እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንመንነቶም ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽ ኣሽማቶም ዝቕይሩ ዘለዉ መንእሰያት ኦሮሞ
ተወለድቲ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎ ብሄር ኦሮሞ ዝዀኑ መናእሰይ፡ ንመንነቶም ዝህብዎ ክብሪ ክብ እናበለ ይመጽኣሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ገለ ሰባት ኣስማቶም ናብ መበቈላዊ ኣሽማት ኦሮሞ ይቕይሩ ኣለዉ።
ሞቲ በጊ፡ ሓደ ካብቶም ሽሞም ዝቐየሩ እዩ። እዚ ወዲ 40 ዓመት፡ ኣቐዲሙ ደረጀ በጊ ይበሃል ነይሩ።
እንተኾነ ነቲ “ደልደለ” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ‘ደረጀ’ ዝብል ሽም ኣምሓርኛ ገዲፉ፡ ንጉስ ዝትርጕሙ ‘ሞቲ’ ዝብል ሓድሽ ሽም ወሲዱ።
ብሞያኡ መሃንዲስ ዝኾነ ሞቲ፡ ሽሙ ዝቐየረ ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፤ ካልኦት ሸውዓተ ኣዕሩኽቱ'ውን ንመንነቶም ዘለዎም ክብሪ ንምግላጽ፡ ኣብ ቀረባ ኣሽማቶም ናብ መበቈላዊ ስያመታት ኦሮሞ ቀይሮም እዮም።
ኦሮሞቶት ብፍላይ በቶም ካብ ጐረቤት ክልል ኣምሓራ ዝወጽኡ ዝነበሩ ነገስታት ንዘበናት ብቛንቋኦም ክሓፍሩን ክሽቝረሩን ተገይሮም ነይሮም።
እዞም ነገስታት ግዝኣቶም ሓድነት ክህልዎ ንምግባር ቋንቋ ኣምሓርኛ ሃገራዊ ቋንቋ ገይሮምዎ'ዮም።
ምስቲ ኵነታት ንምጥዕዓም ድማ ብዙሓት ናይ ኣምሓርኛ ኣሽማት ክወስዱ ይመርጹ ነይሮም።
ድሕሪ እቲ 1991 [ኣ.ኤ] ኣብታ ሃገር ዝተገበረ ፖለቲካዊ ለውጢ ግን፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ኦሮሞ እቲ ዝነበረ ኣመለኻኽታ ተቐይሩ እዩ።
“ከም ሓደ ኦሮሞ መንነተይ መሊስ ንምርካብ፡ እቲ ዝቐለለ ክገብሮ ዝኽእል ሽመይ ምቕያር እዩ” ይብል ኣቶ ሞቲ።
ሞቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተገበረ ሓደ ናይ ስራሕ መወዓውዒ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝደፋፈኦ እዩ ዝገልጽ።
ቤት ጽሕፈት ጥዕና ክልል ኦሮምያ ክልተ ሽሕ ዶክተራትን ሰብሞያ ጥዕናን ንምቝጻር ኣብ ማዕከናት ዜና ክነግር እንከሎ፣ ኵሎም ተዛረብቲ ኦሮምኛ ክኾኑ ከም ዘለዎም ኣመልኪቱ ነይሩ እዩ።
ኰይኑ ግን እቲ መጸዋዕታ፡ ቋንቋ ኦሮምኛ ብዘይዛረቡ ኢትዮጲያውያን ሓያል ተቓውሞ ገጢምዎ።
እቲ ተቓውሞ ንሞቲ ሓያል ቊጥዐ ፈጢሩሉ፤ ምኽንያቱ ካብቶም ተቓወምቲ እቶም ዝበዝሑ ኣብቲ ተዛረብቲ ኦሮምኛ ዝነብሩሉ ክልል ዝዓበዩን ነቲ ቋንቋ ንምምላኽ ጻዕሪ ዘይገበሩን እዮም ዝብል እዩ።
