‘ሸሞንተ ዓመት ዝለፋዕኹሉ ብምሉኡ ገዲፈ'የ ተመሊሰ’- ተመላሲት ስዑዲ

Published

ሽኩሪያ መሓመድ ጓል 19 ዓመት እናሃለወት ብ2006 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] እያ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከይዳ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ ንትሽዓተ ወርሒ ኣብ ከቢድ ኵነታት ከም ዝነበረትን፡ ቅድሚኡ'ውን ኣብታ ሃገር ብዙሕ ጸበባ ከም ዘሕለፈትን ትገልጽ።  

ሽኩርያ ናይ ክልተ ዓመት ቪዛ ረኺባ ናብ ስዑድያ ምስ ከደት 600 ሪያል እናተኸፈላ ኣብ ሓደ ገዛ ክትሰርሕ ጀሚራ።

ኣስራሕታ ግን፡ ንኽልተ ዓመት ምሉእ ቴሌፎን ክትጥቀም ኣይፈቕዱላን ነይሮም። ናብ ስድራኣ ንምድዋል ድማ፡ “እቲ ስልኪ ሰርሐ ኣይሰርሐ” ብዘየገድስ 50 ሪያል ክትከፍል ትግደድ ነይራ።

ብኸምዚ ኵነታት ክልተ ዓመት ምስ ሰርሐት መሃያ ክውሰኸላን ስልኪ ምሓዝ ክፍቀደላን ሓተተት። እንተኾነ ሽዑ'ውን ከም ዘይፍቀድ ተነጊርዋ።

ሽኩሪያ ካልእ ኣማራጺ ወሲዳ፤ ካብቲ እትሰርሓሉ ገዛ ጠፊኣ ክትከይድ ወሲና።

“ክንጠፍእ ዝሕግዘና ሓደ ነቲ ሃገር ዝፈልጦ ዓረብ እዩ። [እቶም ዝሕግዙና ሰባት] ብዙሕ ሪያል እዮም ዘኽፍሉና፤ ደሓር ሰሪሕና ንክንኸፍሎም እምበር ኣብ ኢድና ገንዘብ ኣይነበረናን። ምስ ጠፋእና ኵሉ ሰብ ፅቡቐ ነገር ኣይገጠሞን" ትብል።

ዝዀነ ኰይኑ ምስ ጠፍአት ዘጋጠማ ነገር ፍፁም ክትዝክሮ ከም ዘይትደሊ ኣብ ዓᎁቕ ስምዒት ኰይና ነጊራትና።

ሽኩሪያ ክትዝክሮ ዘይትደሊ ብዙሕ ‘ስቓይ’ ኣሕሊፋ እያ፤ ብዝተኻእለ መጠን ናብ ሃገራ ሒዛቶ ክትምለስ እትኽእል ገንዘብ'ውን ኣዋህሊላ።

እቲ ገንዘብ ድማ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ብሓባር ኣብ ዝተኻረዮቶ ገዛ ተቐምጦ ነይራ። ሽኩሪያ ከምትብሎ እቲ ገዛ ዕረፍቲ ክህልዎም ከሎ ዝዓርፉሉ እዩ።

ሓደ መዓልቲ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣብ ዕረፍቲ እናሃለዉ ሃንደበት ፖሊስ ማዕጾ ሰይሮም ይኣትዉ።

“ከይተዳለኹ፥ ዝኾነ ነገር ከይሓዝኩ መፂኦም ሒዞምና ወፂኦም። ዕጡቓት ስለ ዝዀኑ ‘እዚ ክሕዝ’ ኢለ ክሓትት ኣይክእልን። ወረቐት ስለ ዘይብለይ መሰለይ ኣይኮነን።”

ኢትዮጵያውያን እሱራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ

ድሕሪ'ዚ፡ ሽኩርያ ንነብሳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ እያ ረኺባቶ። ልዕሊ 200 ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፃበበ ኩነታት ብሓባር ከም ዝተኣስሩ ትዝክር።

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ነፍሰጾራትን ልዕሊ ሓደ ውላድ ዝሓዛ ኣዴታትን ከም ዝነበራ ከምኡ’ውን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝወለዳ ከም ዘለዋ ትዛረብ።

ካብ ከቢድ ፀገም ንክወጽኡ ነቶም ሓለውቲ ብተደጋጋሚ ይሓትዎም ነይሮም።

“ናብ ሃገርና ክንከይድ እንተሓተትና ይወቕዑና፣ መግቢ ይኣብዩና፣ ይቐጽዑና። ‘መንግስትኹም እዩ ዘይደልየኩም እምበር ናትና ፀገም ድዩ?’ እናበሉ ን24 ሰዓታት መግቢ ይኽልክሉና” ትብል።

