ኣመሪካ ምስጢራዊ ሰነዳት ብምልሓዅ ንዝጠርጠረቶ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ ኣሲራ

ጃክ ተሸይራ

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK

Published

ንኣመሪካን መሓዙታን ክርብሽ ዝቐነየ ምስጢራዊ ሰነዳት ወተሃደራዊ ድሕነት፡ ብምልሓዅ ዝተጠርጠረ ወዲ 21 ዓመት ኣባል ሃገራዊ ሓለዋ ኣየር ኣመሪካ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ነቶም ሰነዳት ኣብ ናይ ኢንተርነት ጌም መጻወቲ ቻትሩም ከምዝዘርገሖም ዝተገለጸ ጃክ ተሸይራ፡ ክሲ ስለያ ክቐርበሉ እዩ።

ድሮ ፖሊስ ካብ ገዛ ቤተሰቡ ኣሲሮም ክወስድዎ እንከለዉ ዘርእይ ቪድዮ ተዘርጊሑ ኣሎ።

እቶም ዝለሓዅ ሰነዳት ኲናት ዩክረይንን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፈተውታ ዘካየደቶ ስለያን ዝምልከቱ ምስጢራት ዝሓዙ እዮም።

ተሸይራ ዓርቢ ኣብ ቦስተን ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ።

ኣባል ድሕነት ሓለዋ ኣየር መሳቹሰትስ ዝዀነ እዚ ጥርጡር፡ ኣብ 2019 ኣባል እቲ ሓይሊ ኰይኑ ከምዝተመደበ ሲቢኤስ ኒውስ ጸብጺባ።

ብተወሳኺ ኣብ ስራሕ ሳይበር ክሰርሕ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ብቐጥታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተወሰደ ዓቃቢ ሕጊ ኣመሪካ መሪክ ጋርላንድ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ብዛዕባ እቲ ምርምራ ይኹን ዕላማ ናይቲ ምልሓዅ ሓበሬታ ብዝርዝር ኣይገለጸን።

ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ብርጋዴር ጀነራል ፓት ራይደር ግን እቲ ሰሊኹ ዝወጸ ሓበሬታ "ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ገበናዊ ተግባር እዩ" ኢሉ።

እቲ ወተሃደር ብኸመይ ኣብ ንእሽቶ ዕድመኡ ምስጢራዊ ሰነዳት ክሕዝ ክኢሉ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ጀነራል፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ንኡስ ዕድመኦም ጀሚሩ ብዙሕ ሓላፍነታት ክስከሙ እምነት ከምዝወሃቦም ተዛሪቡ።

እቶም ልሒኾም ዝወጹ ሰነዳት እንታይ ዝሓዙ እዮም?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ቅድሚ ቅሩብ ኣዋርሕ ጀሚሩ ካብ 50 ክሳብ 100 ዝበጽሑ ምስጢራዊ ሰነዳት ዲስኮርድ ኣብ ዝተባህለ ተጻወትቲ ጌም ዘዘውትርዎ ሚድያ ተለጢፎም።

እቶም ቢቢሲ ዝምርምሮም ዘለዉ ሰነዳት፡ ዝተፈላለዩ ንኲናት ዩክረይን ዝምልከቱ ገምጋማትን ንካልኦት ሃገራት ዝምልከቱ ተኣፈፍቲ ሓበሬታታት ስለላን ዝሓዙ እዮም።

ሓደ በዓል መዚ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ፔንታጎን "ስፍሓት፡ መጠንን ክስዕብ ዝኽእል ጸቕጥን እቶም ሰነዳት" ይምርምር ከምዘሎ ይገልጽ።

ኮሚተ ድሕነት ዝመርሕ ኣባል ኮንግረስ ሪፐብሊካን ማይክ ተርነር፡ እቲ ምስላዅ ሰነዳት ንምንታይ ከምዘጋጠመን ብኸመይ ንሰሙናት ከይተርኣየ ከምዝጸንሐን ክምርመር ምዃኑ ገሊጹ።

ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት፡ ምስ ሓደ ኣባል ናይቲ እቶም ሰነዳት መጀመርታ ዝተለጠፉሉ ቻትሩም ቃለመሕተት ዘካየደት ኰይና፡ ነቶም ሰነዳት ዝለጠፎም ሓደ ኣብ መጀመርታ ክሳብ መፋርቕ ዕስራታት ዝርከብ ኣብ ሓደ ዘይተፈለጠ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝሰርሕ መንእሰይ ከም ዝዀነ ገሊጹ።

ኣባላት እቲ ቻትሩም ካብ ሩስያን ዩክረይንን ካልኦት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኰይኖም፡ ኣብቲ ሩም መማት፡ ዳእላታት የሰጋግሩን ብሓባር ፊልም ይርእዩን ይጽልዩን።

ዋላ'ኳ እቶም ሰነዳት መጀመርታ ኣብታ ንእሽቶ ሩም ጥራይ ተለጢፎም እንተነበሩ፡ ካብ መጀመርታ መጋቢት ጀሚሩ ግን እቶም ኣባላት ኣብ ካልኦት ሰርቨራት ዲስኮርድ ክልጥፉዎም ጀሚሮም።

ቀጺሉ ኣብ ደገፍቲ ሩስያ ተሌግራማት ዝተለጠፉ ኰይኖም ኣብ ገሊኡ ብዝሒ ውጉኣት ዩክረይን ንምውሳኽ ተባሂሉ ተቐዪሮም።

ሃገራዊ ሓለዋ ኣየር፡ ዕቑር ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ዝሓዘ እዩ።

ኣብ ካልእ ሃገር ኣብ ምብጻሕ ዝርከብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ብዛዕባ ማእሰርቲ እቲ መንእሰይ መግለጺ ከምዝተወሃቦ ሓደ በዓል መዚ ዋይት ሃውስ ንሲቢኤስ ሓቢሩ።