እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ካብ ሕሉፍ ዘይምምሃር ትንኮያ' ክብል ንትግራይ ወቒሱ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ “ካብ ወገን ትግራይ ኣብ መዳውብቲ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዝረኣይ ዝንባለታት” ንህዝቢ ትግረይ ንካልእ እብረ ስቓይ ዘሳጥሕ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።
ሚኒስተር ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ብሓሙስ 04 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ዝዋጠጥሎም ከባቢታት፡ ኣብዚ ሰሙን ብወገን ትግራይ "ይረአ ዘሎ ዝንባለ ዘይግቡእን ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጥሕስን እዩ" ኢሉ።
እቲ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፡ እዚ ኣካይዳ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዳግማይ ስቓይ ዘእቱ ምዃኑ ተዛሪቡ።
"ንዝለዓሉ ሕቶታትን ዘጋጥሙ ፀገማትን ብዘተን ልዝብን ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ መሬትና ብሓይሊ ክንመልስ ኢና ዝብል ኣካይዳ ካብ ዝሓለፈ ስሕተት ዘይምምሃሮም የምልክት" ኢሉ።
ነቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ሰላሙ ዘስተማቕር ኣሎ ህዝቢ ትግራይ ድማ ናብ ካልኣይ እብረ ስቃይን ገልታዕታዕን ከእትዎ እዩ። ነቲ ኣብቲ ክልልን ኣብ ጐረባብቲ ከባቢታትን ንዝተፈጥረ ተዛማዲ ሰላም’ውን ዘደብዝዝ እዩ፡” ኢሉ።
ዶክተር ለገሰ፡ መንግስቲ ፈደራል ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ትግራይ ናብ ምሉእ ሰላም ክትምለስን መሰላት ህዝቢ ትግራይ ክኽበሩን ፅኑዕ ድሌት ኣለዎ፡ ጻዕሪ እውን ይገብር ኣሎ ኢሉ።
እቲ ሚኒስተር ፡ ተራእዩ ዝበሎ ዝንባለ እንታይ ከም ዝዀነ ብንጹር ቃል እኳ እንተዘይተዛረበ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ወረዳታት ራያ ምልውዋጥ ተዅሲ ተኻይዶም ምንባሮም ግን ኣይርሳዕን።
ክልል ኣምሓራ ናይ ይግበአኒ ሕቶ ዘልዕለሎም ዘሎ ገለ ከባቢታት ደቡብ ትግራይ፡ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ተሰሊፎም ዝተዋግኡ ሓይልታትን ምምሕዳርን ክልል ኣምሓራ ከምዝተቘጻጸርዎ ይፍለጥ።
ነዞም ከባቢታት ዘመሓድሩ ዘለዉ ሰብመዚ ኣምሓራ፡ ካብ ትግራይ መጺኦም ዝብልዎም ዕጡቓት ተዅሲ ከም ዝኸፈቱ፡ ብተደጋጋሚ ክዛረቡ እዮም ቀንዮም።
ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ “ካብ ዝነበሮ ከባቢ ብምንቅስቓስ ቀበሌታት ወረዳ ራያ ኣላማጣ ብምሓዝ ቅትለት ፈጺሙ” ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ሰብ መዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን፡ ካብ ትግራይ ተበጊሶም መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ ዕጡቓት ከም ዘየለዉ ብምግላጽ፡ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ነጺጐምዎ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዝግበር ዘሎ መሬት ትግራይ ኣብ ካርታ ግዝኣት ኣምሓራ ምስፋርን ኣካል ስርዓተ ትምህርቲ ጌርካ ምስትምሃርን፡ ሓላፍነት ዝጐደሎ፡ ነገር ምጽሕታርን እዩ፤ ብኣጋ ክእረም እንተዘይተገይሩ ድማ ክልል ኣምሓራ ሓላፍነት ከምዝስከም ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ብወገኑ፡ ንመጠንቀቕታ እቲ ካቢነ፡ “ታሪኻውን ወድዓውን ሓቅታት ዝኸሓደ ምትኹታኽ” ክብል ምላሽ ሂብሉ እዩ።
ሚኒስትር ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ኣብ መግለጺኡ፡ ወሰን ብሓይሊ ከነኽብር ኢና ዝብል ኣካይዳ፡ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታት ዘይምምሃር ጥራይ እዩ፡ ብምባል፡ ኣብዚ ሰሙን ተፈጢሩ ንዘሎ ጸገም፡ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከሲሱ።
ኣብዚ ጉዳይ ካብ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይን ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን።
መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብዞም ከባቢታት ንዘሎ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ሰብመዚ ትግራይን ኣምሓራን ዝርከብዎ ኮሚቴ ቈይሙ ዝርርባት ይካየድ ከም ዘሎን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከም ዝምለሱን'ኳ እንተገለጸ፡ ክሳብ ሕጂ ብጭቡጥ እንታይ ተሰሪሑ ዝብል ግና ብንፁር ኣየቐመጠን።