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ጎንፂ ይፍጠር ነይሩ።

እቶም ስደተኛታት ብብሄር ተኸፋፊሎም “ሃይላንድ ማይ መሊኦም ብኡ ይተሃራረሙ . . . [ሓደ መዓልቲ] ሒሙኒ ደቂሰ እንከለኹ ማይ ዝመልአ ሃይላንድ ኣብ ዓይነይ ዓሪፉ። ግንባሮም ዝተፈግኡ ነይሮም። በዚ ምኽንያት ንሳቶም'ውን ናብ ሕክምና እንተኸዱ’ውን ናተይ ዓይነይ ስለ ዝነበረ ብቐንዱ ንዓይ እዮም ክትትል ገይሮሙለይ” ትብል።

ሽኩሪያ ከምዚ እናበለት ንሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፀኒሓ።

ጉዳይ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያ ዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ይዝረበሉ ነይሩ።

ኣብ መንጎ እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዝርከቡ 100 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገር ከም ዘእቱ ገሊፁ።

ሽኩሪያ እዚ ዕድል ተጠቒማ ናብ ሃገራ እንተተመልሰት እውን ነገራት ከም ዝተፀበየቶም ኣይኰኑን ትብል።

ካብ ስዑዲ ዝተመልሱ እንታይ ሓገዝ ተገይሩሎም?

መንግስቲ ናብ ሃገር ክመልሶም ካብ ዝሓሰቦም  100 ሽሕ ዜጋታት እቶም 490 ብ21 መጋቢት 2014 ዓ.ም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም'ዮም።

ካብዛ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 15 ግንቦት 2014 ዓ.ም 25 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ከም ዝተመልሱ ትካል ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ኣይ ኦ ኤም) ናብ ቢቢሲ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን መተሓባበሪ ጉዳያት ካብ ስደት ተመለስቲ ኣቶ ኣሳልፈው ኣመዲን መንግስቲ ዝተፈላለየ ሓገዝ ከም ዝገበረሎም እዩ ዝዛረብ።

ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝምራሕን ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ዝሳተፍሉን ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ሃገራዊ ኮሚቴ ከም ዘሎን፡ እዚ ነቶም ተመለስቲ ካብ መዕርፎ ኣየር ካብ ምቕባል ጀሚሩ ዘለዉ ስራሕቲ ከም ዘተሓባብርን ይሕብር።

ኣብዚ ውድብ ስደተኛታት ዓለም እውን ይሳተፍ እዩ። እቲ ትካልን ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር እቶም ተመለስቲ ኣብ ዝዓርፉሎም ማእኸላት ኣገልግሎት ጥዕና፥ ናይ ስነ ኣእምሮ ሓገዝን “ግንዛበ መዕበዪ” ስልጠናታትን ከም ዝህብ ኣቶ ኣሳልፈው ይዛረብ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቶም ተመለስቲ ኣብተን ማእኸላት “ዝተፈለየ ነገር እንተዘይተፈጢሩ” ክሳብ ኣርባዕተ መዓልቲ ከም ዝፀንሑን ናውቲ መግቢ፣ ጽርየት፣ ንቈልዑ ዝዀኑ ሃነጽቲ መግብታትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ከምዝግበረሎም ይሕብር።

ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ናብ ዝመጽእሉ ከባቢታት ከም ዝለኣኹ ብምግላጽ፡ “ነናብ ከባቢኦም ክኸዱ እንከለው ናይ ጁባ ገንዘብ እውን ይወሃቦም እዩ” ኢሉ።

“እዞም ሰባት ነናብ ክልሎም ክኸዱ እንከለው ናብ ሕብረተሰብ ተፀንቢሮም ስሩዕ ሂወት ንምጅማር ዘድልዮም ኣድላዪ ሓገዝ ንክግበረሎምን እቲ ሕብረተሰብ እውን ንክድግፎምን ዘኽእሉ ስራሕቲ ኣብቶም ክልላት ምስ ዘለዉ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ብምውዳድ ንሰርሕ ኢና” ይብል።

ብካልእ ሸነኽ ናይ ስነ ኣእምሮ ድጋፍ ዘድልዮም ተመለስቲ ካብ ማሕበር ክኢላታት ስነ ልቦና ኢትዮጵያ ብዝተወጻጽኡ ወለንታውያን ኣቢሉ ድጋፍ ከም ዝገበር፡ ኣይ.ኦ.ኤም ይገልጽ።

ብተወሳኺ ኣይ.ኦ.ኤም ምስ ሚኒስትሪ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ከምኡ’ውን ዩኒሴፍ ብምትሕብባር ምስ ወለዶም ወይ ምስ ናበይቶም ዝተጠፋፍኡ ህጻናት ናይ ምትእልላሽን ምርኻብን ስራሕቲ ከም ዝሰርሕ ሓቢሩ።

እንተዀነ፡ ምስ ብዝሒ ተመለስቲ ክነፃፀር እንከሎ እቲ ዘሎ ሃፍቲ እኹል ከም ዘይኮነ ዝገልፅ ኣይ.ኦ.ኤም ኩሎም ተመለስቲ ዝደልይዎ ሓገዝ ከም ዝረኸቡ ምርግጋፅ ቀሊል ከም ዘይኮነ ይሕብር።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ስድራ፥ ዘመድ ወይ መሓዛ ዘይብሎም ካብ ስደት ዝምለሱ ተወለድቲ ትግራይ ንነዊሕ እዋን ከዕቑብሉ ዘኽእል ኣገልግሎት “ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ” እቲ ካልእ ፀገም ከም ዝኾነ ኣብሪሁ።

”ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኣማኢት ዝቑፀሩ መንግስቲ ኣብ ዘዳለዎም መዕቖቢታት፥ ብርክት ዝበሉ ድማ ኣብ ኣይ.ኦ.ኤምን መላፍንቱን ዘዳለውዎም ቦታታት ኣዕቚቦም ይርከቡ። እንተዀነ ቑፅሪ ዝምለሱ ስደተኛታት ይውስኽ ብምህላዩ፡ ሕጽረት መዕቆቢ ቦታታት ኣሎ” ክብል ገሊፁ።

ኣይ.ኦ.ኤም ካብ ስደት ዝምለሱ ብቐፃልነት ንክጣየሹን “ኣናእሽቱ  ቢዝነሳት” ጀሚሮም ዓርሶም ክሕግዙን ዘኽእል ሓገዝ ከም ዝገብር ዝገለጸ ኰይኑ እዚ ሓገዝ ግና ምስ ቑፅሪ ተመለስቲ ክነፃፀር እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ ክብል ሓቢሩ።

ኣስዒቡ ድማ ካብ ስዑዲ ዝምለሱ ሰባት ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ናይ ምርካብ ዕድሎም ”ኣዝዩ ትሑት” እዩ ይብል።

ብቀፃልነት ሓገዝ ዘይምርካቦም ድማ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ስደት ክወጽኡ ካብ ዘገድዶም ምኽንያታት ከም ዝዀነ ይጠቅስ።

ኣቶ ኣሳልፈው፡ እቶም ዜጋታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ንክስደዱ ምኽንያት ዝዀኖም ቁጠባዊ ጸገማት ፍታሕ ንክረክብ፡ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ዝረኽቡሎም ዕድላት ይመቻችኡ ከም ዘለው ሓቢሩ።

'ዘዋህለልክዎ ኹሉ ኣብኡ ተሪፉ'

ሽኩርያ ድሕሪ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኣብ መበል 27 ዓመታ እያ ናብ ሃገራ ተመሊሳ።

ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ስደት ክትጸንሕ እንከላ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብምውፃኣን ናብ ሃገራ ብምምላሳን “ኣዝያ ከም ዝተሓጎሰት" ትገልፅ።

ይኹን'ምበር ኣብ ስደት ዘሕለፍክዎ ህይወት 'ብባዶ ተባዚሑ' ትብል። ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት “ድኻምን መከራን” ኣብ ኢዳ ዝተረፈ እዚ ትብሎ ነገር የለን።  

“ኣብ ሃገረይ ክሰርሓሉ” ብዝብል ዘዋህለለቶ ገንዘብን ካልእ ሃፍቲን ክትእሰር እንከላ ኩሉ ስኢናቶ።  

“ኣብኡ ህይወትና ሙሉእ ክንደይ ነገር ኣሕሊፍና ብዝተኽኣለ መጠን ዘዋህለልናዮ ገንዘብ ኣይረኸብናዮን። [ናብ ሃገርና] መፂእና መነባብሮ ክንጅምረሉ ኢልና ኢና ኣዋህሊልናዮ ነይርና። ግን ኣብኡ ባዶ ኣብዚ እውን ባዶ ኰይኑ” ክትብል ሓዘና ትገልጽ።

ሕዚ ምስ ጓል ሓፍታ ኰይና ብዘይ ገለ ስራሕ ከም እትነብር እትገልፅ ሽኩሪያ “ንቀፃሊ እንታይ ከም ዝፍጠር ኣይፈልጥን። ብባዕለይ ዝጅምሮ ኰነ ዝሰርሖ ነገር የለን። ኣብኡ ዘዋህለልክዎ ኣብኡ ተሪፉ'ዩ። ኣብዚ መጺአ እውን ክዳን ክቕይር ዝሓገዘኒ ሓወይ እዩ. . . ብዙሕ መከራ ኣሕሊፈ ዳግም ክወፅእ ምባል ድማ ከቢድ እዩ” ትብል።

ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተና “ሽምና መዝጊቦም ዘለና ነገር ሓቲቶምና” ዝበለት ሽኩርያ “ክንድውል ኢና” ካብ ምባል ዝዘለለ ዝተገብረላ ሓገዝ ከም ዘየለ ትዛረብ።  

ናብ ኢትዮጵያ ካብ እትምለስ ክልተ ወርሒ ከም ዝዀና እትዛረብ ሽኩርያ፡ ኣብ ዓዲ ነገራት ክልወጡ እዮም ዝብል ተስፋ እኳ እንተነበራ ሕጂ ግን ተስፋታት ከም ዝተመናመነ እያ ትዛረብ።