እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ድሕሪ ፍርቂ ሓደ ከፍለ ዘመን ዝተመሓየሸ ገበናዊ ሕጊ ኢትዮጵያ
ገበናዊ ሕጊ ኢትዮጵያ ገለ ምምሕያሽ'ኳ እንተ ተገብረሉ፡ ናይቲ ሕጊ ስነስርዓት ግን ዝኾነ ዓይነት ምምሕያሽ ከይተገብረሉ 57 ዓመታት ገይሩ ኣሎ። እዚ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓሰርተታት ዓመታት ከይተመሓየሸ ዝጸንሐ ስነስርዓት ኣብዚ ቀረባ እዋን ተመሓይሹ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ተመሪሑ ኣሎ።
እዚ፡ 'ስነስርዓትን መረዳእታን ገበናዊ ሕግን' ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ ዘሎ ረቂቕ ሕጊ ንምድላው 15 ዓመት ከም ዝወሰደ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ፈደራል፡ ዳይረክተር ዳይረክተሬት መጽናዕቲ ምርቃቕን ምስራጽን ሕጊ ኣቶ በላይይሁን ይርጋ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ።
ቢቢሲ፦ ስለምንታይ'ዩ ክመሓየሽ ተደልዩ?
ኣቶ በላይይሁን ይርጋ፦እቲ ስነስርዓት ገበናዊ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ግብሪ ንክውዕል ዝሕግዝ መሳርሒ'ዩ። ካብ መርመራ ገበን ጀሚሩ፡ ክሳብ ፍርዲ፡ ከምኡ'ውን ካብ እሱራት ምእራምን ምህናጽን ንዘሎ መስርሕ ወይ ከይዲ መምርሒ ዝህብ'ዩ። መርመራ ብኸመይ ይጅምር? መሰል ጥርጡራት እንታይ'ዩ? ምስ ዋሕስ ዝተሓሓዙ ነገራት እንታይ'ዮም? ሓላፍነት ፓሊስ እንታይ'ዩ? ወዘተ ዝብሉ ዝርዝር ነገራት በዚ ናይ ስነስርዓት ሕግታት'ዮም ዝመሓደሩ።
ነቲ ኣብ 1954 (ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ዝወጸ ሕጊ ክመሓየሸ ዘገደዱ ብርክት ዝበሉ ምኽንያት ኣለዉ። ኣብ 1949 ወጺኡ ዝነበረ ገበናዊ ሕጊ ኣብ 1996 ተመሓይሹ'ዩ።
እቲ ናይ 1954 ዝወጸ ስነስርዓት ሕጊ ድማ፡ ነቲ ናይ 1949 ገበናዊ ሕጊ ናብ ግብሪ ንምውዓል ተባሂሉ ዝጸደቐ'ዩ፡ ስለዚ ግድን ክመሓየሽ ዝነበሮ'ዩ።
ካልኣይ፡ እቲ ናይ ኣተገባብራ ሕጊ ሽዑ ክረቅቕ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ዝነበራ ቅርጺ ነዚ ሕጂ ዘሎ ዝመስል ኣይኮነን። እቲ ሽዑ ዝነበረ፡ ናይ 'ኣሃዳዊ' (ውሁድ) ስርዓት'ዩ። ስልጣን ኣብ ክልላትን ፈደራላዊ መንግስትን ዝተኸፋፈለ ኣይነበረን። ስለዚ እቲ ሕጊ ምስቲ ናይ ቀደም ስርዓት ተዛሚዱ'ዩ ተቐሪጹ ነይሩ።
ናይ ፈደራልን ክልላትን ስልጣን እንታይ'ዩ? ዝብሉ ሕቶታት ኣይምልስን'ዩ። ብተወሳኺ፡ ናይ ኣብያተ-ፍርዲ ኣወዳድባ በቲ ናይ 1954 ኣይኮነን ዘሎ። ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ኣውራጃ፡ ወረዳ ዝበሃል ኣወዳድባ'ዩ ነይሩ።
እብዚ እዋን'ዚ ግና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ዝሰርሑ ኣብያተ-ፍርዲ'ዮም ዘለዉ። ናታቶም ስልጣን እንታይ'ዩ? ንዝብል ሕቶ'ውን ክምልስ ኣለዎ።
ብዘይካ'ዚ፡ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ፡ ምምሕዳር ገበናዊ ፍትሒ መሰረት ዝገበሩ፡ ኣብቲ ዝጸንሐ ዘይተኻተቱ ሓደስቲ መሰረታውያን ሓሳባት ምእታውን ምምሕያሽን ግድነት ይኸውን።
ክንደይ ዝኣኽሉ ሓደስቲ ሕግታት'ዮም ተወሲኾም? ክንደይ'ከ ተመሓይሾም?
