እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሮናልዶ ክልተ ሸቶታት ኣብ ዘቝጸረሉ ጸወታ ሓድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊቡ
ክርስትያኖ ሮናልዶ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ንሃገራዊት ጋንታኡ ዝበዝሐ ጸወታታት ተሰሊፉ ብምጽዋት ክብረወሰን ዓለም ሒዙ ይርከብ።
ፖርቱጋል ኣንጻር ሊክተንስተይን 4ብ0 ኣብ ዝረትዓትሉ ጸወታ ክልተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ሮናልዶ ንሃገሩ ልዕሊ 120 ሸቶታት ዘመዝገበ እንኮ ተጻዋታይ እዩ።
እቲ ኣብ 2003 ንሃገሩ ንፈለማ ግዜ ዝተጻወተ ወዲ 38 ዓመት ሮናልዶ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቐጠር ድሕሪ ምስታፉ ኣብ 5 ዋንጫ ዓለም ዝተጻወተ እንኮ ተጻዋታይ ኰይኑ።
ሮናልዶ ኣብ ካልኣይ እብረ ናይ ሓሙስ ምሸት ጸወታ፡ ብፍጹም ቅላዕን ብናጻ ቅላዕን ሸቶ ኣመዝጊቡ።
ኣብ ሊግ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኣልነስር ዝጻወት ሮናልዶ፡ ኣብ ቀዳማይ እብረ ሸቶ ንምምዝጋብ ክጽገም ተራእዩ።
ፖርቱጋል ካብ ጃኦ ካንሴሎ ብዝረኸበታ ሸቶ ቀዳማይ እብረ 1 ን0 መሪሓ፡ ኣብ ካልኣይ እብረ ሮናልዶ ክልተ ሸቶታት በርናርዶ ሲልቫ ድማ ሓንቲ ሸቶ ወሲኾም ነቲ ጸወታ 4 ብባዶ ዛዚማ።
ሮናልዶ ኣብ ቐጠር ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ኣብ 196 ጸወታታት ብምጽዋት ምስ ኣጥቃዓይ ኩዌት ባድር ኣልሙታዋ ብሓባር ክብረወሰን ክሕዝ'ኳ እንተኸኣለ፡ ፖርቱጋል ካብቲ ውድድር ምስ ተገልፈት ናብ ሃገራዊት ጋንታኡ ምምላሱ ግን ኣጠራጣሪ እዩ ነይሩ።
5 ግዜ ተዓዋቲ ባሎን ዲ ኦር ዝዀነ ሮናልዶ ኣብ ቐጠር ካብቶም ቀዳሞት 11 ተሰለፍቲ ወጻኢ ተገይሩ ነይሩ።
ሓድሽ ፖርቱጋላዊ ኣሰልጣኒ ሮበርቶ ማርቲነዝ ግን፡ ሓለቓ ጋንታን ቀዳማይ ተሰላልፍን እታ ሃገራዊት ጋንታ ገይርዎ።
ሮናልዶ ታሪኽ ምስራሕ ይቕጽል
ሓድሽ ታሪኽ ሮናልዶ፡ ዓለም ካብ ዝረኣየቶም ኮኸብ ተጻወትቲ ሓደ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
እዚ ፖርቱጋላዊ ኣጥቃዓይ 5 ግዜ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ፡ 4 ግዜ ዋንጫ ዓለም ክለባት፡ ኣብ ስጳኛ፡ ኢጣልያን እንግሊዝን ዝተፈላለየ ዋንጫታት፡ ከምኡ’ውን ሓንቲ ዋንጫ ኣውሮጳ ተዓዊቱ’ዩ።
ምስ ስፖርቲን ሊዝበን፡ ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ሪያል ማድሪድን ጁቬንቱስን ዝተጻወተ ሮናልዶ፡ ክልተ ግዜ ብሉጽ ተጻዋታይ ፊፋ ተባሂሉ ከም ዝተመረጸ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ሮናልዶ 800 ሸቶታት ዘመዝገበ ፈላማይ ተጻዋታይ ኰይኑ።
ሮናልዶ ዘመዝገቦም ክብረወሰናት፤
- ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ሻምፕዮንስ ሊግ (140)
- ኣብ ጸወታታት ሻምፕዮንስ ሊግ ብዙሕ ግዜ ዝተጻወተ (183)
- ብዙሕ ዋንጫታት ሻምፕዮንስ ሊግ ዝተዓወተ (5)
- ኣብ ሰለስተ ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ሸቶ ዘመዝገበ እንኮ ተጻዋታይ
- ኣብ ፍጻመ ሻምፕዮንሺፕ ኣውሮጳ ብዙሕ ግዜ ዝተጻወተ (5)
- ኣብ ፍጻመ ዋንጫ ሻምፕሮንሺፕ ኣውሮጳ ብዙሕ ሸቶታት ዘመዝገበ (14)
- ኣብ ፍጻመ ዋንጫታታ ኣውሮጳን ዓለምን ብድምር ብዙሕ ሸቶ ዘመዝገበ (22)
- ንሃገራዊት ጋንታ ብዙሓት ሸቶ ዘመዝገበ (120)
- ኣብ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ንሃገራዊት ጋንታ 10 ሃትሪክ ዘመዝገበ ፈላማይ ተጻዋታይ እዩ።