እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ሕቶ ደቀይ ክምልስ ብዘይምኽኣለይ ንባዕለይ እወቅስ’ - በዓልቲ ቤት ናይቲ ኣብ ኬንያ ዝተጨወየ ሳምሶን
ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኬንያ “ብሓይልታት ጸጥታ” ዝተወሰደ ኣቶ ሳምሶን ተኽለሚካኤል፡ ዛጊት ሃለዋቱ ኣይተረኸበን።
በዓልቲ ቤቱ ሚለን ሓለፎም ክሳብ ሕዚ በዓል ገዝኣ ኣበይ ከምዘሎ እትፈልጦ ነገር ከምዘየለ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
“. . . ተስፋ ኣይቑረጽን ኢልና ኢና ክሳብ ሕዚ እንቃለስ ዘለና እምበር ኣበይን ኣብ ከመይ ኩነታትን ከምዘሎ ኣይንፈልጥን።” ትብል።
ኣቶ ሳምሶን ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ፡ ኪለሌሽዋ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብናይ ውልቅኡ መኪና እናተጕዓዘ ከሎ ናይ ሲቪል ዝተኸደኑ ሰባት መንገዲ ብምዕጻው ካብ መኪንኡ ኣውሪዶም ብካልእቲ መኪና ወሲዶምዎ።
ሓለፍቲ መንገዲ ቀዲሖም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘርግሕዎ ቪድዮ ነዚ የርእይ።
ኣቶ ሳምሳን ኣብታ 19 ዓመታት ዝተቐመጠላ ከተማ ናይሮቢ ተጨውዩ ደሃዩ ምስጠፍአ፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ምጥፍኡ ብምቅዋም ሰልፊ ከምዘካየዱ ዝዝከር እዩ።
ክልተ ዓመት ሙሉእ ደሃይ በዓል ቤታ ንምርካብ ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን ላዕልን ታሕትን እትብል ዘላ በዓልቲ ቤቱ ሚለን ሓለፎም “ኣነ ዝደኽመኒ ናይ ደቀይ ሕቶ ምምላስ ዘይምኽኣለይ እዩ” ትብል።
“ሕቶ ደቀይ ክምለስ ብዘይ ምኽኣለይ ይደኽመኒ። ንባዕለይ ኣዐርየ ይወቅስ። ሳሚ ናይ ምድላይ ጉዕዞ እናነወሐ፣ እናድከመኒ እንተኸደ እውን ተስፋ ኣይቆርጽን” ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ብተወሳኺ ካባይ ንላዕሊ “ኣብ ደቀይ ኣብ ጉዳይ ኣቦኦም ተስፋ ናይ ምቁራጽ ኩነታት ይርእይ” ትብል ሚለን።
“ኩሉ ሻብ ኣብ ኣእምሮኦም ዓብዪ ሕቶ እዩ ዝፈጥር ዘሎ። ኣብ መንጎ ተስፋ ምቁራጽን ዘይምቑራጽን እዮም ዘለዉ”
ሚለን ሓለፎም፡ በዓል ቤታ ኣቶ ሳምሶን ተኽለሚካኤል፡ ብዘይተፈለጡ ሰባት ምስተጨወየ ኣብ ቤት ፍርዲ ኬንያ ክሲ መስሪታ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ መስርሕ ፍርዲ እዩ ዘሎ።
ጉዳይ በዓል ቤታ ካብ ዓሚ ሎምዘበን ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ከምዘሎን ፖሊስ ምርመራ ኣካይዱ ፋይሉ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ከምዝመረሖን ትዛረብ።
ንሳን ኣብቲ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ትራፊክ ፖሊስን ቃሎም ሂቦም ኣብ ቀጻሊ ቆጸሮ ውሳነ ቤት ፍርዲ ንምስማዕ ይጽበዩ ኣለዉ።
ዓቃቢ ሕጊ ኣብቲ ሳምሶን ክጨወ ዘርእይ ቪድዮ ዝረኣዩ ኣካላት ጸጥታ ‘ናብ ክሲ ይቕረቡ ዶ ኣይቕረቡ’ ኣብ ዝብል ውሳነ ክሳብ ዝወሃብ ትጽበ ከምዘላ ሚለን ትዛረብ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ስድራ ኣቶ ሳምሶን ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኢትዮጵያ ክሲ ንምምስራት ምንቅስቓስ ከምዝጀመሩ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ “ስምዕታ” ከምዝነበረ ዘዘኻኸረት ሚለን “ንግዚኡ ደው ኣቢለዮ ኣለኹ” ትብል።
