ነፃ ዝገበረ ነይሩ።
ነዚ ኣዋጅ ክትክእ ትፅቢት ዝግበረሉ እዚ ሓድሽ እማመ፡ ኣገልግሎት ማይ፣ ኤሌክትሪክ፣ ማይን መጓዓዝያን ውሱን ግብሪ ከም ዘኽፍል ይገብር።
መብርሂ ናይቲ ረቂቕ፡ "እቲ ደገፍ ዘድልዮ ክፋል ሕብረተሰብ ጥራይ ብዝጠቅም መንገዲ ምትዕርራይ ምግባር ኣድላዪ ክኸውን እዩ" ዝብል ኮይኑ፡ ድሕሪ ኣድላይነት ምኽፋል ግብሪ ኣገልግሎት ማይን ኤሌክትሪክን ዘሎ ስነ-መጎት የረድእ።
እቲ ሓድሽ እማመ ኣገልግሎት ማይን ኤሌክትሪክን ቫት ክኽፈል ዝድንግግ ኮይኑ፡ ገደብ እውን ኣቐሚጡ ኣሎ።
እቲ መብርሂ፤ "ካብቲ ግብሪ ነፃ ናይ ምዃን መሰል ዝህልዎም ተጠቀምቲ ድማ ካብቲ ሚኒስቴር ፋይናንስ ብዘውፅኦ መምርሒ” መሰረት ከምዝኸውን የረድእ።
ካብ ኣዋጅ ተወሳኺ እሴት ግብሪ፡ ነጻ ዝዀኑ ኣገልግሎታት መጓዓዝያ እውን ብመሰረት ቅድመ ኵነት እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ግብሪ ተነቢሩሎም ኣሎ።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ እማመ፡ እቲ ተወሳኺ ግብሪ፡ ሰለስተ እግሪ ዘለወን [ባጃጃት] ከይሓወሰ፡ ትሕቲ ሸሞንተ ወንበር ዘለወን ካልኦት ተሽከርከርቲ ኣይምልከትን።
እቲ እማመ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ካብ ግብሪ ነጻ ዝገበሮም፡ "እቲ ትሑት እቶት ዘለዎ ክፋል ሕብረተሰብ ወጻኢታት መጓዓዝያ ከይውስኸሉን፡ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ዝኽፈል ግብሪ ድማ ዋጋ ኣቝሑት ከይውስኽን" ብምሕላይ ምዃኑ የረድእ።
እቲ መብርሂ ወሲኹ እቲ ምምሕያሽ ዝተገብረሉ ምኽንያት፡ "ካብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ወጻኢ ንኻልኦት ኣገልግሎታት መጓዓዝያ ከምዚ ዓይነት ደገፍ ምሃብ ግቡእ ስለዘይኮነ" ምዃኑ ይገልጽ።
ካልእ እቲ እማመ ምምሕያሽ ዝተገበረሉ ጉዳይ ድማ፡ እቲ ግብሪ ዝኽፈልሉ ግዜ እዩ።
ኣብ 2011 ዓ.ም ምምሕያሽ እቲ ኣዋጅ፡ ዓመታዊ ዕዳጋ ትሕቲ 70 ሚልዮን ብር ዘለዎም ከፈልቲ ግብሪ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ዝእከብ ግብሪ ከፍልጡን ክኸፍሉን ይግደዱ ነይሮም።
እቲ ሓድሽ እማመ ነዚ ናይ ክፍሊት ግዜ ዝስርዞ ኮይኑ፡ "ኵሎም ከፈልቲ ግብሪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 30 መዓልታት ዝእከብ ግብሪ ከፍልጡን ክኸፍሉን" ይጠልብ።