ብሓፈሻ እቲ ዝተመሓየሸ ሕጊ ክንደይ ይኣክል ንዝብል፡ ብዙሕ'ዩ፡ ሕጂ ምዝርዛሩ ቁሩብ ከጸግም'ዩ። እቲ ረቂቕ ሕጊ ድሕሪ ምስራሕና፡ እቲ ሕጊ ዘውጽእን ካልእን ኣካል ክርደኦ ብምባል፡ ደሌዳ ኣዳሊና ኣለና።
በዚ መሰረት፡ እቶም ከምዘለዎ ዝተወስዱ፡ ብዝተወሰነ መልክዑ ዝተመሓየሹ ወይ ድማ ኣገላልጽኦምን ሓሳባቶምን ተመሓይሹ ዝኣተዉን ሓደስቲ ሕግታትን ሒዙ'ሎ።
ብዙሓት ሓደስቲ ሓሳባት ተኻቲቶም ኣለዉ። ንኣብነት ንምጥቃስ ገበናዊ ልዝብ (Plea bargain) ሓደ ካብኦም'ዩ። ገበነኛን ኣኽባሪ ሕጊ ዝረዳድእሉ ኣገባብ ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ዝስራሓሉ ስርዓት'ዩ።
ንኣብነት፡ ካብ 15 ክሳብ 20 ዝበጽሑ ክስታት ዝምስረትሎም ሰባት ኣለዉ፡ ኣኽባር ሕኪ ምስኣቶም ክላዘብ ይኽእል'ዩ። በዚ መሰረት፡ ክንድ'ዚ ዝኣክል ገበን ፈጺምካ ኣሎኻ፡ ኣብዝን ኣብትን ጭብጢ ኣለኒ። እዚ ሒዝና ናብ ቤት ፍርዲ እንተ ኼድና፡ እቲ ምጉት ብዙሕ ዓመታት ክውድእ'ዩ። ጭብጢ ምቕራብን ካልእ ነገራት ሓዊስካ። ስለዚ፡ ዝቐረቡልካ ጭብጥታትን ርኢኻ፡ እትኣምነሎም ኣለዉ ዶ? እንተ ድኣ ኣሚንካ፡ ንኣብነት ብ15 ዝተኸሰሰ ሰብ እንተኸይኑ፡ ሓሙሽተ ካብኣቶም ገዲፉ፡ በቶም ዓሰርተ ጥራይ ክኸሰካ'የ ክብሎ እኽእል።
ገበንካ፡ ተደሚሩ ጎዲሉ፡ ክንድ'ዚ ዓመት ከቕጽዓካ'ዩ። ይኹን ድኣ'ምበር፡ ክንደይ ዓመት ከም እትቕጻዕ ክንሰማማዕ ንኽእል ኢና ኢሉ ክላዘብ ይኽእል ማለት'ዩ። ስለዚ፡ ሓደ ዓመት ክልተ ዓመት ዝውድእ ጉዳይ ብሓደ መዓልቲ ይውዳእ ማለት'ዩ። ቤት ፍርዲ ነቲ ዝተሰማምዕሉ ምስ ኣጽደቖ፡ ሽዑ ንሽዑ መቕጻዕቲ ናይ ምብያን መስርሕ ይፍጸም።
ብተወሳኺ፡ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ብሄራትን፡ ብሄር-ብሄረሰባትን ዘለዉዋ ሃገር ምስ ምዃና፡ ንዘመናት ዝጸንሑ ገበናት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት መፍትሒ ክህቡ ዝኽእሉ ናይ ገዛእርእሶም ስርዓታት ኣለውዎም። እዞም ባህላዊ ስርዓታት፡ ካብቲ ስሩዕ ስርዓተ ገበናዊ ፍትሒ ዝሓሸ መፍትሒ ክህቡ ዝኽእሉ እንተ ኸይኖም፡ ኣፍልጦ ምሃብ የድልዩ። ስለዚ ባህላዊ ስርዓታት'ውን ተኻቲቶም ኣለዉ።