ምኽንያታ ኣይተ ሳምሶን ዝተጨወየሉ ኣብ ናይሮቢ ስለዝኾነን እቲ ጉዳያ ብዓቃቢ ሕጊ ይረአ ስለዘሎን፡ ውሳነ ቤት ፍርዲ ምስሰማዕኩ “ናቱ ክቕጽል እዩ” ብምባል ገሊጻ።
ሳምሶን ብሓይልታት ጸጥታ ኬንያ ከምዝተጨወየ ርግጸኛ ከምዝኾነት እትዛረብ ሚለን፡ “ናይ ንግዲ መሻርኽቱ ወይ ለያቡ ዓጊቶምዎ ኢልካ ምሕሳብ ይኸብድ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ትራፊክ ፖሊስ በሪ እናኸፈተሎም፣ እናሓገዞም፣ እናውጸኦን ይረአ እዩ (ኣብቲ ቪድዮ)። ስለዚ ነዚ እንትገብር ካብ መንግስቲ ዝመጸ እንተዘይኮይኑ፡ በዚ ደረጃ ዝጨዊ ሌባ ኮነ ዓጋቲ ይህሉ እዩ ኢለ ኣይሓስብን” ኢላ።
ንሳ ብሕጊ ዝድለ እንተኾይኑ እውን ብሕጊ ኣግባብ ይተሓተት ኢላ ትምሕጸን።
“ሳምሶን ከም ዝኾነ ሰብ፡ ሰብ እዩ፤ ጥፍኣት ክፍጽም ይኽእል እዩ። ጥፍኣት ፈጺሙ እንተኾይኑ ናብ ሕጊ ይቕረብ ኢልና ኢና ንዝምልከቶ ኣካል ንምሕጸን ዘለና።” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
‘ንምንታይ ክሳብ ሕዚ ተዓፊኑ ተሪፉ? ኣጥፊኡ እንተኾይኑ ኸ ስለምንታይ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ዘይሕተት’ ንዝብል ሕቶ ምላሽ ከምዘይብላ እያ ትገልጽ።
ብተወሳኺ "እዚ ዝበሃል መረዳእታ እኳ እንተዘይሃለወኒ ብወገን ኬንያን ኢትዮጵያን ብዘለዉ ሓደ ሓደ ፈተውትና ደሓን ከምዘሎ ኢና እንሰምዕ" ብምባል ሕዚ እውን ብህይወት ከምዘሎ ዝገለጽ ሓበሬታ ምህላዉ ትዛረብ።
“ከም በዓልቲ ገዝኡ፡ ከም ናይ ቀረባ ሰብ ድማ፡ ኣነ ሓደ መዓልቲ ማዕጾ ገዝኡ ኳሕኲሑ ከምዝመጽእ ሙሉእ ተስፋ ኣለኒ።”
ቢቢሲ ንዘቕረበላ ብህይወት ምህላዉ ርግጸኛ እንተኾንኪ ንምንታይ ዛጊት ድምጹ ኣይሰማዕክን? ንምንታይ እዩ ቤተሰቡ ክረክብ ዘይከኣለ? ዝብል ሕቶ እንትትምልስ ድማ
“ንዓና እውን ክሳብ ሕዚ ዝርብሸና ዘሎ፡ ክሳብ መዓዝ እዩ ብኸምዚ ዝቕጽል ዝብል ኮይኑ ብውልቀ ሰብ ደረጃ ስለዝኸብድ ብደረጃ መንግስቲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሕግዘና ኢና እንሓትት ዘለና” ኢላ።
ሳምሶን ኣብ ዝተጨወየሉ እዋን ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኬንያ እቲ ግዳይ ዝርከበሉ ቦታ ብግልጺ ከፍልጥ ከምዝሓተተ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ኣምባሰደር ዝነበረ ኣቶ መለስ ኣለም “መንግስቲ ኬንያን ኣካላት ሕግን ሳምሶን ኣበይ ከምዘሎ ከፍልጡና ሓቲትና ኢና” ብምባል ንመራኸብቲ ብዙሃን ኬንያ መግለጺ ምሃቡ ዝዝከር እዩ።
“እቲ ዘጋጠመ ክስተት ንኢትዮጵያውያን ኣደንጊጹ እዩ። ኣብቲ ማሕበረሰብ ብጣዕሚ ዝኽበር ብምዃኑ ብሃንደበት ምጥፍኡ ንኢትዮጵያ ሃገሩ ጎዲኡ እዩ” ክብል እውን ወሲኹ ገሊጹ።
ኤምባሲ ኢትዮጵያ ናብ መንግስቲ ኬንያ ደብዳበ ምጽሓፉ ከምዝተነገራ እትዝክር ሚለን፡ ዛጊት ምላሽ ከምዘይተውሃቦምን ሕዚ እውን ምስቲ ኤምባሲ ብቕርበት ትዘራረብ ከምዘላን ተዛሪባ።
“ከም ዝመጽእ ይፈልጥ እየ። ንደቀይ 'ሓደ መዓልቲ መጺኡ ከደንቐና እዩ' እብሎም። ከምዚ ክብሎም ከለኹ ተስፈኦም ይልምልም። ይኣምኑኒ። ኮይኑ ግና ኩሉሻብ ከምኡ ስለዘይብሎም ውሽጦም ምስተረበሸ እዩ።”
ብዘይ ጭቡጥ ተስፋ ክልተ ዓመት ሙሉእ በዓል ቤታ ክትእልሽ ኮለል ምባል ከቢድ ከምዝኾነ ግና ኣይሓበአትን።
“ቆልዑ ሒዝካ ከቢድ እዩ፡ ዓብዪ ፈተና እዩ።”
ኣቶ ሳምሶን ተኽለሚካኤል ኣብ ናይ ጋዝ ንግዲ ተዋፊሩ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ኬንያ ተቐሚጡ እዩ።