ሽዱሽተ ኣሕዋት ኣብ ሓደ መዓልቲ ተመርዕዮም

Published

“ሽድሽቲኦም ደቀይ ኣብ ሓደ መዓልቲ ከመርዕዎም’የ ዝብል ሓሳብ'ኳ እንተጸንሓኒ፡ ከምቲ ዝሓሰብክዎ ክዀነለይ’ዩ ኢለ ግን ሓሲበ ኣይፈልጥን” ይብሉ ኣቶ ተፈሪ በላይ።

ቢቢሲ ናብ እንዳ ኣቶ ተፈሪ ስልኪ ክድውል እንከሎ ሽዱሽተ ደቈም ኣመርዕዮም፣ ብታሕጓስ ተዋሒጦም’ዩ ረኺብዎም።

ብ28 ግንቦት 2014 ዓ.ም [ግእዝ] ዕለተ ሰንበት፡ ከተማ ወረ ጃርሶዋ ጐሃጽዮን ብዕዱማትን መርዑትን ‘ሃይ ሎጋ ሆ’፣ ዕልልታን ጣቕዒትን ደሚቓ እያ ውዒላ።

ኣሽሓት ዕዱማት ነይሮም፤ 15 ከብቲ ድማ ነቶም ዕዱማት ተዳልየን።

እቲ መርዓ፡ ብዓቕሚ ቤተሰብ ጥራይ ዝክኣል ኣይነበረን። ነባሪ እቲ ኸባቢ መቐነቱ ዓጢቑ ተሳቲፍሉ’ዩ። ዘለዎ ሒዙ እናመጽአ ‘ደስታኹም ደስታና’ዩ’ ኢሉዎም።

ኣቶ ተፈሪ’ውን “. . . ደስታይ ልዕሊ ዓቕመይ’ዩ” ይብሉ።

ሽዱሽተ ደቈም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዘመርዓው ኣቶ ተፈሪ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ወረ ጃርሶ ከተማ ቀሬ ጐሃጽዮን እዮም።

እዚ፡ ናይ ነዊሕ እዋን መደቦም ከም ዝነበረ ይዛረቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ውላድኩም ንውላደይ ዝብሉ ብዙሓት ሽማግለታት ምምጽኦም ይዛረቡ። ሽዑ፡ እተን ክልተ ደቈም’ዮም ተሓቲቶም።

ኣብዚ ዓመት ድማ፡ ዓይኑ ኣብታ ሓንቲ ጓሎም ዘውደቐ መንእሰይ ሽማግለ ልኢኹ። ንሶም’ውን፡ ነቶም ሰለስተ ደቈም ዝዀና ንክረኽቡ ሽማግለታት ልኢዀም።

ብኸምዚ፡ እቲ መስርሕ ምድላው መርዓ ተጀሚሩ።

ኣብቲ ብ28 ግንቦት 2014 ዓ.ም ዝተፈጸመ መርዓ ደቈም ድማ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዕዱማት ክርከቡ እንከለው፡ እቲ መርዓ ብጽቡቕ ንኽሓልፍ ኮሚቴታት ቤተዘመድ ከም ዘወሃሃዱ ይዛረቡ።

“እዞም ኮሚቴታት፡ ዝብላዕ፡ ዝስተ፡ ከምኡ’ውን ሰባት ብስርዓት ንኽተኣናገዱን ጸገማት ከይፍጠሩን ዝከታተሉን’ዮም። በዚ መልክዕ ንዅሉ ኣዳልየ ደቀይ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣመርዕየ” ይብሉ።

ኣቶ ተፈሪ፡ ደቈም ኣብ ሓደ መዓልቲ ንኽምርዓው ናይ ነዊሕ እዋን መደቦም ከም ዝነበረ እዮም ዝዛረቡ።

“ደቀይ ስርዓት ዘለዎም ቈልዑ’ዮም። ብጣዕሚ’የ ዝፈትዎም። ብስርሖም ሕጉስ’የ፤ ኵሉ ኸኣ ይፈትዎም'ዩ። በዚ ምኽንያት፡ መርዓኹም ኣብ ሓደ መዓልቲ እዩ ክኸውን ኢለዮም። ፈጣሪ ሓጊዙኒ ኸኣ ከምቲ ዝሓሰብክዎ ኰይኑለይ፡” ኢሎም።

ዕዱማት እቲ መርዓ፡ ኣባላት ሽዱሽተ ስድራቤት እዮም። እዚ ዅሉ በሊዑን ሰትዩን ንክኸይድ ኣቶ ተፈሪ ዘዋሃሃድዎ ኮሚቴ ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ፈጺሙ’ዩ።

ወጻኢታት መርዓ፡ ከቢድ ከም ዝነበረ ኣቶ ተፈሪ ኣይሓብኡን።

ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ኣውጺእኩም? ኢልና ብተደጋጋሚ እንተሓተትናዮም’ውን “እቲ ወጻኢታት ከቢድ ነይሩ” ካብ ምባል ሓሊፉ ብቝጽሪ ክዛረቡ ኣይደለዩን።

ብተወሳኺ፡ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ዝገበረሎም ሓገዝ ልዑል ከም ዝዀነ ይገልጹ።

“ጽቡቕ ባህሊ ኣለና፤ ህዝብና ንሓድሕዱ ይተሓጋገዝ እዩ። ገሊኡ በጊዕ ገዚኡ መጺኡ፣ ገሊኡ ክኣ ስዋ፣ ኣረቂ እናሓዘ ዘድሊ ነገራት ሒዙ’ዩ መጺኡ፡” ኢሎም።

ኣብቲ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተፈጸመ መርዓ ሽዱሽተ ደቈም፡ 15 ጥሪት ተዳልየን ከም ዝነበራ ዝገልጹ ኣቶ ተፈሪ፡ ካብዚአን እተን 10 ኣብቲ ዕለተ መርዓ ንዕዱማት ከም ዝተሓረዳ ተዛሪቦም።

እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ደቈም ድማ ብተመሳሳሊ ኣብ ሓደ መዓልቲ ንኸመርዕው መደብ ከም ዘለዎም'ውን ሓቢሮም።