ክሳብ ሕጂ ክስረሓሉ ዝጸንሐ፡ ጥርጡር ይተሓዝ፡ መርመራ ይግበረሉ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ይኸይድ፡ ይቕጻዕ፡ ማእሰርቲ ይኣቱ፡ ኣማራጺ ዝበሃል ኣይነበረን።
እንተኾነ ግን፡ ኣብ ወልፊ ዘለዉ ሰባት ኣለዉ፡ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ንብዙሕ ሓደጋታት ዝተቓልዑ ውልቀሰባት ኣለዉ። ነዚኣቶም ናብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ምስዳድ፡ ካልኦት ኣማራጺታት ደሊኻ፡ ኣብ ክድገፍሉ ዝኽሉ ማእከላት ተሃድሶ (ህንጸት) ኣትዮም ማሕበራዊ ኣበርክቶ ዘበርክትሉ ኣገባባት ኣብቲ ረቂቕ ኣትዩ ኣሎ።
ኣብ ናይ ዕርቂ ኣሰራርሓ'ውን ለውጢ ተገይሩ ኣሎ። ኣብቶም ንመንግስቲ ኣይትንክፉን'ዮም ዝተባሃሉ፡ ክሳብ 3 ዓመት ከእስሩ ዝኽእሉ ጉዳያት፡ ተግባራዊ ክኾኑ ምምሕያሽ ክግበረሉ ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ'ሎ። ብዕርቂ ምውዳእ ዝሓሸ ውጽኢት ክመጽእ ከም ዝኽእል ብተግባር ተራእዩ'ዩ።
ናይ ይግባይ ጉዳይ'ውን ካልእ ኣብቲ ሕጊ ኣትዩ ዘሎ'ዩ።
ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝፍጸመሉ ኣገባብ'ውን ኣብኡ ኣትኡ'ሎ። በቲ ረቂቕ መሰረት፡ ውሳነ ካብ ዝተዋህበሉ ግዜ ንክልተ ዓመት እንተጸኒሑ፡ ናብ ሕልፈት ይቕየር። ኣብ ሃገርና፡ ሞት ፍርዲ ምስ ተዋህቦም ን20ን 15ን ዓመታት ብዘይውሳነ ዝጽበዩ ኣለዉ።
ምጽንሖም እኳ ጽቡቕ እንተኾነ፡ ናይ ስነልቦና ስቓይ ኣለዎም። ሕጂ ክቕተል'የ እናበሉ ክሰግኡ ይነብሩ። ስለዚ መፍትሒ ክህሉ ኣለዎ። ኣብዚ ረቂቕ ናብ ሕልፈት ምቕያሩ ዓቢ ለውጢ'ዩ።
በዚ ዘሎ ኣሰራርሓ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ምስ ሃበ፡ እቲ ሰብ ይግባይ እንተ ዘይኢሉ፡ ከም ዝፍጸም'ዩ ዝድንግግ። እዚ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ'ዩ።
ልምዳዊ ስርዓታት ብኸመይ'ዮም ኣትዮም ዘለዉ?