“እዚ እዩ ሽመይ ክቕይር ዝደረኸኒ፡” ይብል።
ናይ ኦሮሞ ሽም ምጽሓፍ ዝኣበየት ነርስ
እቶም ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ድሕሪ ውድቀት ደርግ ዝዓበዩ ኦሮሞቶት ሕውስዋስ ሽም ክወሃቦም እዩ ጸኒሑ።
እዚ ድማ ዋላ'ኳ ኣምሓርኛ ሃገራዊ ቋንቋ ስራሕ ኰይኑ እንተቐጸለ፡ መንግስቲ ንማዕርነት ብሄራት ኣፍልጦ ብምሃቡን ህጻናት ብቋንቋ ኣደኦም ክመሃሩ ብምፍቃዱን ምዃኑ ተመራመርቲ ይገልጹ።
ኦሮሞቶት ቈልዑ ኣሽማት ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ክወሃቦም ጀሚሩ።
ወዲ 32 ዓመት ኣብዲ ገመቹ ክሳብ 2005 ‘ግርማ’ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ ነይሩ።
ብቘልዓኡ ኣደኡ ክተኽትቦ ናብ መደብር ጥዕና ምስ ወሰደቶ፡ እታ ነርስ ኣብዲ (ብቋንቋ ኦሮሞ ተስፋ ማለት እዩ) ዝብል ሽም ኣብ መዝገብ ንምጽሓፍ ፍቓደኛ ብዘይምዃና፡ ኣደኡ ብዘፍታዋ ንወዳ ግርማ ዝብል ሽም ሂባቶ።
ኣብ ገዛኡን መሓዙቱን ግን ኣብዲ እናበሉ እዮም ዝጽውዕዎ ነይሮም።
“ነቲ ዝፈትዎ ሽመይ ኣብ ኵሎም ኣድለይቲ መዛግብተይ ብምርካበይ ሕጕስ እየ። እቲ ሽም ነቲ ሓቀኛ መንነት ኦሮሞ እዩ ዝውክል። ልዕሊ ዅሉ ስድራይ ናይ ስርዓት ለውጢ ክህሉ ካብ ዝነበሮም ድልየትን ተስፋን እዮም ነቲ ሽም ሂቦምኒ” ይብል።
ብቋንቋ ኦሮሞ ብዙሕ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ኢቢሳ ባይሳ እውን ተመሳሳሊ ታሪኽ እዩ ዘለዎ።
ካብ ፈላሞት መጻሕፍቱ ሓደ ዝኾነ ‘ሚሊቶ’ ዝብል መጽሓፍ ስነልቦና፡ እንዳልካቸው ባይሳ ብዝብል ናይ ኣምሓርኛ ሽሙ እዩ ተሓቲሙ ነይሩ።
እቲ ሽም ኣብ እዋን ዘመነ ሃይለስላሰ፡ ኣድናቒ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ እንዳልካቸው ብዝነበረ መሳርሕቲ ኣቦኡ እዩ ተዋሂብዎ።
ንሱ፡ ዋላ'ኳ እንዳልካቸው ብዝብል ሽም ኣምሓርኛ ዝፍለጥ እንተነበረ፡ ኣብ ገዛኡን ከባቢኡን ግን ኢቢሳ (በረኸት) ብዝብል ሽም ኦሮሞ እዩ ዝጽዋዕ ነይሩ።
ብዙሓት መጻሕፍቲ ምስ ጸሓፈን ተፈላጥነቱ ምስ ዛየደን ግን ብናይ ኦሮምኛ ሽም ክጽዋዕ መሪጹ።
“ሓቀኛ ናይ ኦሮሞ መንነተይ ዝገልጽ፡ ኦሮምኛ ሽም ደልየ” ይብል።
ሞቲ፡ መንነት ሓደ ማሕበረሰብ ንምጥፋእ ቋንቋኡን ኣሰያይማ ኣሽማቱን ምጥፋእ እቲ ዝቐለለ መንገዲ እዩ-መልሓሱ ከም ምቑራጽ እዩ- ኢሉ እዩ ዝኣምን።
ንሱን ካልኦትን ኣሽማት ኣምሓርኛ ገዲፎም ዝተዓበሰ ማሕበረሰባዊ ድምጾም መሊሱ ክስማዕ ከም ዝገበሩ ከም ዝሰዖም እውን ይኣምን።