ሓይልታት ትግራይ ሒዞምዎ ካብ ዝጸንሑ ቦታታት ክልል ኣምሓራ ከምዘንሰሓቡ ገሊጾም  

ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘመልክት ካርታ
Published

ሓይልታት ትግራይ፡ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጲያ ብ 24 ነሓሰ 2022 ዳግማይ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዞም ተቘጻጺሮምዎ ካብ ዝጸንሑ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ከም ዘንሰሓቡ ትማሊ ብማእከላይ ኮማንድ ትግራይ ዝወጽአ መግለጺ ኣፍሊጡ።

መግለጺ ማእከላይ ኮማንድ፡ እዚ ዝተገብረ ምቅይያር ቦታ ህሉው ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ንጥሙር ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝተኣማምን ንምምካት እዩ፡ ይብል።

እቲ ካልኣይ ዓመቱ ተቓሪቡ ዘሎ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ኢትዮጲያ፡ ንሰብኣዊ ረዲአት ተባሂሉ ኣብ መጋቢት ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ሃዲኡ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፡ ብደቡባዊ ሸነኽ ክልል ትግራይ ዝሓለፈ ነሓሰ ዳግም ተወሊዑ።

ሓይልታት ትግራይ ድማ ናብቲ ኣዋሰንቲ ግዝኣት ክልል ኣምሓራ ዝዀና ከባቢታት ሰሜን ወሎ ገጾም ብምድፋእ፡ ዝተወሰኑ ከባቢታ ተቘጻጺሮም ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።

እቲ ትማሊ ካብ ማእከላይ ኮማንድ ትግራይ ዝተዋህበ መግለጺ፡ እቲ ዳግም ዝተቐስቀሰ ኲናት ብኣንፈት ደቡብ ጀሚሩ ናብ ካልኦት ከባቢታት ከም ዘስፋሕፍሐን ብዝሓየለ ከም ዝቐጸለን ይጠቅስ። 

እቲ ውግእ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ምስ ክልል ትግራይ ኣብ ዝዳወቡ፡ ከባቢታት ምብራቓዊ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ሰሜን ወሎን ኣብ መዳውብቲ ከባብታት ክልል ዓፋርን ብጽዑቕ ከም ዝቐጸለ ዝዝከር እዩ።

ብዘይካኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት፡ ብፍላይ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውቡ ከባቢታት ሸራሮ ሰፋሕቲ ውግኣት ከም ዝሰዓቡ ተገሊጹ እዩ።

እዚ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስፊሕ ምፍንቓል ጥምየትን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣስዒቡ ይርከብ።

 

ሓይልታት ትግራይ ካበየኖት ከባቢታት ኣንሳሒቦም?

እቲ ብማእከላይ ኮማንድ ትግራይ ዝወጽአ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ ካበየኖት ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ከምዝወጽኡ ብዝርዝር ኣይጠቐሰን።

እንተዀነ እቶም ሓይልታት ኣብቲ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራ ደፊኦም ብምእታው፡ ቀንዲ ማእከል ወረዳ ራያ ቆቦ ዝዀነት ከተማ ቆቦ ተቘጻጺሮም ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ።

ብዘይካኡ፡ ጉጉውዶ፡ ፎኪሳ፡ ዞብል፡ መንደፈራ፡ ሮቢት፡ ሽዎች ማርያምና ተኩለሽ ዝተባህሉ ከባቢታት ተቘጻጺሮም ምጽንሖም’ውን ይፍለጥ።

መንግስቲ ፈደራል፡ 'ኣብ ከተማታት ውግእ ንዘይምክያድ' ካብቲ ከባቢ ከምዝወጸ ገሊጹ ነይሩ።

በዚ መሰረት፡ ካብ ኵሉ’ዚ ተቘጻጺሮምዎ ዝጸንሑ ከባቢታት ለቒቘም ወጺኦም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ሕጂ ዝተገብረ ምቅይያር ቦታታት ካብ ኣንፈት ደቡብ [ትግራይ] ኰይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ነቲ ውሳነ ከተግብሩ ከም ዝጸንሑ ኣፍሊጡ'ሎ። 

. . . ብተወሳኺ

እቲ ከም ግብረመልሲ ናይቲ ዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ ዝጀመረ ኲናት ምዃኑ ዘመልክት መግለጺ ማእከላይ ኮማንድ ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ሰፊሕ ከባቢታት ክልል ኣምሓሪ ተቘጻጺሮም ከም ዝጸንሑ ጠቒሱ።

ነዚ ሓድሽ መግለጺ ኣመልኪቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ዝበሎ ነገር’ኳ እንተዘየለ፡ ነቲ ብወገን ትግራይ ንኣጀማምራ ‘ዚ ዳግማይ ኲናት ኣመልኪቱ ቅድሚ ሕጂ ንዝቐረበ ክሲ ብምንጻግ፡ ነቲ ኣብ መጋቢት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ብምጥሓስ እቲ ኲናት ብህወሓት ከም ዝተጀመረ ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ብመሰረት መግለጺ ኮማንድ ትግራይ፡ ዕላማ ምሓዝ ቦታታት ክልል ኣምሓራ፡ “ጸላኢ ኣገዲድካ ናብ መኣዲ ዘተ ሰላም ንምምጻእ፡” እዩ።

እቲ ዝተገብረ ምቅይያር ቦታ ካብ ኲናት ወጻኢ ምዃኑ ዘመልከተ እቲ መግለጺ፡ በቲ ግንባር ተመሳሳሊ ፈተነ መጥቃዕቲ ምስዝፍተን ግን ብዝጥዕም ኣንፈትን ቦታን "ተመሊስና ክንኣቱ ኢና፡" ክብል ኣጠቂቝ።