ኣሜሪካ ንኣንቶንዮ ጉተረዝ ክትስልዮ ምጽንሓ ልሑዅ ዝወጽአ ሰነዳት ኣቃሊዑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣሜሪካ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ንረብሓታት ሩስያ ከቐድም ድሌት ኣለዎ ኢላ ከምእትኣምን ኣብቲ ኣዛራቢ ዝዀነ ልሒዅ ዝወጽአ ሰነዳት ፔንታጐን ተቓሊዑ።
ኣብቲ ዝወጽአ ሰነዳት፡ ኣሜሪካ ንኣንቶንዮ ጉተረዝ ብሕቡእ ክትከታተሎ [ክትስለዮ] ከምዝጸንሐት’ውን ተጠቒሱ ኣሎ።
ኣብቲ ዝተቓልዐ ምስጢራዊ ሰነዳት፡ ኣሜረካ ንርክባት ጉተረዝን ምክትሉን ብስቱር ክትከታተሎ ከምዝጸንሐት ተቓሊዑ።
ኣብቲ ካብ ኣሜሪካ ብመን ከምዝዀነ ዘይተፈለጠ ዝለሓዀ ሰነዳት፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብዛዕባ ኵናት ዩክረይንን ሓያለ መራሕቲ ኣፍሪቃን ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ኣሜሪካ በጺሐዮ’የ ዝበለቶ ገምጋምን ተሰኒዱ ይርከብ።
ኣብ ሓደ ሰነድ ብዛዕባ እቲ ብመንጐኝነት ሕቡራት ሃገራትን ቱርክን ኣብ ሓምለ ዓለምለኻዊ ቅልውላው መግቢ ንምፍታሕ፡ ‘ሰነድ እኽሊ ጸሊም ባሕሪ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ሰነድ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣመልኪቱ ጠቒሱ ኣሎ።
ኣብ ትሕቲ እዚ ሰነድ፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነቲ ስምምዕ ዝደፍኣሉ ቀንዲ ምኽንያት ንረብሓታት ሩስያ ንሕላው ዓሊሙ ከምዝዀነ ተጠቒሱ ኣሎ።
“ቀንዲ ኣተኵሮ ጉተረዝ ሩስያ ዘለዋ ዓቐሚ ሰደድ ንምምዕባል ዝዓለም’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ብተወሳኺ ነታ ዝተኣገደት ሩስያን ውልቀሰባትን ነጻ ንምውጻእ’ዩ” ይብል።
ኣብቲ ዝወጽእ ምስጢራዊ ሰነዳት፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ለካቲት ዝወሰዶ ተበግሶ “ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብዝወሰደቶ ስጕምቲ ተሓታቲት ንምግባር ዝግበር ዝነበረ ሰፊሕ ጻዕሪ ዘነኣእስ’ዩ” ይብል።
ገለ ዓለምለኻውያን ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ልሕሉሕ ዝዀነ ኣካይዳ ይኽተሉ ምንባሮም ንገለ ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት የሐጕሶም ምንባሩ’ውን ኣብቲ ካብ ኣሜሪካ ልሑዅ ዝወጽአ ሰነድ ተጠቒሱ ኣሎ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ልሑዅ ወጺኡ ዝተበሃለ ሰነዳት ክዛረብ ከምዘይደሊ’ኳ እንተገለጸ “ሕቡራት ሃገራት ቀንዲ ኣተኵሮና ኣብተን ብሰንኪ እቲ ኵናት ብሕጽረት እኽሊ ዝሳቐያ ዝነበራ ድኻታት ሃገራት ዓለም’ዩ ነይሩ” ኢሉ።
እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ፡ “እዚ ማለት ዋጋ መግቢ ናብ ዝተሓተ ምውራድን ነተን ድዅዒ ዝደለያ ሃገራት ከምዝበጽሐን ምግባርን’ዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ሩስያ ኣብ ግዚኡ ናይ እኽልን ድዂዒን ሰደዳታ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነበረ እገዳ ብኸቢድ ከምዝተጸለወ ብተደጋጋሚ ትጠርዕ ነይራ’ያ።
ሰደዳት እኽልን ድዅዒን ሩስያ ዋላ’ኳ እገዳ እንተዘይተነበሮ፡ ኣብ ልዕሊ መራኽባ ብርቱዕ ክፍሊትን ኢንሹራንስን ተፍትሽን ከምዝካየድ ብምግላጽ እቲ ጽልዋ ከቢድ ከምዝዀነ’ያ ትጠቅስ ነይራ።
ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣሜሪካ ንጻዕሪ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዘይቅኑዕ ትርጕም ብምሃቦም ሕጕሳት ከምዘይኰኑ ብምጥቃስ፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብንጹርን ብተደጋጋምን ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ኵናት ተቓውሞኡ ከምዘስምዐ ጠቒሶም።
ካልእ ኣብቲ ምስጢራዊ ሰነድ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ኣብ መንጐ ኣንቶንዮ ጉተረዝን ምክትሉ ኬንያዊት ኣሚና መሓመድን ኣብ መፋርቕ ለካቲት ዝተገብረ ዝርርብ ዝምልከት’ዩ።
ኣብቲ ሰነድ ነዚ ዝርርብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተገለጸ ጽሑፍ፡ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነቲ ብፕረዚደንት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኡስላ ቮን ደር ለይን፡ ብሰንኪ ኵናት ዩክረይን ኣውሮጳውያን ሃገራት ብዙሕ ጠያይትን ተተኮስትን ከፍርያ ዘቕረበቶ ጻውዒት፡ ኣዝዩ ከምዘሰንበዶ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ኣንቶንዮ ጉተረዝን ምክትሉን ብዛዕባ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣመልኪቶም ምዝርራቦም’ውን ተጠቒሱ ኣሎ።
ኣሚና መሓመድ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ‘ርጉም’ዩ ኣይኣምኖን’የ’ ምባላ’ውን ኣብቲ ልሒዅ ዝወጽአ ሰነድ ሰፊሩ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣሜሪካ ትርከበን ሓያለ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ሃገራት ብዝተፈላለየ መንገድታት ስለያዊ መርበባት ከምዝዝርግሓ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።
ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጸጥታ ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ኣሜሪካ ነቲ ሰነድ መን ከምዘልሓኾ ንምፍላጥ ትሰርሕ ከምዘላ ጠቒሱ ነይሩ።
“እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ሰነዳት’ዩ፡ መን ሓላፍነት ከምዝወስደሉ ኣይንፈልጥን ኢና፣ ንምንታይ ዕላማ ከምዝተገብረ'ውን ኣይንፈልጥን፤ ንዅሉ ንምፍላጥ ከኣ ጥቡቕ መርመራ ጀሚርና ኣለና፡” ኢሉ።
ጆን ኪርቢ፡ ሓቅነት ናይ ገለ ካብቲ ልሑዅ ዝወጽአ ሰነዳት’ውን ይጻረ ምህላዉ ጠቒሱ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

