ኣመሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ ንዋሕስ ዝኸውን ገንዘብ ከምዝሰኣነ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ክኸፍሎ ዝተኣዘዞ 464 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ዋሕስ ዘትሕዘሉ ትካል ከምዘይረኸበ ጠበቓታቱ ኣፍሊጦም።
ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ፡ ምስቲ ኣብ ኒውዮርክ ተኸፊትሉ ዘሎ ጉዳይ ምጥፍፋእ ብዝተሓሓዝ ብምልኡ እቲ ገንዘብ ብቐጥታ ክኸፍል ወይ ድማ ክሳብ መስርሕ ይግባይ ዝውዳእ ብቦንድ ዝውሓሶ ትካል ክረክብ'ዩ ብቤት ፍርዲ ተኣዚዙ።
ኣብ ውሽጢ 6 መዓልታት ዋሕስ ከረክብ እንተዘይኪኢሉ ግን ኣምሳያኡ ገለ ካብ ኣባይቱ ብኣኽበርቲ ሕጊ ክታሓዝን ክሽየጥን ከምዝኽእል ይግለጽ።
እቲ ንሰልፊ ሪፓብሊካን ብምውካል ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ምዃኑ ኣረጋጊጹ ዘሎ ትራምፕ፡ ክንዲ'ዚ ዝኣክል መጠን ቦንድ ንምርካብ "ብግብሪ ዘይክኣል" ምዃኑ ይምጉት ኣሎ።
ትካላት ቦንድ፡ ብክፍሊት ናይ ቦንድ ዋሕስ ከምዝህባ ይፍለጥ።
ኣብቲ ይግባይ ዝበለሉ ጉዳይ እንተ ተረቲዑ ግን እተን ትካላት ቦንድ ኣብ ክንድኡ ነቲ ገንዘብ ክኸፍላ ክግደዳ እየን።
ትራምፕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዝተሓተቶ መጠን ቦንድ "ንዝኾነ ትካል፡ ዋላ ከምዚ ናተይ ዕዉታት ይኸና ዝክኣል ኣይኮነን" ፍታሕ ክግበረሉ ይምሕጸን ኣሎ።
"ትካላት ቦንድ ክንዲ'ዚ ዝኣክል ቦንድ ሰሚዐን ኣይፈልጣን'የን" ይብል እቲ ብብዙሕ ጉዳያት ናብ ኣብያተ-ፍርዲ ዝመላለስ ዘሎ ትራምፕ።
ጠበቓታቱ ናብቲ ቤትፍርዲ ዘቕረብዎ ሕጋዊ ሰነዳት ከምዘመልክቶ፡ ንብዙሓት ዓበይቲ ትካላት ቦንድን ኢንሹራንስን ተወኪሶም ግና ዝወሓሶም ከምዘይረኸቡ ጠቒሶም።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዓቢ መጠን ዘለዎ ቦንድ ነቶም ጥረ ገንዘብ ወይ ብቐሊሉ ናብ ጥረ ገንዘብ ክልወጥ ዝኽእል ከም ብርክታት ዝበለ ሃብቲ ዘለዎም'ዩ ዝወሃብ።
ዓበይቲ ደቁ'ውን ኣብቲ ጉዳይ ሚልዮናት ዶላራት ክኸፍሉ ተኣዚዞም ኣለዉ።
ኣብ ርእሲ'ቲ ናይ ዋሕስ ገንዘብ ክኸፍል ምእዛዙ፡ ዳኛ ቤት ፍርዲ ኣርተር ኤንጎሮን ትራምፕ ኣብ ክፍለሃገር ኒውዮርክ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ዝኾነ ንግዳዊ ንጥፈታት ከይሳተፍ'ውን ኣጊድዎ'ዩ።
እቲ ቤትፍርዲ፡ ትራምፕ ብሓሶት ዘለዎ ሃብቲ ብምትዕብባይ ዝሓሸ ናይ ለቓሕ ዕድላት ክረክብ ክኢሉ ብምባል እቲ ቤትፍርዲ ወሲኑ ዘሎ።
ክንዲ'ዚ ዝኣክል ኣማኢት ሚልዮናት ገንዘብ ዋሕስ መብዛሕትኡ ግዜ ንኩባንያት ዝሕተት ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።
ክሳብ ሕጂ ቀንዲ ስልቲታት ጠበቓታት ትራምፕ፡ ነቲ ጉዳይ ክሳብ ይግባይ ዝብለሉ ንምድንጓይ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ፡ ሕጂ ግን "ናብ ዘብሎ የብሉን" ክትብል ኣኽባሪት ሕጊ ፈደራል ዝነበረት ዳያና ፍሎረንስ ትዛረብ።
እቲ ቤትፍርዲ ተወሳኺ ግዜ ክህቦ እንተዘይኪሉ ድማ ንብረቱ ተሓሪጁ ናብ ገንዘብ ከይልወጥ ዓቢ ስግኣት ክህልዎ ከምዝኽእል ተብርህ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ኒውዮርክ፡ እቲ ተሓቲቱ ዘሎ ገንዘብ ንክረክብ 30 መዓልቲ'ዮም ሂቦሞ፡ እዚ ድማ ክሳብ 25 መጋቢት ጥራይ ዝጸንሕ'ዩ።
'ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ' ከምዝብሃል ድማ፡ ክሳብ ዝኸፍሎ ድማ መዓልታዊ $112,000 ዶላር ወለድ የዋህልል ኣሎ።
ፎርበስ ዝተባህለ ጸብጻባት ሃብቲ ውልቀሰባት ሰብ ጸጋ ዓለም ዘውጽእ እትካል ከምዝገልጾ፡ እኩብ ሃብቲ ዶናልድ ትራምፕ 2.6 ቢልዮን ዶላር ይግምገም።
ሕጋዊ መዘዝ ትራምፕ ግን እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ'ውን ምስ ጸለመ ብዝተሓሓዝ ሓንቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመላ ኢ ጂን ካሮል ዝተባህለት ሰብ 83 ሚልዮን ዶላር ክኸፍላ ተኣዚዙ ምንባሩ ይዝከር። ንዕኡ'ውን ቦንድ ኣትሒዙ ይርከብ።
እቲ ንካልኣይ እብረ ፕረዚደንት ክኸውን ዝወዳደር ዘሎ ትራምፕ፡ ካልእ ገበናዊ ጉዳያት ቤትፍርዲ ከምዘለዎ'ውን ይፍለጥ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