ንኣብነት ኣብ ክልል ዓፋር ምስ እንኸይድ፡ ገበን ምስ ዝፍጸም፡ ቤተሰብ ናይቲ ዝሞተን ዝቐተለን ቤተሰብ፡ ኮፍ ኢሎም ዝዘራረብሉ፡ ዝከሳስሉን ኣብ መወዳእታ ድማ ፍታሕ ዝረኽብሉን ስርዓት ኣለዎም።
ናይ ገዳ ስርዓት'ውን ከምኡ፡ ኣብ ገበናዊ ጉዳያት ባዕሉ ማዕልቦ ይገብር። ኣብ ደቡብ ምስ እንኸይድ'ውን፡ ዓበይቲ ጉዳያት ዝፈትሕሎም ስርዓታት ኣለውዎም፡ ገበናት እንተላይ ማለት'ዩ።
ስለዚ፡ ባህላዊ ስርዓታት ክንብል ከለና፡ ነቶም ዝማዕበሉ ኣፍልጦ ምሃብ'ዩ።
እዚ ግን ተጠንቂቕካ ኢኻ እትገብሮ፡ ብባህላዊ ስርዓታት ዘይራኣዩ ጉዳያት ኣለዉ።
ንምምሕያሹ ስለምንታይ'ዩ ክሳብ ክንዲ'ዚ ወሲዱ?
ንሕና ሕዚ፡ ኣመሓይሽና ነቕርቦ ኣለና ክንብል እንከለና፡ ሕዚ ተንሲእና ዝነደፍናዮ ሕጊ ኣይኮነን። ቀዲሞም ኣብዚ ስራሕ'ዚ ዝተዋፈሩ ክኢላታት ኣለዉ። እቲ ናይ ምርቃቕ ስራሕ ዝጸንሐ፡ ኣስታት 15 ዓመት ወሲድሉ'ዩ።
ሎሚ ጽባሕ ክጅመር'ዩ ይበሃል፡ ደሓር ይተርፍ፡ ናተይ ኢሉ ተገዲሱ እዚ ክውዳእ ኣለዎ ብዝብል መንፈስ፡ ክኢላ ተመዲብሉ፡ እዚ ናይ ሞትን ሂወትን ጉዳይ ተባሂሉ ስለዘይተሰርሓሉ ይመስለኒ።
ዘይሩ ዘይሩ ግን፡ ከም ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ፡ ነቲ ሕጊ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣቕሪብና ክንብል እንከለና፡ ኩሉ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተገብረ እናእተና፡ ዝመሓየሽ እናመሓሽናን እናጉደልናን ኢና ኣብዚ ኣብጺሕናዮ።
ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ግዜ ይወስድ'ዩ፡ ቀሊል ስለዘይኮነ። ናይ ስልጣን ክፍፍል ለውጢ የምጽእ'ዩ። ኣብ ፈደራል ዝነበሩ ናብ ክልል ዝወስድ እንተላ'ዩ። ኣብ ክልል ዝነበሩ'ውን ናብ ፈደራል ይመልስ። ብድሕሪ ሕዚ ዝወጹ ድንጋገታት'ውን ክህልዉ እዮም።
ካብ ፈደራል ናብ ክልል ዝኸይድ ማለት እንታይ ማለት'ዩ?
ኣብ 1996 ዝወጸ ገበናዊ ሕጂ ኣሎ። ኣብኡ ዘለዉ ድንጋጌታት ብምልኦም ኣሪና፡ እዚ ናይ ፈደራል፡ እዚ ናይ ክልል፡ እዚ ናይ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ፡ እዚ ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ እዚ ድማ ናይ ይግባይ ኢልና ብዝርዝር ኣቐሚጥናዮ ኣለና።
በዚ ሕዚ ዘሎ ኣሰራርሓ፡ ክልላት ናይ ገበን ጉዳያት ብቐጥታ ክርእዩ ስልጣን የብሎምን። ፈደራላዊ መንግስቲ ዘውጽኦም ሕግታት ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲ'ዮም። በዚ ዘሎ ኣሰራርሓ፡ ክልላት ብውክልና'ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ ዝብል ኣጠማምታ'ዩ ዘሎ።
ኣብዚ ሓድሽ ሕጊ ግን፡ ንክልላት ዝተውሃበ ስልጣን ብንጹር ሰፊሩ ኣሎ።