እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ኣማኻሪ ፕረዚደንት የማን ገብረኣብን ዝምራሕ ልኡኽ ኤርትራ ትማሊ ናብ ደቡብ ሱዳን ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት ከምዝተራኸበ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።
እቲ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ኣብ ጉዳይ ምዕባለታት ደቡብ ሱዳን፡ ክልተኣዊ ርከባትን ዞባዊ ጉዳያትን ከምዝተዘራርበ እቲ ሚኒስተር ብትዊተር ሓቢሩ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዙሓት ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ከምዝርከቡን፡ ኣብ መትኒ ቝጠባ እታ ሃገር ብዙሕ እጃም ከምዘለዎምን’ዩ ዝግለጽ።
ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፡ ኤርትራ ናብ ኢጋድ ዳግማይ ክትጽንበር ምውሳና ብምምጓስ፡ ምምላስ ኤርትራ ናብ ኢጋድ ንዞባዊ ምትሕባባር ዘሐይልን ውጽኢት ዘበርኽን'ዩ ኢሉ ከምዝገለጸ ሓበሬታ ትዊትር ኣመልኪቱ።
ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ግንቦት 2022 ንተመሳሳሊ ዕላም ናብ ደቡብ ሱዳን ብምጋሽ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ተራኺቡ ብምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ኤርትራ፡ ኣብዚ እዋን ዝተፈላለየ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ክትገብር ትርአ ኣላ።
ብውሑዱ ካብ ምጅማር እዚ ዓመት'ዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይስ ብ 8 ለካቲት ናብ ኬንያ በጺሑ ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፤ ብ 28 ለካቲት ድማ ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ ምስ ወራስ-ዘውዲ ንግስነት ስዑድ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ከም ዝዘተየ ይፍለጥ።
ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝሓዘ ጕጅለ ልኡኽ እውን፡ ብ 22 መጋቢት ኣብ ሩስያ ዑደት ከምዘካየደ ዝዝከር እዩ።
ብኻልእ መዳይ፡ ብ 13 መጋቢት ፕረዚደንት ሶማልያ ሸሕ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ - ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ንሳልሳይ ግዜኡ - ብ 13 መጋቢት ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ምስ መራሕ ሃገር ክዘራረብ እንከሎ፣ ኣብታ ዕለት፡ ኣብ ፖለቲካ ሱዳን ዓቢይ ጽልዋ ዘለዎ ምክትል ልኡላዊ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል መሓመድ ዳጋሎ - ሕሜቲ፡ ናብ ኤርትራ በጺሑ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዘራሪቡ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብሪጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካስ ዝመርሖ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምክልኻልን ስለያን ዝሓዘ ጕጅለ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ብምግባር፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታ ድሕነት ኢትዮጵያ ምብጻሕ ኣካይዱ፡ ኢንስቲትዩት ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስን ካልኦት ኣገደስቲ ትካላት ምክልኻልን ጸጥታን ከምኡውን ልምዓትን ቴክኖሎጅን እታ ሃገር ይበጽሕ ኣሎ።
እቲ ብውሕዱ ሓሙሽተ ላዕለዎት ጀነራላት ዝርከብዎ ጕጅለ፡ ብምክትል ኢታ-ማጆር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ኣበባው ታደሰ ተሰንዩ ብ 2 ሚያዝያ ናብ ግድብ ህዳሰ ከምዝበጽሐ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ገሊጹ።
ጕጅለ ልኡኽ ኤርትራ፡ ንዓቕሚ ትሕተ ቕርጺ ተክኖሎጂ ኢንስቲትዩት ሰብሰርሖ ብልሒ፡ ዛጊት ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታትን ስርሓት ምርምርን ተዓዚቡ።
ኣሜሪካ ኣብ 2021፡ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኣብርሃ ካሳ፡ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጐስ ገብረሂወት ወልደኪዳን ከምኡ'ውን ንዝተፈላለያ ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ ዝሓቁፍ ሕድሪ ትረስትን ንግዳዊ ትካል ቀይሕ ባሕሪን ማዕቐብ ኣንቢራ እያ።
እዚ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ማዕከናት ዜና ክቐርቡ ዘይረኣዩ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ጸጥታን ኤርትራ ዝሓዘ፡ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝመርሖ ልኡኽ፡ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ኣውሊያይ፡ ብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ብርጋዴር ጀነራል እዮብ ፍስሃየ [ሓሊባይ]፡ ብ/ጀነራል ሓድሽ ኤፍረም፡ ብ/ጀነራል ሚኪኤል ሃንስን፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ኤርትራ ምዃኑ ዝንገረሉ ኰሎኔል ኣስመላሽ [ወዲሓፍቲ] ካልኦትን ዝርከብዎ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ኢትዮጵያ፡ ምስ ተክኖሎጂ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ዝተኣሳሰር ንጥፈታት ዘካይድ፡ ኣብ ዝተፈላለየዩ ጽላታት ንምምዕባል ትሕተቅርጺ እዚ ብልሒ ዝዓዪን እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ትካል ምዃኑን እዩ ዝንገር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓትን ሓድሽ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣብቲ ኢንስቲትዮት ተመሳሳሊ ዑደት ኣካይዶም ምንባሮም ኣይርሳዕን።